Megedihywet

View Original

ብመንፈስ ዝምርሑ ማለት እንታይ ማለት’ዩ፧

መጽናዕቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ፡ ብረድኤት ኣምላኽ፡ ጽቡቕ እናገስገሰ፡ መፋርቕ ምዕራፍ ሸሞንተ በጺሕና ኣለና። ኣብዚ ምዕራፍ እዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “መንፈስ ውልድነት እምበር መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልናን” ይብል እዩ፡ሞ፡ ነቶም ኣብዚ መጽናዕት’ዚ ዝሳተፉ ዘለዉ፡ ኣብ ሞንጎ እቲ መንፈስ ውልድነት እተቐበለን፡ ኣብ መንፈስ ባርነት ዘሎን ሰብ፡ ዘሎ ፍልልይ እንታይ ምዃኑ ኣሕጽር ኣቢሎም ክገልጹ፡ ዕዮ ገዛ ተዋሂብዎም ነበረ። እቲ ሃዋርያ ኣስዕብ ኣቢሉ’ውን፡ ”እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም” ይብል እዩ’ሞ፡ ”ብመንፈስ ኣምላኽ ምምራሕ” ክብሃል ከሎ ኸ፡ ብግብሪ፡ ከመይ ማለት ምዃኑ፡ ኣሕጽር ኣቢልኩም ግለጹ፡ ዝብል ዕዮ’ውን ተዋህቦም፣ ኣርባዕቲኦም ጉጅለታት ዝሃብዎ ምላሽ ይቕጽል፦

ጉጅለ 1

ሓደ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝምራሕ ኣማኒ፡ ነቶም ኣብ ገላትያ 5፡22 ተጠቒሶም ዘለዉ፡ ፍረ መንፈስ፡ ማለት፡ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል፡ ኣብ ህይወቱ ዝፈርዮም ማለት’ዩ። ከምቲ ኣብ ርሜ 8፣2 እነብቦ፣ ብመንፈስ ኣምላኽ ኣብ ንምራሓሉ ኩነኔ የብልናን፣ ምኽንያቱ እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን፣ ሞትን ሓራ ስለ ዘዉጸኣና እዩ። ብመንፈስ ኣምላኽ ክንመላለስ ከለና፡ ካብቲ ቀደም ዝነበረ ባህርይን ኣካይዳን፡ ማለት ብስጋ ምንባር ገዲፍካ፡ ብመንፈስ ምምልላስ ክትጅምር ከለኻ ማለት እዩ።

ከምቲ ኣብ ገላትያ 5፡24 ከምኡ’ውን ኣብ ሮሜ 8፣12-13 ዝብለና፡ “እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም” (ገላ5.24)  “እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ስጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን” (ሮሜ 8:12-13)። በዚ ድማ ንእግዚኣብሄር ከነስምሮ ንኽእል። ከምኡ’ዉን ኣብ ገላትያ 5፡25 ከኣ፡ “ህይወት ብመንፈስ እንተ አልያትናስ፡ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ” ይብለና እዩ።   

ጉጅለ 2

ብመንፈስ ምምራሕ ማለት፡ ብሓጺሩ፡ ናይ ጸሎትን ናይ ቃል ኣምላኽን ግዜ ብምስራዕ፡ ኣብ ህላውነት ኣምላኽ ምንባር ማለት'ዩ። ብመንፈስ ምምልላስ ክብሃል ከሎ፡ ከምቲ ኣብ ኤፌሶን 5 - 8 ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ” ዝብሎ ኴንና፡ ክንመላለስ ከለና ማለት’ዩ። ቀደም ጸልማት ኔርና፡ ሕጂ ግና ንሓጥያት ዝሞትና በቲ ናይ ጐይታና በጃ ምሕልላፍ ግና ብሓድሽ ህይወት  ብብርሃን ክንመላለስ በቂዕና። ብርሃን ዝበርሃሉ ሰብ ድማ፡ ንጐይታ ዘሐጕሶ እናመርመረ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ፡ ዝመላለስ እዩ። ኣብ ገላትያ 5፡16’ውን “ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ” ዝብል ተጻሒፉልና’ሎ። ተመሳሳሊ ካልእ ጥቕሲ ንምሃብ እንተድለየ፡ 2ቈረ 5፥15 “ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ” ዝብል ክንጠቅስ ንኽእል።

እቲ ኣብ መንፈስ ባርነት ዘሎ ሰብ ግና ብርሃን ዘይበርሃሉ ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ ግዜ ብሕጊ ተኣሲሩ ዝነብርን፡ ዝሞተን  ኣብ ጸልማት ን ርእሱ ኢሉ ዝነብር'ዩ። ምምልላሱ ከኣ ስጋዊ ምድራዊ ኮይኑ ይተርፍ። ሮሜ 8፡8፡ “እቶም ብስጋ ዘለዉ፡ ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩ” ይብል።

ብመንፈስ ክንመላለስ ከለና፡ መንፈስ ኣምላክ ከመይ ጌርና ከም ንጽሊ ብቕዱስ ቃሉ ጌሩ ይመርሓና፡ ኣብ ድኻምና ይድግፈና፡ ኮታ፡ናብቲ ሰናይ ፍቓድ ኣምላኽ ዝመርሓና፡ ፍቓዱ ዘፍልጠና፡ እንታይን ከመይን ክንከውን ከም ዘለና’ውን ዘፍልጠና እዩ። ዮሃ 16.13 “እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ” ይብል፡ ኣብ ገላትያ 5፡18 ድማ “ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፡ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን” ይብለና።

