ዕንጅልናና፡ ብቛንቋ ጓና
Healing, Deliverance and Breakthrough ኣብ ገለ ገሊኡ ኸኣ Prophecy ዝብሉ፡ ዝተዀልዑ ጽሑፋት ዘሰንይዎ መወዓውዒታት፡ ኣብ ገጻት ፈይቡክ እርኢ’ሞ፡ እቲ “ኣገልግሎት” ንዓና ነቶም ትግርኛ ዝቛንቋና ዝዓለመ ምዃኑ ድማ፡ የገርመኒ። “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ’ላ እሞ ተነስሑ” ምባል ተሪፉ፡ “ፈውሲ፡ ምንጋፍን፡ ዓወትን ክትረኽቡ ንዑ” ብዝብል ብቛንቋ ባዕዲ ተወሪቖም እናረአኹ፡ ኪንዮ “እዞም ሰባት!” ምባል ሓሊፈ፡ “ዓገብ!” ዘይምባለይ፡ ተኻፋሊ እቲ ዕንጅልና ካብ ምዃን ከምልጠኒ ኣይከኣለን።
እቶም ከምዚ ዝጽሕፉ፡ መብዝሕትኦም፡ (ኩሎም ንዘይምባል ጥራይ) International Ministry ቢሎም’ዮም ነቲ ስያመኦም ዝረቝሕዎ። ዛጊት ንኤርትራ’ኳ ብወንጌል ክንበጽሓ ዘይከኣልናስ፡ ካብ ጫፍ ሪፓብሊክ ኪሪባቲ ክሳብ ጫፍ ምዕራብ ፖርቱጋል፣ ከምኡ’ውን ካብ ጫፍ ሃገራት ስካንድነቭያ፡ ክሳብ ጫፍ ደቡብ ሪፑብሊክ ቺለ፡ ብወንጌል ንምብጻሕ ዶ ኾን ኣንቂዶም ይዀኑ፧ ቢለ እግረም። National Ministry ምባልሲ ያኢ፡ ኣዝዩ ንእሽቶ ኰይኑ ተራእይዎም ማለት ድዩ፧! ኣይፋልን፡ ነቲ ዕንጅልና ኸ መን ክነብሮ፧ ገበርዎ ቢልካ ምግባር እምበር፡ ኣድቂቕካ ምሕሳብ መለለዪና መዓስ ኰይኑ፧!
“የሱስ ጐይታ’ዩ!” ይጭድር እቲ ሓደ። ኣብ እግሪ እቲ “ጐይታ” ዝብሎ ዘሎ ብህሎ፡ “ባርያ” ዝብል ካልእ ብህሎ ምህላዉ፡ ዘስተብህል ግና ኣይመስልን። ስለዚ ኸኣ፡ “ባርያኡ ምዃንካ እንዶ’ሞ ኣርእየና” እንተበልካዮስ፡ እቲ ገዒሩ ዘይርብርብ ክመስል ዝጸንሐ ጐረሮ፡ ብቕጽበት ይልሕትት። “ጐይታ” ካብ በልካ ደኣ’ሞ፡ “ባርያ” ክህሉ ኣሎዎ እምበር! ብርግጽ ጐይታና ኢየሱስ፡ ኣነ ዝቐዳማዮም ዝባሮቱ፡ ጐይታ’ዩ! አረ ንሱስ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ዝስመ ዘበለ ስም’ውን ጐይታ’ዩ!
“የሱስ ፍቕሪ’ዩ!” የድምጽ፡ እቲ በቲ ሓደ ጫፍ ዘሎ ካልእ። “እወ፡ ግናኸ ንስኻ ወደ መዝሙሩ ምዃንካ፡ ብፍቕርኻ እንዶ ኣርእየና” እንተ በልካዮ፡ ለፍሊፉ ዘይጸግብ ክመስል ዝጸንሐ ሰባኺ፡ ደጊሙ ንኽዛረበካ፡ ሸውሃት ይውሕዶ። ዕንጅልናና፡ ታእላው የብሉን። ጐይታና ኢየሱስ ንሓጢኣተኛ እንተፍቀረስ፡ ነቲ ግብሪ ሓጢኣት ዘፍቅሮ ዶ ይመስለካ’ሎ፧!
