ጉድ ስማዕ፡ “ፈናፍንቲ” ኣብ መዝሙር!
ዓመተ 2023 ትውዳእ ኣላ። ዘማሪ በረኸት ትኩእ፡ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ብህያባት መዝሙር ደሚቑ ዝተገልጸ ኰይኑ ይስምዓኒ። ቅድሚ 13 መዓልትታት ኣብ ዩትዩብ ተዘርጊሓ፡ ዛጊት ልዕሊ 95ሽሕ ርእየት ብዝረኸበት መዝሙሩ ድማ’የ ንዓመተ 2023 ዝፋነዋ ዘለኹ።
ኣርእስቲ መዝሙር፡ ወራሲ
ግጥምን ዜማን፡ በረኸት ትኩእ (ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ)
ተስፋ እንተዘይርእየሉን ተስፋ እንተዘየንብረሉን፡ ንመዛሙር በረኸት ትኩእ ክህይሶ ቢለ ዘጥፍኦ ጊዜን ጸዓትን ኣይምነበረንን። እዚ ጽሑፍ’ዚ እምበኣር፡ ንዝያዳ ጽፉፍን ብሉጽን ስራሕ ከተባብዕ ሓሊኑ ዝተጻሕፈ እምበር፡ ስምዒት ንምድቋስን፡ ስራሕ ንምንእኣስን ዝዓለመ ዘይምዃኑ፡ ኣቐዲመ እሕብር ኣለኹ።
ብኣርእስቲ ንጀምር
ኣርእስቲ መዝሙር ”ወራሲ” እዩ ዝብል። ነታ መዝሙር ክልተ ጊዜ ስምዕዋ’ሞ፡ ”ውዕለትካ” ዝብል ኣርእስቲ ተዋሂብዋ እንተዝነብር ቢልኩም ድማ ሕሰቡ። ኣየናይ እዩ፡ ነታ ስራሕ፡ ዝያዳ ዝገልጻ፧ ዝበዝሐ፡ (ኩሉ ንዘይምባል ጥራይ) ትሕዝቶ እታ መዝሙር፡ ውዕለት ጐይታ’ዩ ዘዘንቱ።
ህደማ ሓደው ትልሚ እታ መዝሙር
ተደጋጋሚ፦ ውዕለትካን እቲ ንስለይ ዝዀንካዮን ዘርዚረ ኣይውድኦን’የ’ሞ፡ ክበር
ቀዳመይቲ ቤት፡- ጸልሚቱኒ፡ ኣብሪህካለይ
ካልኣይቲ ቤት፡- ሓጢኣተይ ከይተጸየንካ ንምድሓነይ ካብ ሰማያት ወሪድካ
ሳልሰይቲ ቤት፦ ዕዳ ሓጢኣተይ ብምኽፋል፡ ወራሲ ንኽትገብረኒ፡ ዕራቕካ ተሰቒልካ
“ወራሲ” ዝብል ሓሳብ፡ ከም ቃል እኳ ተጠቒሱ እንተሎ፡ ኣብ ተደጋጋሚ ኰነ፡ ኣብተን ኣባይቲ፡ ጐሊሑ ዝቐረበ ሓሳብ ግና፡ እቲ ወራሲ ዝብል ሓሳብ ኣይኰነን። እቲ ብዓብላልነት ተደጋጊሙ ዘሎ፡ ውዕለት ጐይታ እዩ። ስለዚ እቲ ኣርእስቲ፡ ግድን እኳ እንተዘይተባህለ፡ ምስ ትሕዝቶ ክሳነ ከሎ ግና፡ ብቐሊሉ ንኽዝከር ዘኽእሎ ኣገባብ’የ ዝእንፍት ዘለኹ።
“ዘርዚረ ኣይውድኦን ስለይ ዝኾንካዮ”
ነዛ ነግሒ እዚኣ ጥራይ ሒዝና እስከ ንሕሰብ፣ ነስተንትን፣ ንጥሓል፣. . . ”ስለይ ዝዀንካዮ” ኣብ ዝብል ሓሳብ፡ ሓደ፡ ክልተ ወዘተ እቲ ጐይታ ንዓና ክብል ዝዀኖ እናጠቐስና ንዘርዝር። ኣብተን ኣባይቲ ኰነ ኣብ ተደጋጋሚ፡ ዝርዝር እቲ ጐይታ ንዓና ዝዀኖ ንኽንደይ ጊዜ ከም ዝተጠቕሰ ክንፍትሽ ይግባእ።
