Megedihywet

View Original

ምንታወ-ንቡር Vs ሌላን ጉሌላን

ከም እኒ ”ሻራ”፡ ”ምፍልላይ”፡ ”ሌላን ጉሌላን” ከምኡ ድማ ሕጂ፡ ”ምንታወ-ንቡር” ንዝብሉ ኣዝዮም ተመሳሰልቲ ቃላት፡ ኣዕሙቝ ኣቢልና ክንሓስበሎም’የ ደልየ ዘለኹ።

Double Standard ንእትብል ቃል፡ ትግርኛዊ ስያመ ንምርካብ፡ ”ምንታወ ንቡር” ቢለ ብዘጥመቕክዋ፡ ደራስን ጋዜጠኛ ራድዮ ኤስቢኤስን በየነ ሰመረ፡ ኣብ መገዲ-ኣርባዓ ወሲዱ ዘወርወር ኣበላ። እዚ፡ ሓያሎ ኣማራጺ ሓሳባት ንኽቐርቡ ሓገዘ። ”ቀይናን መስፈሪ”፡ ”ማንታ መትከል”፡ ”ድርብ መዐየሪ”፡ ወዘተ ዝብሉ፡  ቍሊሕ ክንብሎም ዝቕስቡ ብህሎታት ቀሪቦም ምህላዎም ድማ ምልክት ጽቡቕ ኣንፈት ኰይኑ ይርኣየኒ። ወሃብቲ ርእይቶ ካብ ዘቕረብዎም ኣማራጺታት፡ እታ ”ሌላን ጉሌላን” እትብል፡ ዝያዳ ሕርየት ዝረኸበት ትመስል፡ ሓደው፡ በየነ ሰመረ ኣብኣ ከም ዝዓስል ሓቢሩ’ሎ። ሌላን ጉሌላን ግና ን Double standard ብምልኣት ክትገልጾ ትኽእል ድያ፧ ምሕሳብን ምውሓዝ ሓሳባትን ኣይንሕመቕ፦

ኤስቢኤስ ክፍሊ ትግርኛ፡ ስነ-ጋዜጠኝነት ዝተማህረ ሓደ ጋዜጠኛ ክቘጽር መዲቡ’ሎ፡ ንበል’ሞ፣ ኤርትራውያንን ትግራዎትን፡ ደቀ-ንስትዮን ደቅ ተባዕትዮን፡ ኣስላምን ክርስቲያንን፡ መንእሰያትን ሰብ ማእከሎት ዕድመን፡ ግሩማትን፡ ግርማ-ሞጐስ ዝወሓዶምን ወዘተ፡ ብቕዓት ዘሎዎም ደለይቲ ስራሕ ድማ ኣመልኪቶም ኣለው፡ ቢልና ኸኣ ንሕሰብ።

ተወሰኽቲ መምዘኒታት ክዀኑ ዝኽእሉ ካልኦት ረቛሒታት ኣጽኒሕና፡ ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ”ስነ ጋዜጠኝነት ዝተማህረ” ዝብል መምዘኒ ጥራይ ከም ንቡር (Standard) ወሲድና፡ ነቶም ኣዝዮም ተመሳሰልቲ ዝበልናዮም ቃላት ከም እኒ፡ ”ሻራ”፡ ”ምፍልላይ”፡ ”ሌላን ጉሌላን” ከምኡ ድማ ሕጂ፡ ”ምንታወ-ንቡር” ንዝብሉ ቃላት ንሕሰበሎም።

  • ምፍልላይ፦ ነቶም ስራሕ ደልዮም ኣመልኪቶም ዘለዉ፡ ንምቝጻርን ዘይምቝጻርን ኣብ ግምት ከየእተኻ፡ ግናኸ ኣብ ክንዲ ብሞያ ጋዜጠኝነትሲ፡ ብዜግነት፡ ብሃይማኖት፡ ብዕድመ፡ ብጾታ ወዘተ ፈላሊና ክንምዝግቦም ከለና፡ ንፈላልዮም ኣለና ክብሃል ይከኣል። ንወድዓውነት ከም ዘሎዎ ብምውሳድ ደኣ እምበር፡ ባዕላዊ ውሳነ ስለ ዘይወሰድና፡ ኣድልዎ ኣይገበርናን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንወድዓውነት ብዘይ ርእይቶ ኢና ኣቐሚጥናዮ ኣለና። ትግራዋይ፡ ኤርትራዊ፡ ጓለንስተይቲ፡ ወዲ ተባዕታይ፡ ማእከላይ ዕድመ፡ መንእሰይ ቢልካ ምምዝጋብ፡ ኪንዮ ወድዓውነት፡ ዝዀነ ካልእ ትርጉም ኣይህልዎን።

  • ሌላን ጉሌላን፦ ነቶም ስራሕ ደልዮም ኣመልኪቶም ዘለዉ፡ ንምቝጻርን ዘይምቝጻርን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ግናኸ ኣብ ክንዲ ብሞያ ጋዜጠኝነትሲ፡ ብዜግነት፡ ብሃይማኖት፡ ብዕድመ፡ ብጾታ ወዘተ ፈላሊና ክንርእዮም ከለና፡ ሌላን ጉሌላን ንገብር ኣለና ክብሃል ይከኣል። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ወድዓውነትሲ ባዕላዊ ርእይቶ (ርድኢት) ክንሕውሰሉ ከለና ማለት'ዩ።

  •  ሻራ፡- ነቶም ስራሕ ደልዮም ኣመልኪቶም ዘለዉ፡ ንምቝጻርን ዘይምቝጻርን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ግናኸ ኣብ ክንዲ ብሞያ ጋዜጠኝነትሲ፡ ብዜግነት፡ ብሃይማኖት፡ ብዕድመ፡ ብጾታ ወዘተ ፈላሊና፡ ሌላን ጉሌላን ድሕሪ ምግባር፡ ናብቲ ናትና ዝበልናዮ ወገን ክንዓስል ከለና፡ ነሻሩ ኣለና ማለት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ወድዓውነትሲ ኪንዮ ባዕላዊ ርእይቶ (ርድኢት) ምሕዋስ ሓሊፍና፡ ናብቲ፡ ”ወገነይ” ዝበልናዮ ክንዛዙ ከለና ማለት'ዩ።

Double standard ከም ኣምር

ብማዕረ ክቕበሎም እናተገብኦ፡ ንገለ ዝቕበል፡ ንገለ ግና ዝነጽግ እንተልዩ፡ ነቲ ሓደ ክኸውን ዝግብኦ ”ንቡር” (Standard)፡ ናብ ክልተ ስለ ዝመቐሎ፡ Double standard ኰይኑ ንብል።

ዝያዳ ምእንቲ ክንጽረልና፡ ኣብ ተመሳሳሊ ክሊ ዕድመን ተመሳሳሊ ደረጃ ትምህርትን ተመኵሮ ስራሕን ዘሎወን፡ ሓንቲ ኤርትራዊትን ሓንቲ ትግራወተይን፡ ናይ መወዳእታ ሕጹያት ኰይነን ቀሪበን ኣለዋ ንበል።

  • ምፍልላይ፡- ኤርትራዊት፡ ትግራወተይቲ፡ ጓለስንተይቲ ወዘተ ዝብል፡ ንወድዓዊ መፍለይአን ዝምልከት፡ መዝጊቡ ምስ ዝሕዝ እዩ። እዚ፡ ዝዀነ ርእይቶ ኰነ ርድኢት ዘይተሓወሶ፡ ሌጣ ወድዓውነት ጥራይ’ዩ።

  • ሌላን ጉሌላን፡- እቲ ክውስን ዘሎዎ ሰብ፡ (ከምኡ ምዃን እቲ ስራሕ ዘይጠልቦ ክንሱስ፡ ንሱ ግና) ኣብ ክንዲ ብሞያ ዝሓስብ፡ ብኤርትራውነት፡ ወይ ብትግራዋይነት ክሓስብ ምስ ዝጅምር’ዩ። ክልተ በበይኑ ዝዀነ ኣማራጺታት (ትግራዋይነት ወይ ኤርትራውነት) ዝብሉ ቀሪቦሙሉስ፡ ኣብቶም ኣማራጺታት፡ ርእይቶኡ ሓደው ርድኢቱ ክሕውስ እንከሎ፡ ማለት ድማ’ዩ።

  • ሻራ፦ ካብቲ በበይኑ ዝዀነ ዝቐረበሉ ኣማራጺታት፡ ንሱ፡ ትግራዋይ ብምዃኑ፡ ነታ ትግራወተይቲ፡ ሓለፋ እታ ኤርትራዊት ክመርጽ ከሎ፡ ኣሻርዩ ንብሎ።

Double standard ሻርነት (ግብረ-ሻራ) ክኸውን ይኽእል’ዩ፣ ከምኡ ጥራይ ብዘይምዃኑ ግና፡ ሻርነት ዝብል ቃል፡ ነቲ ሓሳብ ብምልኣት ኣይገልጾን። Double standard ሌላን ጉሌላን’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ፣ ከምኡ ጥራይ ብዘይምዃኑ ግና፡ ሌላን ጉሌላን ዝብል ቃል ነቲ ሓሳብ ብምልኣት ኣይገልጾን። ካብዛ ኣቕሪበያ ዘለኹ ”ምንታወ-ንቡር” እትብል ዝሓሸት ካልእ ኣማራጺ እንተዝቐርብ፡ ኣብ ምህብታም መዝገበ-ቃላትና፡ ልዑል ኣበርክቶ ምሃለዎ ዝብል ጽኑዕ እምንቶ ኣሎኒ።