Megedihywet

View Original

ዘቄሳር ለእግዚአብሔር

ብዕላል ዕላል ዝመጸ

ምስክር ወረቐት መዓርገ ክህነት ንኽትቅበል፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝመሓደር 200 ኤውሮ፡ ኣብ ትሕቲ ኣቡነ ሲኖዳ ዝመሓደር ድማ ካብ 150-200 ዶላር ክትከፍል ኣለካ። ነዚአን እንተዘይከፊልካ ግና፡ ኣብቲ ብሲኖዶስ ኤርትራ ዝመሓደር እንተዀይኑ፡ ንኡስ ሃገረ ስብከት፡ ንመዓርገ ክህነትካ ሒዙ፡ ካብ ዝኾነ ክህነታዊ ኣገልግሎት ንኸይተገልግል ከፈራርሃካ ይኽእል’ዩ። እቶም ከምዚ ዝገብሩ፡ ነቲ ”ዘቄሳር ለቄሳር” ዝብል ምህሮ ጐይታና፡ ኣይስሕትዎን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ይምህርዎን ብዜማ ዓጂቦም’ውን የዝይምዎን እዮም።  

ኣገልግሎት ጥምቀት፡ ቀብሪ፡ መርዓ ንዝደሊ፡ ኣብ ኤውሮጳ ኵሉ ብኽፍሊት’ዩ ክብሃለና ከሎ፡ ነእዛንና ጭው እናበሎስ፣ ምስክር ወረቐት መዓርገ ክህነት ንምርካብ ድማ 200 ኤውሮ፡ ሓደው 150 ዶላር ክፈል፡ ክትብሃልሲ፡ ምስ ምንታይ’ዩ ክቝጸር፧!

ከይበላዕካ ዶ ደኣ’ሞ ይስራሕ ኰይኑ፧! ኣፍ እቲ ዘኽይድ ብዕራይ ምእሳር ከኣ ልቦና ኣይኰነን። ሓሳባተይ ካብ ሓሳባትኩም ክፍለ ስለ ዘይክእል፡ ንዓይ’ውን ካብዚ ርእይቶ ዝፍለ ካልእ ክህልወኒ ኣይክእልን’ዩ። ቤተ ክርስቲያንና፡ ክፍሊት ኣባልነት፡ ዕሽርን ሞባእን ምእመናና፡ ብግቡእ ኣመሓዲራ፡ ንኣገልገልታ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ጠዋርን ረዳእን ዘይብሎም ጽጉማት ኣብ ምሕጋዝ’ውን ክትነጥፍ ዝግብኣ ቤተ ክርስቲያን ምዃና ንቛሕ-ሰም እኳ ጥርጥር የብለየን።

መባእን ዕሽርን ከምኡ’ውን ብፍታው ዝወሃብ ምውጻእ ገንዘብን፡ ንሱ ያኢ ምእካል ኣብዩስ፡ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ብኸምኡ ክትህቦ ዝተቐበለቶ ውህበታት ጸጋ፡ ብኽፍሊት ንኣገልግሎት ምቕራባ፡ ኣዝዩ ዘሕፍር ምዃኑ፡ ሎሚ ኣፍ ኣውጺእና ክንዛረብ ጊዜኡ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ስቶክሆልም እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም፡ ኣብቲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታኣ ኣስፊራቶ ከም ዘላ፡ ኣገልግሎት ጥምቀት፡ ቀብሪ፡ መርዓ ንዝደሊ፡ ”ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ከም ዝተኸፍለ መረጋገጺ ኣገልግሎት ኣብ ዝወሃበሉ ዕለት ግድን ክህሉ ኣሎዎ” ብዝብል’ዩ ቀሪቡ ዘሎ። ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ነቲ ”ግድን” ዝብል ቃል፡ ግድነቱ ምእንቲ ከይንስሕቶ፡ ብቐይሕ ጽሒፎምን ኣስቢሖምን’ዮም ኣቕሪቦምልና ዘለው. . .

”እቲ ጸገም እኳ፡ ምሕደራ፡ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ንግድን ዝመልኩ እምበር፡ ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዘይርድኦም ኣብ ቦታ ሓላፍነት ይቕመጡ ስለ ዘለዉ’ዩ” በለ ሓደ መተዓልልተይ። ብቐንዱ ንዮፍታሔ ቀሺ ድሜጥሮስ እናዘከርኩ ከለኹ፡ እቲ ዘዕልለኒ ዝነበረ፡ ዋና ጸሓፊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ነርወይ ንኣብነት፡ ክህነት ኰነ ዲቍና ዘይብሉ እዩ፡ ብምባል ገለ ሰነድ ኣውጺኡ ኣርኣየኒ። እቲ ዕላል መልክዑ ቀየረ። 

ዋና ጸሓፊ ንኡስ ሃገረ ስብከት፡ ተራ ምእመን ክኸውን ይግባእ ዶ፧!

እወን፡ ኣይፋልን ንምባል ከይተረበጽና፡ ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣንቀጽ 61 ገጽ 41 ድማ ንገንጽል’ሞ፡ ”ቀ” ቢልና ንበገስ። ኣብዚ ፊደል ”ቀ” ቀሪቡ ዘሎ መምርሒ፡ ቅልል ብዝበለ ኣገላልጻ፡ መራሕ ስራሕ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣብ ዘይህልወሉ፡ ንመዝነትን ተግባርን እቲ መራሕ ስራሕ፡ ተኪኡ ዝሰርሕ፡ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ምዃኑ’ዩ ዝእዝዝ። (ዓንቀጽ 60 ቍጽሪ 3 ከምኡ’ውን ቍ 7’ውን ነዚ ሓቂ እዚ’ዩ ዘረጋግጽ)።

”መዝነትን ተግባርን መራሕ ስራሕ ንኡስ ሃገረ ስብከት” ንዝብል ሓሳብ ሒዝና፡ ናብ ፊደል ”ለ” ንመለስ። ኣቐዲሙ ከም ዝተገልጸ፡ ንምሕደራ ሰብን ገንዘብን፡ ንዲፕሎማስያዊ ርክባት፡ ወዘተ ኣብ ግምት ብምእታው ዝዀነ ከምዚ ዓይነት ብቕዓት ዘሎዎ ሰብ፡ መንፈሳዊ ኩነታቱ ብዘየገድስ፡ ኣብዚ ጽፍሒ’ዚ ከገልግል ከም ዝኽእል ርዱእ’ዩ። ኣብ ገጽ 40 ነቲ ኣብ ቀዳማይ ሕጡበ-ጽሑፍ ዘሎ ነቢብና፡ ትሕት ብምባል፡ ንኡስ ኣንቀጽ 2 ዝብል ኣርእስቲ ሒዝና ገጽ ንገንጽል። ኣብ ገጽ 41 ኣብ ፊደል ”ረ” ንዕሰል’ሞ፡ ከምዚ ዝስዕብ፡ መዝን ተግባርን ከኣ ተጻሒፉ ክጸንሓና’ዩ፦

”በብጊዜኡ ናይ ዕለትን ናይ ዘወትርን ናይ ስራሕ መምርሒ ብምድላው ነናብ ሰበኻኡ እናተዘዋወረ፡ ወንጌል እናