Megedihywet

View Original

መንን መንን’ዮም ተዓሪቖም፧

ብድምጺ ንምክትታል ኣብዚ ጠውቑ። ሰሉስ 18 ሚያዝያ 2023፡ ብአቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፡ ምስቲ ብአቡነ ሲኖዳ ዝምራሕ፡ ሕብረት አብያተ ክርስቲያን ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ምሉእ ውህደትን ዕርቅን ከም ዝገበረ ኣፍለጠ።  ግደ ሓቂ፡ እቲ ዕርቂ፡ ኣብ ሞንጎ ኣቡነ ሲኖዳን ኣቡነ መቃርዮስን ዘይኰነስ፡ ኣብ ሞንጎ ኣቡነ ሲኖዳን፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካን’ዩ፡ ተባሂሉ’ዩ ክጥቀስ ዝግብኦ።

ከመይ ዝብል ለባም

30 ግንቦት 2004 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ኣቡነ ሲኖዳ ንዝርከብዎም፡ ኣርባዕተ መነኮሳት፡ መዓርገ ጵጵስና ቀብእዎም። ብ3 ለካቲት 2005 ከኣ፡ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብዛዕባ እቶም ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝምደቡ ኣገልገልቲ ካህናትን ዲያቆናትን፡ ቡራኬን መምርሕን ቅዱስ ፓትርያርክ ተቐቢሎም ክለኣኹ፡ ናብ ኩሉን ሃገረ ስብከታትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ዘዋሪ መልእኽቲ ለኣኹ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስቲያን ኰይኑ ተሸይሙ ዝነበረ፡ ዮፍታሄ ቀሺ ዲሜጥሮስ ግና፡ ነዚ መምርሒ’ዚ ጥሒሱ፡ ንኣባ ሲኖዳ፡ ብዘይ ቡራኬ ኣቡነ እንጦንዮስ ናብ ሰሜን ኣመሪካ፡ መዲቡ፡ ለኣኾም። ናይ ሽዑ፡ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣመሪካ፡ ነቶም ብዘይ ፍቓድ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝመጹ ኣቡነ ሲኖዳ ኣይተቐበሎምን። እቲ ጠንቂ ኣብዚ’ዩ ዝጅምር።

ኣቡነ መቃርዮስ፡ ካብ መጀመርታኡ፡ ሱታፌ ኣይነበሮምን

ኣቡነ መቃርዮስ፡ ጳጳስ ዘሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ኰይኖም ንኸገልግሉ፡ ብ26 መስከረም 2009 እዮም፡ ብመበል 117 ፓትርያርክ ግብጺ፡ ዝተመደቡ። ንሶም ክምደቡ ከለዉ፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካን ኣቡነ ሲኖዳን፡ ካብ 2005 ኣትሒዞም፡ ድሮ ተባቲኾም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሓድሕድ ምውግጋዝን ምክሳስን’ውን በጺሖምሲ፡ ተጻጊቦም እዮም ኔሮም። ገለ ኣብነታት ንርአ፦

ውጉዝ ከመ ኣርዮስ፡ ከሐዲ ከመ ይሁዳ

ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፡ ብዛዕባ ኣቡነ ሲኖዳ ኣመልኪቱ፡ ብ24 መስከረም 2008 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ (ክሳዕ ሕጂ’ውን ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ተሰኒዱ ዝርከብ፡) ከምዚ ዝስዕብ’ዩ ዝንበብ፡- ”ጳጳስ ኣባ ሲኖዳ ብዝፈጸምዎ ከቢድ ሃይማኖታዊ ግህሰት፡

  1. ንሥልጣን ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ፡ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብምጥሓሶምን ብምንዓቖሞን ብምኽሓዶምን፡ መናፍቕ፡ ውጉዝ ከም ኣርዮስን መቅደንዮስን ኰይኖም ኣለዉ።

  2. ነታ ብመዓርግ ብፅዕና ዝቐብኣቶም፡ ብቕድስና ዝተቐብአት ኢድ ብምኽሓዶም፡ ፍትሕ መንፈሳዊ ኣንቀጽ 4 ”ፓትርያርክ ተምሳል ኢየሱስ ክርስቶስ” ዚብል ቃል ጥሒሶም፡ ከምቲ ይሁዳ ንጐይታኡ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓም ኣሕሊፉ ዝሃቦ፡ ክሕደት ብምዃኑ። ብመዓርግ ጵጵስና ይኹን ብመዓርግ ክህነት ዝገብርዎ ኣገልግሎት መንፈሳዊ ሕጊ ዝጠሓሰ ስለ ዝዀነ፡ ብሕጊ ቤተ ክርስቲያን፡ መዓርግ ጵጵስናኦም ውዱቕን ውጉዝን እዩ።

