Megedihywet

View Original

መዝሙር ዶ ይልዓል’ዩ፧!

ን149 ገጻት ኣብ 10 ምዕራፋት መቓቒላ፡ ኣብ ዓመተ 2022 ብፓስቶር ጐይታኦም ገብረዮናስ ዝተጻሕፈት፡ ”መዝሙር ኣልዕሉ” እተሰምየት መጽሓፍ’የ፡ ንኻልኣይ ጊዜ ክነባ ውዒለ። ብግእዝ፡ ”ንሥኡ መዝሙረ” ንዝተባህለ፡ ብትግርኛ ”መዝሙር ኣልዕሉ” ብኣምሓርኛ፡ ”ዝማሬውን አንሡ” ብእንግሊዝኛ፡ ኣብ ገሊኡ Raise a song ኣብ ገሊኡ ድማ Take a psalm ብዝብል ተጻሒፉ ዘሎ እሞ፡ ኣርእስቲ እዛ መጽሓፍ ድማ ክኸውን ተሓርዩ ዘሎ ሓሳብ፡ እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ከይተረዳእክዎ ክሓልፍ ኣይደለኹን።

መዝሙር ኣልዕሉ፡ እንታይ ማለት’ዩ፧

ንገጽ ከበሮ፡ ጸሓይ ኣጽሊኻ፣ ንኣውታር በገና ኸኣ፡ በቲ መቓነዪኡ ሰሪዕካ፣ ንመሰንቆ (ዋጣ) ድማ፡ ዕጣን ደሪዝካ ከትቃንዮም ከም እትኽእል፡ ሰብ ሞያ ክሕብሩና ይኽእሉ’ዮም። ከከም ኣድላይነቱ ድማ ከምኡ ክንገብር ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ”መዝሙር ኣልዕሉ” ክብለና ከሎ ግና፡ እንታይ ክንገብር’ዩ ዝሕብረና ዘሎ፧! ኪንዮ ”ዘምሩ” ዝብል መልእኽቲ ኸ፡ ካልእ እንታይ ማለት ኮን ክኸውን ይኽእል፧!

ገጽ 17 ትርጉም መዝሙር

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዝሙር ብዜማ እተሰነየ፡ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ዝህብ፡ ልማኖ ዜቕርብን ዚምሕጸንን ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ ሰብን ኣምላኽን፡ ከምኡ’ውን ሰብን ብድሆታቱን፡ ንዲያብሎስ ከም ጸላኢ፡ ኣምላኽ ድማ ከም ዘራይን ረዳእን፡ ከም ኣቦን ሓላይን፡ ከም ጻድቕን ቅዱስን፡ ከም ልዑልን ክቡርን፡ ንዘሎ ዝምድናን ጥምረትን ዚገልጽ ቅኔ እዩ።

ገጽ 53 ምኽንያት መዝሙር

  • ብሓጢኣቱ እተረትዐ ይዝምር

  • ዝተማሕረ ይዝምር

  • ሰናይ እተገብረሉ ይዝምር

  • ምስጢር እተገልጸሉ ይዝምር

  • ሕሰም ዝረኣየ ይዝምር

  • ንኣምላኽ ውሬታ ክመልስ ይዝምር

  • ክንጽሊ ከለና ንዝምር

  • ክንምስክር ኢልና ንዝምር

ገጽ 75-76 ምደባ መዝሙር

ሀ. መዝሙር ኣጸድ፡ መዝሙር 95፡1-2 ንመዝሙር ኣጸድ ማለት፡ ግብሪ እግዚኣብሄር እናዘከርካ ንዝዝመር ክውክለልና ይኽእል’ዩ። ንኸውሒ ምድሓንና፡ ነቲ ዘድሓነና፡ ነቲ ዝረድኣና፡ ወዘተ ነመስግኖ፡ እናበልካ ዝዝመር መዝሙር እዩ። እቶም ንኸበሮ፡ ዕውንውን ክሳዕ ዝብሎ፡ ሕምብሊል ዘብልዎ፡ እቶም ብዝላን ንጥራን ንናሕሲ ቤት ክሳዕ ምግጫው ከም ብተይ ዝዘሉ፡ እቶም ብኹዳ ዓድና፡ መሬት ክሳዕ ዝዳሩን፡ ብጓይላ ትግርኛ ክንዝምር ዝብሉ ወዘተ፡ ኵሎም፡ ኣብዚ፡ ማለት ኣብ መዝሙር ኣጸድ’ዮም ዝምደቡ። ገና ናብ ቅድስቲ ዘይኣተዉ፡ ብጣቕዒትን ዓውዓውታን፡ ብሽብሸባን ዝላን መዝሙር ዜዐምሩ ማለት’ዩ።