ሕጊ፡ ኣብ ርእሲ ሕጊ፡ ካልእ ሕጊ፡ ኣብ ርእሲ ካልእ ሕጊ ኣተረኣኢሱ፡ ገጽ እቲ ፈቃር ኣምላኽ ከም ዘይትርኢ ጌሩ ዝደቍስ፡ ሓደገኛ ሰብ ኣሎ። ኩነኔ፡ ፍርዲ፡ ሓጢኣት፡ ሲኦል፡ ጸልማት፡ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ካን ኣኺልዎ፡ ኣብዚአን ጥራይ ኰለል እናበለ፡ ርእስኻ ከም እትደፍእ፡ ነቲ ብሩኽ ፈቃር ኣምላኽ፡ ቅንዕ ኢልካ “ኣባ ኣቦ” ከም ዘይትብል ዝገብር፡ ፍቕሪ ኣምላኽን ለውሃቱን፡ ብዝሒ ምሕረቱን ሳህሉን ፈጺሙ ዘየስተማቕር፡ ብርሃንን ሰላምን፡ ሓጐስን መንግስቲ ኣምላኽን ወዘተ ፈጺሙ ዘይርኣዮ፡ ሓደገኛ፡ ግናኸ ኣዝዩ ዘደንግጽ ሰብ ኣሎ።
ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ፡ ተወሳኺ ጸጋ፡ ኣብ ልዕሊ ካልእ ጸጋ እናሰበኸ፡ ግናኸ፡ ካብ ቅድስና ዝፈልየካ፡ ንሓጢኣትን ስድነትን ሸለል ዝብል፡ ኣብቲ ሓደ ጫፍ ዝተንጠልጠለ፡ ካልእ ሓደገኛ ሰብ ድማ ኣሎ። ብሓርነትን ብጽድቅን ዘይኰነስ፡ ከም ድሌትካ ብዊንታ ስጋ ክትነብር፡ ካብ ንስሓን ምምላስን ርሒቕካ፡ ኣብ ርእሰ-ጥበራን፡ ዓፍራ ኣብ ዝመልኦ፡ ኣብ ዘይጭበጥ ተስፋን ኣርጊጹ፡ ሒዙካ፡ ናብ ጥፍኣት ዝሸመም፡ ኣዝዩ ሓደገኛ፡ ግናኸ ለመጭን መታለልን ኣፍ ዘሎዎ ሰብ ድማ ኣሎ።
ክፉእን ዘማውን ወለዶ፡ ትእምርቲ እዩ ዝደሊ እሞ (ማቴ12.39) Healing, Deliverance and Breakthrough ኣብ ገለ ገሊኡ ኸኣ Prophecy እናተባህለ ዝወዓዋዕ “ኣገልግሎት” ልቢ ንምምራኽን ሰብ ንምስሓብን ውጽኢታዊ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ጐይታ ነቶም 12 ጸዊዑ፡ ንርኹሳት መናፍስቲ ኬውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ምስ ሃቦም፡ Healing, Deliverance and Breakthrough ቢልኩም፡ ኣኼባ ጸውዑ፡ ከምኡ ቢልኩም ህዝቢ ኣክቡ ኢልዎም እንተዀይኑ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስኩም ግልጽ ኣቢልኩም ንበብዎ፦ “ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ፡ ኢልኩም ስበኹ” ዝብል ትእዛዝ ከም ዝሃቦም ዝሕብር፡ ጽሑፍ’ዩ ክጸንሓኩም፡ (ማቴ10.1-7)።
ድሕሪ ትንሳኤኡ ግናኸ ቅድሚ ዕርገቱ ዝሃቦም፡ እቲ ዝዓበየ ተልእኾ እናተባህለ ዝጥቀስ ከኣ፡ “ኺዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዝብል’ዩ፡ (ማቴ28.19-20)። እቲ ምፍዋስ፡ እቲ ምንጋፍ ወዘተ እንተድልየ፡ ጐይታ ነቲ ቅዱስ ቃሉ ብዝስዕብ ተኣምራት ከጽንዖ ምስ ዝፈቅድ እዩ። “ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓል’ውን ብዚስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ (ማር 16.20)።
ንወሃቢ ዶ ነቲ ውህበት፧
እቶም Healing, Deliverance and Breakthrough ኣብ ገለ ገሊኡ ኸኣ Prophecy እናበሉ ዘወዓውዑ፡ ስእሎም ሓደው ምስሎም ዘይብላ መወዓውዒት እንተላ ሃሰስ በሉ። ኣብቲ ኣገልግሎት ደሚቑ ዝርአ፡ ማእከላይ ኰይኑ ኣድህቦ ዝረክብ፡ ኣዒንቲ ኩሎም ናብኡ ዝዓርፋ፡ ንሱ እቲ ንዓርሱ “ሃዋርያ፡ ነብዪ፡ Man of God ወዘተ ዝሰመየ እንተዘይኰይኑ፡ ጐይታና ኢየሱስ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ሓደው እግዚኣብሄር ኣቦ እንተዀይኑ፡ ሕልናኹም ይመስክር። ሰብ፡ ነቲ ምንጪ ኹሉን ወሃቢ ኹሉን ዝዀነ ጐይታ ደልዩ ዶ፡ ወይስ ተኣምራት ክርኢ፡ ወይ ከኣ መተሃራረፊ ቃል ክሰምዕ እዩ ናብቲ ጉባኤ ዝውሕዝ፧! ሓቂ እንተመስከርናስ እታ ሓቂ ሓራ ከተውጽኣና’ያ!
ዕንጅልና የብቅዕ
ሰባኺ ወንጌል፡ “ሰባኺ ወንጌል’የ” ክሳዕ ዝበለ፡ ሽሕ ጊዜ በእዳዉ፡ ሓደው ካብ ኣፉ ብዝወጽእ ቃል፡ ዝተገብረ ተኣምራት ይገበር ብዘየገድስ፡ ንሱ ግና፡ ክጉይተት ዘይኰነ፡ ወትሩ፡ ባርያ ምዃኑ ክእመን ይግብኦ እዩ። ባርያ ብባርያኡ’ኳ ደኣስ፡ ዝጠቅም እኳ ከይከውንሲ፡ ዘይጠቅም ባርያ’ዩ! (ሉቃ17.10)። እቲ ዝኸውን ዘበለ ኩሉ፡ ብፍቓድ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ብስም ጐይታና ኢየሱስ፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ’ዩ ዝኸውን (ዮሃ1.3, 1ቈረ12.1-3, ዘፍ 1.1-3)። ኩሉ ኽብሪ ተጠቕሊሉ ንበይኑ ይግባእ!
ደጊም፡ ኣዒንትና ካብ ሰብን ንብረትን ተላዒለን፡ ናብቲ ንሰማይን ምድርን ንኹሉ ኣብኡ ዘሎን ዝፈጠረ ጐይታ፡ ናብኡ የቕንዓ። ብዋጋ ተዓዲግና ኢና እሞ፡ ባሮት ሰብ ኣይንኹን (1ቈረ7.23)።
እግዚኣብሄር ይባርኽኩም!