ስለዚ ኩሉ ምእመን ነዚ ውግዘት እዚ ፈሊጡ፡ ናይ ውጉዝ ሰብ ኢድ ከይስዕም፡ ብኢዶም ከይቆርብ፡ ብመስቀሎም ከይባረኽ፡ ቅድስት ሓዋርያዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ሃይማኖቱ ክሕሉን ክከላኸልን እናተማሕጸንና፡. . . ይቕጽል እቲ ጽሑፍ፦ . . . ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ

ጠንቃም ሕቶ

ትማሊ፡ “ይሁዳ”፡ “ኣርዮስ” ዝበለት ልሳን፡ ሎሚ ”ብጹእ ኣቦና” ክትብል ንሰምዓ ኣለና እሞ፡ ይቕረታ ተሓቲቱሉ ዶ ይኸውን፧

 ዘስደምም ሰይጣናዊ ተግባር ዝገብሩ

ኣብቲ ዕለት እቲ ማለት 24 መስከረም 2008 ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዝወጸ ካልእ ጽሑፍ ድማ፡ ከምዚ ይብል፦ ”ኣባ ሲኖዳ ኣብ ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ዝኾነ መንፈሳዊ-ኣገልግሎት ከይህቡ፡ ብስም ስላሴ ተኣጊዶም እዮም። ብአኦም ዝወሃብ ጸሎተ ፍትሓት፣ ቃልኪዳን፣ ጥምቀት፣ ቅዱስ ቁርባን፣ መዓርጋት ቤተክርስቲያንን ካልእ ኣገልግሎትን ብኣመንቲ ናይታ ሓዋርያዊት ቅድስት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ቅቡል ከም ዘይኮነ፡ ኩሉ ኣማኒ ቤተክርስቲያንና ክፈልጦ ይግባእ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝገበርዎ ጎስጓሳት ካብ ሓደ ኣቡን ዘይትጽበዮ ካብ እምነትናን ባህልናን ወጻኢ ዝኾነ ዘስደምም ሰይጣናዊ ተግባር እዩ። ኣብ ክንዲ ስብከተ-ወንጌል፣ ንፍቕርን ሓድነትን ሕዝብና ዘፍርስ፣ ኣሕዋት ኣብ ልዕሊ ኣሕዋት ክልዓሉ ዝደፋፍእ፣ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ እኩይ ተግባር። ካብ ሓደ ኣቡንዶ ከምዚ ዓይነት ዘረባ ምወጸ? ኣይተዓደልናን” እናበለ እቲ ጽሑፍ ይቕጽል፡ ንባብ ንምቕጻል ኣብዚ ጠውቑ

ሕግን እምነትን ቤተ ክርስቲያን ዝረገጹ

ብዕለት 15-09-2008 ዝወጸ ጽሑፍ ድማ፡ ”ሕግን እምነትን ቤተ ክርስቲያን ረጊጾም ዶግማዊ እምነት ቅድስት ስላሴ ክሒዶም ብስም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ጉልባብ ጳጳስ እየ እናበሉ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ኣባ ሲኖዳ፡ ውግዘቶም ተቐቢሎም ካብ ኣገልግሎት ደው ክብሉ” እናበለ ዝቕጽል ወጺኡ ነበረ፡ ጽሑፍ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ

ጠንቃም ሕቶ

ኣቡነ ሲኖዳ ብፓትርያርክ ዝተወገዙ እንተዀይኖም፡ ካብቲ ውግዘት እቲ መን ፈትሖም፧ መዓስ፧ ኣበይከ፧

ብእምነትን ስርዓትን ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ዘይቕየዱ፡ 

15 ነሓሰ 2006 ኣብቲ ወግዓዊ መርበብ ዝወጸ ጽሑፍ’ውን ከምዚ ይብል፦ ”ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ብዘይ ሕጊ ንዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ጳጳስ ሲኖዳ፡ ብስመ ሥላሴ፡ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፡ ብቅዱስ ፓትርያርክ ንዝተኣወጀ ውግዘት ረጊጾም ድያቆን ብምሻሞምን፡ ኣብ ዘመን ካልኣይ ፓትርያርክ ኣቡነ ያዕቆብ ብቕዱስ ሲኖዶስ ምስ ዝተወገዙ ካህናት ብምቕዳሶም፤ ብእምነትን ስርዓትን ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ዘይቕየዱ፡ ንማዕርግ ጵጵስና ዘዋርዱ ሰብ ምዃኖም መዚኑ። ብንኡስ ሃገረ ስብከት ኪውሃቦም ንዝጸንሐ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ፡ ጸኒሑ ድማ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ኣብተን ብሓድነት ኪጉዓዛ ዝጸንሓ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከባ ኣብያተክስትያናትና ንዘውረድዎ ዕንወትን ጽልእን ባእስን ድማ ብሕጋዊ መገዲ ክሕተቱ ምዃኖም ኣረጋጊጹ” እናበለ ይቕጽል። ንባብ ንምቕጻል ኣብዚ ጠውቑ። 

ጠንቃም ሕቶ

ብሓቂ ዶ ኣቡነ ሲኖዳ፡ ንዶግማዊ እምነት ቅድስት ሥላሴ ክሒዶም’ዮም፧ ዶግማዊ እምነት ቅድስት ሥላሴ፡ ንሓድነትን ሰለስትነትን ዝምልከት ዶ ኣይኰነን፧

ኣስመራ ዝሃበቶ ምላሽ

ነቲ ዝተገብረ ዕርቂ፡ ሲኖዶስ ኣስመራ፡ ብ8 ግንቦት 2023 ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ”ናይ ጥፈሻ ጸወታ” ክብሎ ከሎ፡ ”ዶግማን ቀኖናን ነገረ እግዚኣብሄርን ነገረ ማርያምን ብዕሊ ንዝፈጸምዎ መናፍቓዊ ክሕደት ኣብ ናይ ጐሓፍ ሳንዱቕ ብምድርባይ፡ ውልቃዊ ናይ ስልጣን ህርፋኖም ንምርዋይ፡ ናይ ሓባር ስምምዕ ፈጺምና ኣለና ብምባል ብመራኸቢ ብዙሓን ዝዘርግሕዎ ሕሱር ፕሮፓጋንዳ” እናበለ ይቕጽል፡ ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ

ኣቡነ ሲኖዳ፡ ብኸምዝን መሰልቱን ምስ ሃገረ ስብከት ኣመሪካ ብሓደ መዳይ፡ ብወገን ኣስመራ ድማ በቲ ሓደ መዳይ፡ ብኹሉ ሸነኽን ኣንፈትን፡ ገጽን መጸግዕን ስኢኖም ኣብ ዝነበሩሉ፡ ምስ ምምጻእ ለበዳ ኮሮና ግና፡ ሃንደበት ብዝመስል፡ ማዕበላዊ ግስጋሴ ሒዞም ተበራበሩ። ኣዒንቲ ሓፋሽ፡ ኣብ ኣቡነ ሲኖዳ ዓለባ። ሓፋሽ ክውሕዞም ጀመረ። ኣዒንቲ ሃገረ ስብከት ኣመሪካ’ውን ካብዚ ከምልጣ ኣይከኣላን። ኣቡነ ሲኖዳ፡ ነታ ብወገን ኣስመራ ተቐባልነት ዘይረኸበት ጵጵስናኦም፡ ብኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ክትፍለጠሎም ተመነዩ፣ ሃገረ ስብከት ኣመሪካ ድማ፡ ካልእ ኣማራጺ ኤርትራዊ ጳጳስ ስለ ዘየለ፡ ምስ ኣቡነ ሲኖዳ ክዕረቑ፡ ንሕስያ ዓይኖም ዘድፍን ኰይኑ ኣይረኸብዎን። ክልቲኦም፡ ነንረብሓኦም፡ ተጓይዮም፡ ተዓሪቖም ድማ። ካብዚ ወጻኢ ዝብሃል ይኹን ዝትግበር፡ ኩሉ፡ መመላእታን መጸባበቕን ዛንታ ጥራይ’ዩ!