በቲ ኣብ መብልዕ ማል ምውላድ እሞ ንጀምር፡ ንዝነበሮ ኽብሪ ሓዲጉ፡ መልክዕ ባርያ ምውሳዱ፡ ከም ኩሉ ሰብ በብንእሽቶ ምዕባዩ ንዘርዝር። ቅጽል ኣቢልና ኸኣ፡ ኣብቲ ብቓልን ብግብርን ዘገልግለሉ ዝነበረ እዋን’ውን፡ ብጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ከምኡን ብህዝብን ኣህዛብን ዝበጽሖ ዝነበረ ምስዳድ፡ ዝቐርበሉ ዝነበረ ክሲ፡ ምፍርራህ ወዘተ ኸኣ ንዘክር፡ ከምኡ እናበልና ናብ ጥርዚ እቲ ፍጻሜ፡ ናብ ሰሙነ ሕማማት ክንበጽሕን፡ ነቲ ጸዊኻ ዘይውዳእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክትጸውዮ እንተፈተንካ’ውን ምጽዋዩ ዘይከኣል፡ እቲ ጐይታ ንዓና ዝዀኖ ክንዲ ዝኸኣልናዮ ንጥቀስ. . . ”ዘርዚረ ኣይውድኦን” ዝብል ሓሳብ፡ ከምዚ እንተጌርካ’ዩ ግቡእ ቦታኡ ዝረክብ። ሓደ-ኽልተ፡ ጥራይ ጥቕስ ኣቢልካዮ ንምሕላፍ እንተዀይኑ ግና፡ ”ገለ ዶ ክዝርዝር፡ ስለይ ዝዀንካዮ” ምባል ደኣ ይግባእ ነበረ እምበር፡ “ዘርዚረ ኣይውድኦን” ምባል፡ ኣብ ቦታኡ ዝኣተወ ኣይመስልን።
ዘርዚረ ኣይውድኦን ስለይ ዝኾንካዮ
ኣቦይ ንውዕለትካ እንታይ’ለ ከውርዮ
ካብ ሓመድ ኣልዒልካ ሰብ እንዲኻ ትገብር
ስለ ኹሉ ነገር ኦ ኤልሻዳይ ክበር
ኣብ ኩሉ ኩነታት ኢየሱሰይ ክበር
ኣማራጺ ክኸውን ዝኽእል ግጥሚ ቅድሚ ምርኣይና፡ ነብዪ ህዝቅኤል፡ ሓደ እዋን ንቕድም ኣብ እግሩ፡ ድሒሩ ኣብ ብርኩ፡ ድሕሪኡ ኣብ ሕቖኡ፡ ድሕሪኡ ግና ሓምቢስካ እንተዘይኰይኑ፡ ክውጻእ ናብ ዘይክእል ማያት ተመሰጠ (ህዝ47.3-9)። ንመዝሙር ኰነ ንኻልእ ኣገልግሎት ዝቐርቡ ስራሓት ናብ ከምዚ ደረጃ ከነሰጋግሮም ኣለና እየ ዝብል ዘለኹ። ኣብ እግሪ ጥራይ ዝበጽሕ፡ ጨብረቕ-ጨብረቕ እነብሎ ዘይኰነስ፡ ንእግሪ ሓሊፉ ንብርኪ፡ ንብርኪ ሓሊፉ ንሕቖ፡ ንሕቖ ሓሊፉ’ውን ሓምቢስና ክንወጾ ናብ ዘይንኽእል ማዕሙቕ ፍቕሪ ኣምላኽን ውዕለቱን ከጥሕለና ይግብኦ። እቲ ንህዝቅኤል ዝተባህሎ ቃል፡ ”ኣብቲ እዚ ውሒዝ እዚ ዝበጽሖ ዘበለስ ኵሉ ዚዋሳወስ ህያው ነፍሲ ብህይወት ኪነብር እዩ፣ ዓሳ ኸኣ ኣዝዮም ኪበዝሑ እዮም። እዚ ማያት እዚ ኺኣትዎ እዩ እሞ፣ እቲ ማያት ባሕሪ ኺጥዒ እዩ። እቲ ውሒዝ ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ድማ ኵሉ ብህይወት ኪነብር እዩ” እዩ ዝብል። እቲ እንሰርሖ፡ ከምዚ ክዀነልና፡ ናብ ከምዚ ዝዓይነቱ ህይወትን ኣገልግሎትን ክንሰጋገር እየ ዝምነ ዘለኹ።
ኣማራጺ ክኸውንዝኽእል ተደጋጋሚ
