ንኣካሉ ኣድመቖም “ዘሪጋ” ሰምየዮ፦ ይስሓቕ ኣብርሃም
እዚ ጽሑፍ እዚ ባሕቲ ነሓሰ 2016 ወጺኡ ዝነበረ እዩ።
1. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ይስሓቕ: ንሱ ወዲ ኣብርሃም እዩ: ንስኻ’ውን ይስሓቕ ኣብርሃም ኢኻ ትብሃል’ሞ: ብመደብ ድዮም ይስሓቕ ኢሎሙኻ፧
"ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡... " ዝብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰፈረ እዩ (ማቴ 1፡2)። ኣቦይ ቀሺ ኣብርሃም ከኣ ነዚ ብምውካስ እዩ ስም ዘውጻኣለይ። ሓደ መዓልቲ ብግዜ ቊልዕነተይ፡ ገለ ነገር ምስ በደልኩ፡ ኣቦይ ብኽሳደይ ዓትዒቱ ኣብ ዓራት የገምስሰኒ'ሞ "ንስኻ ክትሕረድ (ንመስዋእቲ ክትቀርብ) ምተገባኣካ!" ክብለኒ ይዝከረኒ። እቲ ዝገርም፡ ዝተወለድኩሉ መዓልቲ፡ ብግእዝ 27 ነሓሰ ኰይኑ፡ ኣባ ኣብርሃም ምዃኑ እዩ። ኣብቲ ብማሕበረ ሓዋርያት ዝዳሎ፡ ዓውደ-ኣዋርሕ፡ 27 ነሓሰ፡ ብ"ኣብርሃም ይስሃቅ" ተጠቒሱ’ሎ።
ስመይ ምስ ስም ኣቦይ ኣብቲ መጽሓፍ ወለዶ ዝምርኰስ ምዃኑ፡ ደስ ዝብል'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዝኸድክዎ ግና ብኽልቲኣቱ ሞኽስታት የጋጥሙኒ እዮም። ስለዚ ኸኣ፡ ሓደ ዝፈጸሞ፡ እቲ ሓደ ካልእ ከም ዝገበሮ ስለ ዝውሰድ፡ ይሕመቕ ይጸብቕ ብናትካ ተግባር ክትጽዋዕ እዩ ዘምሕር። ይስሓቕ ኣብርሃም (ስዉእ ሙዚቀኛ)፡ ይስሃቕ ኣብርሃም (ሜጋ ሚክስ)፡ ይስሃቕ ኣብርሃም (ወዲ ፓይሎትን ካራቲስታን)፡ ይስሃቕ ኣብርሃም (ሓላው ማዕጾ ጋንታ ኤልፓ) ካብ መንጎ እቶም ዝዝክሮምን ዝፈትወምን እዮም።
ካብዚ ከይወጻና ምንጪ ስማትና ሓደ ክነሱ፡ እቲ እንጽሕፎ ግዳ፥ ይስሃቅ፡ ይስሓቕ፡ ኢሳቕ፡ ሸሓቕ፡ ይሳቅ፡ ... እናተባህለ ይጽዋዕ። ብወገነይ ይስሃቅ ምባል ዝመረጽኩሉ፡ ኣብታ "ስማት ኤርትራውያን" ዘርእስታ ብኣቦና ቀሺ ሙሳ ኣሮን ዝተጻሕፈት ብምውካስ እየ። ሓደ ግዜ (ቅድሚ ሾብዓተ ዓመት) ግና፡ ንቀሺ ብርሃነ ዘርኣይ ሓንቲ ንቘልዑ ኢለ ዘዳሎኽዋ መጽሓፍ "ርኣየለይ" ምስ በልክዎ፡ ነቐፋ በዛ ስመይ ጀሚሩ፡፡ "'ይስሓቕ' እንተ ኢልና 'ስሒቑ' ንብል፡ 'ይስሃቅ' እንተ ኢልካ ግዳ 'ስሂቁ' እዩ" ክብለኒ ትዝ ይብለኒ።
2. ይስሃቕ ማለት፡ ”ኣምላኽ ሰሓቕ ጌሩለይ” ማለት’ዩ: ኣነ ከም ዝፈልጠካ ኸኣ: ሰሓቒ ምዃንካ እዩ። እናኣስሓቐ ዝምህር ዋዛታት’ውን መለለይኻ ይመስለኒ እሞ: ይስሃቕን ሰሓቕን ሲ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገጽ፡ ክንብለኩም ንኽእል ዶ፧