ጉጅለ 3

ንሰብ ብመንፈስ ኣምላክ ይምራሕ እንብሎ፥ ብጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኑ፥ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሉ፥ ንኣምላኽ ባህ ዘብል ህይወት ክመርሕ እንከሎ እዩ፡(1ተሰ 4፥1-2)። ንትምኒት ስጋኡ ቀቲሉ፡ ካብ ሓጢኣት ብሙማት(ሮሜ 6፥11) ንጽድቂ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ይነብር፡(ገላ 5፥16)። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ በካይዳኡ ንክርስቶስ ዘኽብሮ፥ ዝመስሎ ወይ ክመስሎ ዝጽዕር፥ ዝለብሶ፥ ንትእዛዛት ጐይታ ኢየሱስ ማለት ብእኡ ምእማንን ንሓድሕድካ ምፍቃርን (የሃ 13፥34-35) ኪነብሮ ዝቃለስ። ሓሳብ ክርስቶስ እናሓሰበ(ፊልጲ 2፥5) ብጸጋ ኣምላኽን ሓይሉን፡ ጽቡቕ ፍረ ዝፈሪ ማለት’ዩ፡ (ገላ 5፥22)። ዝኾነ ፈተና ከጋጥሞ ከሎ፡ ብፍቕርን ብጸጋን ኣምላኽ፥ ንሱ ብጐይታ ንዓለም ከም ዝሰዓራ(1የሃ 5፥4)፥ ውሉድ ኣምላኽ ከም ዝኾነ(1 ዮሃ 3፥2)፥ ብተስፋ’ውን ህይወት ዘልኣለም ከምዝረኸበ ብምሕሳብን ብምርዳእን፡ ኣብ እምነቱ ብትብዓት ጸኒዑ፡ ንኣምላኽ ከኽብር ብቑዕ ዝኾነ እዩ፡ (1 ቆረ 15፥19)።

ነቲ ብክርስቶስ ዝረከቦ ሓርነት ብውሽጡ ወይ ካብ ልቡ ብምርዳእ ንኣምላክ ከም ኣቦ ብምቕባል፡ ከይብሉኒ ከይበለ፡ ንጸጋ ኣምላኽ ብምምስጋን፡ ንክርስቶስ ኣብ ህይወቱ የንግስ። በቲ ዝተቐበሎ መንፈስ ኣምላኽ ድማ፡ ብህይወት፥ ብሰላም፥ ብህድኣት፥ ብሕብረት ምስ ካልኦት ኣመንቲ ብፍቕሪ ይነብር።

ጉጅለ 4

ብመንፈስ ኣምላኽ ምምራሕ” ክብሃል ከሎ፡ ንድሌታት ስጋኻ በቲ ኣባኻ ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቀቲልካ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ምምልላስ ማለት እዩ። ስጋን መንፈስን ተጻረርቲ እዮም እሞ፡ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ፡ ንስጋኡ ከሐጉስን ባህ ከብልን ኢሉ ኣንጻር ኣምላኽ ክቐውም ኣይኮነሉን እዩ። ብመንፈስ ዝምራሕ ዘበለ፡ ንስጋኡ ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሉ እዩ ዝመላለስ፡( ሮሜ ፥2-13 ገላ 5 ፥16-18 ገላ 5፥20)። ኣብ ውሽጡ፡ ውሉድ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ዝምስክረሉ መንፈስ ኣሎዎ፡ “ኣባ ኣቦ” እናበለ ደኣ ናብ ኣምላኹ ይቐርብ እምበር፡ ከም ገዛኢን ተገዛኢን ኰይኑ ኣይመላለስን፡ (ዮሃ 1፡12  ሮሜ 8፥14-15)። ዝያዳ ንምንጻሩ እንተተደልየ፦

መንፈስ ውልድነት ዝተቐበለ ሰብ

●      ካብ ኩኔነ፡ ሞት ሓራ ምዃኑ ፈሊጡ ብሓርነት ዝነብር እዩ፡ (2 ቈረ3፥17)

●      ትሕቲ ጸጋ እምበር ትሕቲ ሕጊ ኣይኮነን

●      ሓጢኣቱ ተኣሚኑ፡ ጽድቁ በቲ ጻድቕ ኮይኑ ዝተረክበ ክርስቶስ ምዃኑ ይኣምን፡ (ሮሜ 10፥3-4)

●      መንፈስ ኣምላኽ ኣብኡ ምህላዉን ንሱ ኸኣ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃኑን ተረዲኡ፡ ሰብነቱ ከየማስን ብጥንቃቐን ብፍርሓት ኣምላኽን ይመላለስ፡ (1ቈረ 3፥16)

●      ውሉድ ምዃኑ ይፈልጥ፡ መሰል ውልድነት ከም ዘለዎ ኸኣ ይርድኦ።

ኣብ መንፈስ ባርነት ዘሎ ሰብ

●      ኣብ ትሕቲ ሕጊ እዩ

●      ናይ ገዛእ ርእሱ ጽዲቂ ክተክል ሒዅ ይብል

●      ኣብ ትሕቲ ሞት ኣብ ትሕቲ ሓጥያት ዝተቘርነ እዩ

●      ብፍርሓት እዩ ዝነብር

  • ውሉድ ምዃኑ፡ መሰል ውልድነት ከም ዘለዎ’ውን ብዝግባእ ኣይፈልጥን