Megedihywet

View Original

ንቡር ክርስትና፡ ሃዲምናዮ ዲና ሃዲሙና

ብምኽንያት ሓዘን ወላድየይ፡ ጭሕመይ ጸጐርጐር ኢሉ ኸሎ ዝረኸበኒ ሓደ ብጻይ፡ ከም ስምብድ ኢሉ፡ ”ኣቦይ ቀሺ፡ እንታይ ደኣ ጨሓሒምኩም፧” በለኒ። ”ቀሽን ጭሕምን ደኣ ንቡር ዶ ኣይኰነን፧!” ቢልኩም’ሞ ሕሰቡ፡ ንቡር እንተዝኸውን ዶ ደኣ፡ እዚ ብጻይ ሰምቢዱ፧ ብዝብል ከኣ ኣራጕድዎ።

ንቡር ማለት እንታይ ማለት እዩ፧

ሓቂ፡ ብእግራ እንተቐበርካያ፡ ብርእሳ ትወጽእ ከም ዝብሃል፡ ምስ ግዜን ኩነትን ዝቀያየር ባህርይ የብላን። ምሕረት ግና ዘይግብኣካ መጐስ ምርካብ ማለት’ዩ’ሞ፡ እቲ ክኸውን ዘሎዎ ዘይኰነስ፡ እቲ ዘይግብኣካ እዩ ዝወሃበካ። ትማሊ ቀዳም ኣብ ሃገረ ነርወይ፡ ሳንድነስ ኣብ እትብሃል ከተማ፡ ስርዓተ ቃል-ኪዳን ድሕሪ ምፍጻም፡ ”ሳህል ወርትዕ ተራከባ” - (ሳህልን ርትዕን ተራኸባ) ሓደው ቅልል ብዝበለ ትግርኛ፡ ”ሓቅን ምሕረትን” ተራኸባ፡ ክብሃል ከሎስ፡ ንቡር ዶ ይመስለኩም፧ ብዝብል ሕቶ ኢና ጀሚርና።

ኣዳም፡ ካብታ ካብዚኣ ምስ እትብልዕ መዓልቲ ክትመውት ኢኻ እተባህለሉ፡ ካብኣ እንተበሊዑ፡ ክመውት ጥራይ’ዩ ዘሎዎ። እዚ፡ ውሁብ ባህርይ ሓቂ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ዝበደለ ዘበለ፡ ሳዕቤን በደሉ ክፍደ ንቡር’ዩ። ምሕረት ግና ዘይግብኣካ ጽቡቕ ውህበት ምቕባል እዩ’ሞ፡ ነቲ ብሓጢኣቱ ሞት ዝግብኦ ኣዳም፡ ሳህሊ እግዚኣብሄር ግና ምሕረት ሃቦ። ፍጹም ክራኸባ ዘይክእላ ምሕረትን ሓቅን፡ ብጐይታና ኢየሱስ ኣቢለን ግና ተሰዓዓማ! ንቡርን ዘይንቡርን ፈሊኻ ምፍላጥ እምበኣር፡ ይጽንሓለይ ክብሃሎ ዘይግባእ ኣገዳሲ ዛዕባ’ዩ።

ንቡር ክርስትና እንታይ’ዩ፧ (ካብ ሮሜ ምዕራፍ 15፡1-14 ተጸሚቝ ዝቐረበ)

ሀ. ርእሰይ ይጥዓመኒ ዘይብል፡

(ሮሜ 15፡1-3)”እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፡ ንርእስና’ውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ። ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኺሃንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ፡”  

ለቡ፦ መለለዪ ክፉእ ጊዜ፡ ደቂ ሰብ ፈተውቲ ገዛእ ርእስና ክንከውን ከለና እዩ (2ጢሞ3.1)። ጸሎትና ከይተረፈ ንፈትሾ፡ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ካብ ዝብል ህይወት ተገላጊልና እንተዀንና ኸኣ ርእስና ንፈትሽ። ኣብ ዘይንቡር እናሃለናስ፡ ኣብ ንቡር ንነብር ከም ዘለና ጌርና ርእስና ኣይንጠብር! 