ክክክክ.. ወላ "ናይ ሓንቲ ቅርሺ ክልተ ገጽ!" እንታይ ይመስለካ ክቡር ኣባ ቀሺ፡ ኣነ ፈታው ሰሓቕ እየ። ገለ ሰባት ኣሳሕቓይ ከይተረፈ ዘስሕቖም ኣይተሳእኑን። ኣብ ሰሓቕ ዘሎ ባህታን ወኻዕኻዕታን መቸም ፍሉጥ እዩ። ናብ ሰናይ ዝቐንዐ ሰሓቕ ከኣ ኣምላኽ እውን ዝፈትዎ እዩ። ከምዛ ዋዛ ዝጀመርክዎ ኣብ ላዛ ዝተመርኰሰ ዋዛታት ከዘውትር እፍትን እየ። ካብ ናይ ካልኦት ስነ-ጥበበኛታት ክፍለ ኢለ ዝጀመርክዎ፡ ካብ ጽሑፋተይ ኣብ ሰሓቕ ዝምደቡ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ግዜ ሰሓቕ ምስሓቕ፡ ኣብ እዋን ቁምነገር ከኣ ቁምነገር ክፍጽም እደሊ። እናሓንሳብ ግዳ ኣብ ቁምነገር፡ ዋዛ ይስዕረኒ'ሞ ዕቱብነተይ ይጓደል። ሓደ ግዜ ንኣብነት ሓደ ወዲ ዶርሙና (መዳቕስትና) ማዕጾ ይሰብር'ሞ፡ ምስቶም ደቂ ዶርሞይ ኣነ እሽምግሎ ነበርኩ። ኣብ መንጎ ከምዚ ኢለዮም፡ "ኣነ ዋዛ እንተሓወስኩ ኩነታት ከፋኹስ ኢለ'የ እምበር፡ ኣብ ግዜ 'ሲርየስ' ካብ ሰበይ ንላዕሊ 'እስርስ' ምስ በልክዎም፡ ካን መመሰሊ ጌሮሙኒ። እቲ ልዑል ፈጣሪ፡ ምሉእን ነባርን ሰሓቕ ይግበረልና፥
3. ኣብ ድምጺ ሓፋሽ: ብዙሕ ሰብ ዘዛረቡ ”ዘሪጋ” ዝሳጓኦም ሰብኣይ ከም ገጸ ባህርይ ሃኒጽካዮም ኔርካ: ኣብዚ እዋን እዚ ከም ዘሪጋ ዝበሉ እናዋሓዱ ዶ እናበርከቱ እዮም ዝኸዱ ዘለው፧ ርእይቶኻ እንታይ እዩ፧
ኣብ 1995 ናጽነት ተስፋሚካኤል. ናብ ካፒቶል መጺኣ "ብዛዕባ ሓድሽ ዓመት ዝገልጽ ጽሑፍ እንዶ ኣበርኩቱልና" ምስ በለትና፡ ሓደ ንነብሱ ዘድምቕ ሰብኣይ ብምፍጣር፡ 'ኣካሉ ኣድመቖም' ኢለዮ። ዘርጊ ዘረባ እናንጠበ ምስ ከደ ድማ "ዘሪጋ" ሰምየዮ። ሳሚኤል ገብረ-ኣዶናይ ምስ ተዋስኦ ኸኣ፡ ስጋ ዝለበሰ ጠባይ ኰይኑልና። እናፈሸኹ ቁምነገር የጨብጡ ዝበልናዮም ሓሳባት ከኣ ነቃልሓሉ ኔርና። ቅድምን ድሕርን "ዘሪጋ" ውሱናት ጠባያት ዝሓዙ፡ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ተጋሂዶም እዮም። "ሲራክን ኣባሓጉኡን"፡ "ኣደይ ፈትየን"፡ "ዛርቆን"፡ "ወዲ ሓሊኪኤል"፡ "ኣቦይ ሳጅን'፡ 'ዝግታን ዝማምን'፡ ... ካብቶም ዝዝክሮም እዮም። ብመንጽር እቲ መራኸቢ ብዙሃንን እዋንን ክርእዮ እንከሎኹ ዝወሓዱ ይመስለኒ። ኣብ ክንደይ እቲ ዋሕዶም ድማ ተተቐልቂሎም ምጥፍኦም። "ዘሪጋ" ንኣብነት ክሳብ ኣርባዕተ ግዜያት ተተቐልቂሉ ክጠፍእ ተራእዩ። ሓደ መዓልቲ ነቲ ኣነ ዝፈልጦ ዘሪጋ ሒዘ ብመልክዕ መጽሓፍ ከቐልቅሎ ዝብል ሓሳብ ኣሎኒ። "ሰብ ኣማሚ፡ እዝጊ ኸ፡ ፈጻሚ!"
4. ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍሉይ እትፈትዎ ጥቕሲ ኣለካ ዶ? ብዙሕ እንተኾይኑ ሓንቲ ጥራይ ዶ መሪጽካ ክትንግረኒ፧
ሓንቲ ካብተን ዝምስጣኒ ጥቕሲታት "ፍርሃት እግዚኣብሒውር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ" (ምሳሌ 1፡7)
5. ስነ-ጥበባዊ ስራሓትካ ዶ ከተላልየኒ፧
ካብ ስነጥበባዊ ፍርያተይ ዝብሎ፡ "ዘሪጋ" ጠባይ ብራድዮ (ሳሙኤል ገብረ-ኣዶናይ ዝዋስኦ) ፡ መጽሓፍ ካዕካዕታ (ምስ ምሉእብርሃን ዘሕተምናያ)፡ "ዋዛን ላዛን" ኦድዮ ኮመዲ (ምስ ሳሙኤል መንግስትኣብ ዘዳሎናያ፡ ብርክት ዝበሉ ሓጸርቲ ኮመዲ ድራማታት (ኣብ መድረኻት፡ ቲቪን ሬድዮን ዝቀረቡ"፡ "ውሉድ ንውሉዱ"፡ ዝርከቦም ብዙሓት ተኸታተልቲ ሬድዮ ድራማታት፡ ሓያሎ ወግዕታት፡ ግጥምታት፡ ሓጸርቲ ዛንታ... እዚ ብመንጽር'ቲ ከፍርዮ ይግባኣኒ ዝብሎ ውሑድ ምዃኑ ይርድኣኒ። ዝያዳ ብርኩትን ግሉሕን ስነጥበባዊ ፍርያት ሒዘ ንኽቐርብ ከኣ ኣምላኽ ይሓግዘኒ።
6. ቤተክርስቲያን ከምዚ እንተትገብር ባህ መበለኒ ትብሎ ነገር እንተለካ፧
ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ብፍላይ ከኣ ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ብመንፈሳውን ኣካዳምያውን መዳይ ዝበሰሉ ክሳብ ምፍራይ በጺሓ ትርከብ። ካብቲ ቀደም ትምህርቲ ዲቁና እንወስደሉ ዝነበርና ህሞት ንላዕሊ፡ ብዙሕ ምዕባሌታት ኣብ እምነትካ ምጽናዕን፡ ብእምነትካ ምምልላስን ተኸሲቱ ኰይኑ ይስማዓኒ። እንተኾነ ብፍላይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ብዙሕ ኣስተምህሮታት፡ መጻሕፍትን፡ ቪድዮኣዊ፡ ስርሓትን ዝያዳ እናቐረበ ምስ ዝመጽእ፡ ድርብራብ ረብሓ ምተረኽቦ ኰይኑ ይስማዓኒ። ነቶም ዓቕምኹምን ክእለትኩምን ከይበቐቕኩም መንፈሳውን ሞራላውን መልእኽታት እተመሓላልፉልና ዘሎኹም ድማ ፈጣሬ ኩሉ ዓለም፡ ቃለ-ህይወት ንከጎናጽፈልና ትምኒተይን ጸሎተይን እዩ።
7. ሓጺር ድሕረ ባይታኻ
ብቕድመ-ባይታይ ዶ ክጅምር፧ ክክክ ስደተኛ እየ ዘሎኹ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ቈልዑ ዘተኰረ መጽሓፍን መዛሙርን ኣብ ምድላው እርከብ ኣለኹ። ካብ 2009 ክሳዕ 2013 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኔረ። ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ከም ጋዜጠኛን ስነ-ጥበበኛን ሰሪሐ። ኣብ ራድዮ ድምጺ ሓፋሽ ከም መደባት ምዝንጋዕ፡ መንእሰያት፡ ህጻናት፡ ደቀንስትዮ ዝኣመሰሉ፡ ኣብ ኤሪ ቲቪ፡ ከም ሞዛይክን ቀንዴልን ሰሪሐሎም። ብሸነኽ ትምህርቲ፡ ክሳብ 12+2 በጺሐ፡፡ ኣብ ብዙሓት ሓጸርትን ነዋሕትን ኮርሳት ተሳቲፈ። ክሳብ ባሕሬን እውን ብስልጠና ከይደ።
8 ውላድ ካብ ዝፈረየት ስድራይ ቦኽሪ እየ። ብዘይካ ሓደ ሓወይ፡ ካልኦት ኣሓተይ እየን። (ኣብ ዘዘለዉዎ ሰናይ ይሃልዉለይ)ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ሰናያት ኣዋልድን እየ። "ኣብቲ ደቀንስትዮ ዝዓብለላኦ ቤት፡ ከመይ ኣሎኻ?” ትብለኒ ነበረት ሓንቲ መሳርሕተይ።
ኣብ መስከረም 1970 ተወሊደ። ኣብ ቪላጆ ጀንዮን ማይ ተመናይን ዓብየ፡፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሕብረት፡ ጀግኖችን ኣስመራ ሓፈሻውን ኣካዳምያዊ ትምህርተይ ተኸታቲለ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራን ኮሎጃት ዓዲ ቀይሕን ሓልሓለን ተማሂረ።
ኣብ ቀጻሊ ክሰርሖም ዝደሊ ድማ፡ ኣብ ኮመዲ፡ ተኸታታሊ ድራማን ሓጸርቱ ዛንታን ኣተኲረ ክሰርሕ መደብ ኣሎኒ። ንኹሉ ኣምላኽ ይሓግዝ!