ዘርዚረ ኣይውድኦን ስለይ ዝኾንካዮ
መቕጻዕተይ ክትቅበል ኣብቲ ቀራንዮ
ኣብ ቅድሚ መቐስታ ስቕ ከም ትብል በጊዕ
ስለይ ተሰቐልካ፡ ንዓይ ከተጽድቕ
ስለይ ተሳቐካ፡ ንዓይ ከተጽድቕ
ገለ ዝርዝር ዶ ትነቡን ተስተንትኑን ኣለኹም፧ “ቀራንዮ፡ በጊዕ፡ ስቕለት” ዝብሉ ዝርዝራት ይርኣዩኹም እንተልዮም፡ ንሶም ሒዞሞ ዘለዉ ድማ ሕሰብዎ። ስለይ ተሳቐኻ፡ ስለይ ተሰቐልካ፡ መቕጻዕተይ ተቐበልካ እናበልና ክንዝርዝሮ ንዝፈተንና፡ “ዘርዚረ ኣይውድኦን” ቢልና ክንዝምሮ ንኽእል።
ፈናፍንተይ እናኣለኻ
ዘይንጹህነተይ ሓጢኣተይ ከይከልከለካ
ትሓቝፈኒ ፈናፍንተይ እናኣለኻ
ዘማሪ በረኸት ትኩእ፡ “ዘፈንፍን ነገረይ እናኣለኻ” ንምባል “ፈናፍንተይ” ይብል ምህላዉ፡ ኣይሰሓትክዎን። እቲ ንሱ ክብሎ ዝደለየን፡ እቲ “ፈናፍንቲ” ዝብል ቃልን ግና፡ ከብድን ሕቖን ኰይኑ’ዩ ቀሪቡ ዘሎ።
መሪጌታ ግርማጽዮን መብራህቱ ኣብ ዘዳለዉዎ “ልሳነ እግኣዚ” እተሰምየ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ከም ዝሕብረና፡ ፈናፍንቲ ማለት፡ ”ድርብ ጾታዊ ብልዕቲ ዘሎዎ፡ ወይ ጾታ ኣልቦ፣ ኣጓጕል ዝጾታኡ ፍጥረት፡ (መብዝሕትኡ ጊዜ ንሰብ) ጭደል፡ ፈናፍንቲ” ወዘተ ማለት’ዩ። ብተክአ ተስፋይ እተዳለወ፡ ዘመናዊ መዝገበ ቃላት ትግርኛ’ውን ነቲ ብመሪጌታ ዝቐረበ ትርጉም ከም ዘለዎ ደጊምዎ ኣሎ። ብዶክተር ኪዳነማርያም ዘርእዝጊ እተዳለወ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ድማ፡ ፍናፍንቲ ማለት፡ ”ፍሉይ ጾታ ዘይብሉ፡ ድርብ ዝጾታኡ፡ ወድ-ወዶ ጓል-ወዶ፡ ኣጓጕል ኣይ ወዲ ኣይ ጓል” ብምባል ኣብሪህዎ’ሎ።
እቲ ኣዕሚቝካ ምሕሳብን ምስትንታንን ስለ ዘይተረኽበ፡ ንኸምዝን ክንድዝን ጸገማት ንቃላዕ ኣለና። ኣገልግሎት ዕዮ ኣምላኽ እናሓሰብናስ፡ ብሃታ-ሃታ፡ ብጉያ-ጕያ፡ ብዘይ ግቡእ ጥንቃቐን ክንሰርሕ ሰናይ ኣይኰነን። ንቕድም ንጸሊ፡ ነቲ ዝተገልጸልና ደጋጊምና ንመርምርን ነስተብህለሉን። ምስ ብጾትና እሂን ምሂን ንበሃሃለሉ፡ መጽሓፍቲ ገንጺልና ንጠንቀቐሉ፡ ወዘተ።
ሓኪም ድዩ ንሕሙም ወይስ ሕሙም’ዩ ንሓኪም
ጸወታ፡ “ደርሆ ዶ ትቕድም እንቋቝሖ” ከነልዕል ንኽእል ኢና። ንሕማም ክሳዕ ዝፈወሰ፡ ኣስፕሪን ንበሎ ኣስፕሮ፡ ኵሉ ሓደ’ዩ፡ ክንብል’ውን ንኽእል ኢና። እቲ ዝበለጸ ግና፡ ከምቲ ኣብቲ ቃል ኣምላኽ ተጠቒሱ ዘሎ ጌርና ክንጥቀመሉ እንተመረጽና እዩ። ዘማሪ በረኸት ትኩእ፡-