ብሸነኽ ኣቡነ ሲኖዳ

ኣቡነ ሲኖዳ፡ ኣብ ኣመሪካ ከም ዝጸንሑ ተጌሩ። ሲኖዶስ ኣስመራ ናብ ኤርትራ ንኽመልሶም ዝገበሮ ፈተነ ከይሰለጠ ምስ ተረፈ ድማ፡ ኣቡነ ሲኖዳ’ውን ድሒሮም ንትእዛዝ ሲኖዶስ ኣስመራ ኣየኽበርኩምን ተባሂሎም፡ ብ 2015 ጵጵስናኦም ተታሒዙ፡ ኣስመራ ነጺጋቶም፡ ሃገረ ስብከት ኣመሪካ’ውን ነጺግዎም፡ ነነዊሕ ዓመታት ከቢድ ፈተና እናሓለፉ፡ ተጸበዩ።  

06 መጋቢት 2021 ግና ምስ ብድሆታት ለበዳ ኮሮና ኣተሓሒዞም፡ ሃንደበት ብዝመስል፡ ማዕበላዊ ግስጋሴ ሒዞም ተበራበሩ። ኣዒንቲ ሓፋሽ፡ ብቕጽበት ኣብ ኣቡነ ሲኖዳ ዓለባ። ኣስመራ ኣብ ዓስራይ መዓልታ፡ ድምጻ ኣስምዐት። ”ቅዱስ ሲኖዶስ ካብ 2015 ኣትሒዙ፡ ጵጵስናኦም ዝቐንጠጦም ስለ ዝዀኑ፡ ምስኦም ዝሓብር ውጉዝ ምዃኑ፡ ኣቡነ ሲኖዳ (ኣባ ምሕጽንተ) ዝወከሎም ዘይብሎም፡ ዝገብርዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ፡ ንሶም ኰነ ሰዓብቶም ውጉዛት እዮም፡” ድማ በለት።

ዕርቂ ኣስመራን እስክንድርያን

ኣቡነ ሲኖዳ እምበኣር፡ ምስ ሃገረ ስብከት ኣመሪካ ብኸምቲ ዝርአናዮ፡ ብወገን ኣስመራ ድማ፡ ብኸምዚ ንርእዮ ዘለና፡ ገጽን መጸግዕን ስኢኖም ኣብ ዝነበሩሉ፡ ኣስመራ ምስ ግብጺ ተዓርቀት። ግብጺ ምስ ኣስመራ ተዓሪቓ ማለት፡ ጉስነት ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ባይታ፡ ሕጋዊ ሰረት ይስእን ኣሎ ማለት’ዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ ኣቡነ መቃርዮስ ኣባል ግብጻዊት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን እዮም። ሃገረ ስብከት ኣመሪካ፡ ላዕልን ታሕትን ኢሉ መጸግዒ ዝዀንዎ ጳጳስ ክረክብ ነበሮ። ገበሮ ድማ። ኣቡነ ሲኖዳ’ውን ላዕልን ታሕትን ኢሎም፡ ጵጵስናኦም ከውሕሱ ነበሮም፡ ገበርዎ ድማ።

እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ዝተፈጸመ ዕርቂ፡ ኪንዮ’ዚ ካልእ ክጥቀስ ዝኽእል ምስጢር የብሉን። ኣቡነ ሲኖዳ፡ ነታ ብወገን ኣስመራ ተቐባልነት ዘይረኸበት ጵጵስናኦም፡ ብኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ክትፍለጠሎም ተመነዩ፡ ሃገረ ስብከት ኣመሪካ ድማ፡ ካልእ ኣማራጺ ኤርትራዊ ጳጳስ ስለ ዘየለ፡ ምስ ኣቡነ ሲኖዳ ክዕረቑ ንሕስያ ዓይኖም ዘድፍን ኣይነበሮምን። ዝተሓተተ እንተተሓተተ፡ እንትርፎ ሕራይ፡ ካልእ ብዘይብሉ፡ ማራቶናዊ ፍጥነት ከኣ ”ተዓሪቖም”፡ ተባህለ።

ምሉእ ዕርቂ ይግበሮ!

ክሕደት፡ ጥሕስት፡ ውግዘት፡ ወዘተ ዝብሉ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ሲኖዳ ዝተወርወሩ፡ ክንዲ እምባ ዝምኽባዶም ቃላት፡ ብወግዒ፡ ይቕረታ ክሕተቶ ይግባእ። እቲ ዕርቂ፡ ኣብዚ ኣብ ሱሩ’ዩ ክጥዕን ክፍወስን ዘሎዎ። ነዚ ጐሲኻን ቀቢርካን፡ ኣብ ጨንፈር ምቝጽልጻል ግና፡ ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ኣይመስለንን።
ጠጥዑሙ!