ለ. መዝሙር ቅድስት፡ መዝሙር 95፡3-5 ንመዝሙር ቅድስት ማለት፡ መንነት እግዚኣብሄር እናዘከርካ ንዝዝመር ክውክለልና ይኽእል’ዩ። እግዚኣብሄር ዓብዪ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ድማ ዓብዪ ንጉስ ምዃኑ፡ ወዘተ፡ መንነት እግዚኣብሄር እናስተንተንካን እናጠቐስካ ዝዝመር ዘበለ፡ ኣብዚ’ዩ ዝምደብ። ዓቢ ኢኻ፡ መን ኣሎ ከማኻ፡ ዝመስለካ የለን፡ ወዘተ ኩሎም ኣብዚ’ዩ መደቦም። 

ሐ. መዝሙር ቅድስተ ቅዱሳን፡ መዝሙር 95፡6 ንመዝሙር ቅድስተ ቅዱሳን፡ ማለት ኣብ ህልውና እግዚኣብሄር ጥሒልካ ምስ እግዚኣብሄር ብምዃን ንዝዝመር ክውክለልና ይኽእል እዩ። ብቕዱስ ፍርሃትን ብቕዱስ ስግደትን፡ ፍግም ኢልካ ምስጋድ፡ ኣፍካ ብኢድካ ሒዝካ ብምግራም፡ ዘረባ ደው እተብለሉ፡ ርእስኻ እተድንነሉ፡ ገጽካ እትሽፍነሉ፡ ኣእጋርካ ዝምብርከኻሉ፡ ኣእዳውካ ብተመስጦ ዝልዓላሉ፡ ነፍስኻ እትፈሰሉ፡ መንፈስካ ድማ ዝትንከፈሉ መዝሙር እዩ። መዝሙር ኣልዕሉ ይብለና መጽሓፍ ቅዱስ! መዛሙርና ናብዚ ገጾም የብጽሑና እንተልዮም ንፈትሽ። 

ገጽ 30 ዘገርም ኣስተብህሎ፡ 

ምስዋእ ጐደሎ ገንሸል እኳ እንተሓደግናዮ፡ ምስዋእ ጐደሎ ፍረ ኸናፍር ግና ኣብ ቦታኡ ኣሎ።

ገጽ 89 ሕሩይ ብህሎ

ንኣምላኽ ከይፈለጥካ ምዝማር፡ ነቲ መዝሙር እምበር ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ሰማዕቲ ኢኻ እተጥሪ

ገጽ xi ዘማሪ ዑቕባስላሴ ሃይለ

እዛ መጽሓፍ እዚኣ መሰረታዊ ፍልጠት ብዛዕባ መዝሙር እትህብ እያ።

ገጽ  xii ዘማሪ ዳንኤል ተስፋይ

ንዘመርቲ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅላትና ብዛዕባ መዝሙር ዘሎና ኣረዳድኣ ንኽሰፍሕ ስለ እትሕግዝ ኵሉ ሰብ ነቢቡ ክጥቀመላ እላቦ።

ዳሕረዋይ ገበር መጽሓፍ፡ፓስቶር ሳምሶን ደበሳይ

ኣብ ስልጠና መዘምራን ኰነ ዘመርቲ፡ ክንጥቀመላ አተባብዓኩም።

ዳሕረዋይ ገበር መጽሓፍ፡ ዘመርቲ ዮናታንን ሶስናን

እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶን ነቲ ዝመጽእን ከም መወከሲትን ናይ መዝሙር ኣገልግሎት መስመሩ ከይስሕት መዐየሪት ከም እትኸውን ጥርጥር የብልናን።

የቐንየልና ፓስቶር ጐይታኦም ገብረዮናስ።