ከምቲ ንሓኪም ዘድልይዎ እቶም ሕሙማት
ንዓይ ክትደልስ ወሪድካለይ ካብ ሰማያት
ቢሉ’ዩ ገጢሙ ዘሎ። እቲ ሓሳብ ንጹር ስለ ዝዀነ፡ እዚ መአረምታ’ዚ፡ ሸለል ቢልካ ክስገር’ውን ይኽእል’ዩ። ንህይስ ስለ ዘለና ግና፡ ንርኣዮ፦
“ኢየሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን” (ማቴ9.12 ማር 2.17 ሉቃ 5.31)
ለቡ፦
ኣብ ሰለስቲኤን ጥቕስታት (ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስ) እቶም ደለይቲ ኰይኖም ተጠቒሶም ዘለዉ፡ እቶም ሕሙማት እምበር እቲ ሓኪም ኣይኰነን። እምበኣርከስ፡ ከምቲ በረኸት ትኩእ ገጢምዎ ዘሎ፡ “ ከምቲ ንሓኪም ዘድልይዎ እቶም ሕሙማት” ዘይኰነስ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ “ከምቲ ንሓኪም ዝደልይዎ እቶም ሕሙማት” ብዝብል ክእረም ይግብኦ ነበረ።
ብተዛማዲ ዝፈተኽዋ ቤት
ዓስቢ ሓጢኣት እቲ ዘይፈደኽዎ ዕዳይ
ከፊልካዮ ጐዳጕደይ ደፊንካለይ
ልብሲ ጸጋ ካባ ሓጐስ ንኽለብስ
ጥራይ ዝባንካ ተሰቒልካለይ ኢየሱስ
ብዘይትመን ብኽቡር ደምካ ዓዲግካኒ
ውሉድ ጸጋ ወራሲ ቤትካ ጌርካኒ
”ዘይፈደኽዎ” ዝብል፡ ኣዝዩ ገላጺ ቃል ምምራጹ፡ ንበረኸት ትኩእ፡ አድንቖ። ”ምፍዳይ፡ ፈደየ፡ ይፈዲ” ወዘተ ዝብል ቃል፡ ምስ ሕነ ምፍዳይ፡ ጥራይ ከነተኣሳስሮ ግቡእ ኣይኰነን። ”ክፈድየካ’የ” ማለት፡ ”እቲ ዝግባእ ክህበካ’የ” ማለት’ዩ። እዚ ኣብ ሕርያ ቃላት ዝተራእየ ንኡድ መዳይ እዚ፡ ዕምቈት ኣብ ዘይብሉ ሓሳብ ስለ ዝተገጥመ ግና፡ ”ከፊልካዮ” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ጐይታ ዕዳና ንምኽፋል ዝዀኖ ዝገልጽሲ፡ ናብ ካልእ፡ ተዛማዲ ሓሳብ ምንጣሩ፡ እቲ መልእኽቲ ከይዓመቘ ተዀልፈ። እስከ ከምዚ ጌርና ካልእ ኣማራጺ ንሕሰብ፦
ዓስቢ ሓጢኣት እቲ ዘይፈደኽዎ ዕዳይ
ከፊልካዮ፡ ተሰቒልካ ኣብ ክንዳይ
እቲ ዋሕዚ ኣይምተሰብረን፡ ምስቲ ኣብ ተደጋጋሚ ዝብሃልን ምስ ሓፈሻዊ ትልሚ እታ መዝሙርን ከኣ ብጽቡቕ ሰጢሙ ክቕጽል ምኸኣለ።
መዕጸዊ
እቶም ንእግዚኣብሄር እነገልግሎ፡ ቅድሚ ዅሉ ንንበብ፡ ንኣክብ። ነፍሲ ወከፍ እነውጽኦ ቃል ትርጉሙን ኣጠቓቕማኡን ብዝግባእ ንፍለጦ። ጐኒ-ጐኒ’ዚ ብጸሎት ነቒሕና ምስትንታን ንለማመድ። ንእግዚኣብሄር ዝኣክል ኣምላኽን ነቲ ብደም ወዱ ዝዓደጎ ህዝብን እነቕርቦ ኣገልግሎት፡ ብልዑል ጥንቃቐ ክቐርብ’ዩ ዝግባእ።