ለ. ምህሮኡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝገበረ

(ሮሜ15.4)”ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።”

ለቡ፦ ቃል እግዚኣብሄር ንምንባብ፡ ንምስትንታን፡ ንምጽናዕን ዝኸውን፡ ስሩዕ ህይወት ኣሎና ዶ፧ ከምኡ እንተዘይብልና፡ ኣብ ንቡር ክርስቲያናዊ ህይወት ኣለና ብምባል ርእስና ኣይንጠብር። መዓልታዊ ንቓል ኣምላኽ ዘይምርምር ሰብ፡ ኣብ ንቡር ክርስትናዊ ህይወት የለን።

ሐ. ሕብረት ኣሕዋት ዘማእከለ

(ሮሜ 15.4-6) ”ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ኸተኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም፡ ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሃብኩም።”

ለቡ፦ ብምኽንያት ጸሎትን ኣስተንትኖን ንዝተወሰነ ጊዜ ርእስኻ ምግላል ንቡር ክኸውን ከሎ፡ ካብ ሕብረት ኣሕዋት ተፈሊኻ ንብሕትኻ ክትነብር ምፍታን ግና፡ ንቡር ክርስቲያናዊ ህይወት ኣይኰነን። ኣብ ዘይንቡር እናሃለና፡ ኣብ ንቡር ከም ዘለና ጌርና ርእስና ኣይንጠብር።  

መ. ሓድሕድ ምቅብባል ዘሎዎ  
(ሮሜ15.7-8) ”ክርስቶስ ነቲ ተስፋ ኣቦታት ኬጽንዖስ፡ ምእንቲ ሓቂ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ግዝረት ከም ዝዀነ፡ እብል ኣሎኹ። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩም፡ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ”።

ለቡ፦ ክርስቶስ እኳ ዝተቐበለናስ፡ ንሕና ደኣ መን ኴንና ኢና ብጻይና ምቕባል እንሕንግድ፧ ደጊም ነስተብህል፡ ቤተ ክርስቲያን ንሓድሕዳ ዘይትቀባበል፡ ኣገልገልቲ ንሓድሕድና እንነፋፈግ፡ ምእመናን ድማ ሓድሕድ ዝተፋነኑ ክሳዕ ዘለዉና፡ ኣብ ንቡር ክርስቲያናዊ ህይወት ከም ዘየለና ነስተብህል።

ሰ. ብመሪሕነት መንፈስ ዝመላለስ  

(ሮሜ15.13) ”ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም”  

ለቡ፦ ተስፋ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ እምነት ዝብሉ ቃላት፡ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ምዃኖም ኣብ ገላትያ 5.22 ተጠቒሶም ኣለው። ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝዝውሮ ህይወት ሒዝና ክሳዕ ዘይተመላለስና፡ ኣብ ንቡር ክርስቲያናዊ ህይወት ንነብር ከም ዘለና ጌርና ርእስና ክንጥብር ኣይግባእን። 

ረ. ብሰናይ ግብሪ ዝመልአ

(ሮሜ15.14) ”ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባኻትኩምሲ ብጽቡቕ ነገር ምሉኣት ምዃንኩም ብፍልጠት ዘበለ ዂሉ ኸም ዝመላእኩም፡ ንሓድሕድኩም ምምዕዓድ’ውን ከም ዚዀነልኩም፡ ኣነ ባዕለይ ተረዲኤዮ ኣሎኹ”

ለቡ፦ ኣብዚ ክፍሊ’ዚ ጐሊሑ ተገሊጹ ዘሎ፡ ”ምልኣት” ዝብል ሓሳብ’ዩ። ብጽቡቕ ነገር ምሉኣት፡ ብፍልጠት ዘበለ ምሉኣት፡ ንሓድሕድ ብምምዕዓድ’ውን ዝዀነልኩም. . . ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምልኣት ክሳዕ ዘይሃለና፡ ሓደው ናብኡ ገጽና ንዓቢ ከም ዘሎና ዘርኢ ምልክት ክሳዕ ዘይተራእየና፡ ኣብ ንቡር ክርስቲያናዊ ህይወት ከም ዘለና ኣምሲልና ርእስና ኣይንጠብር።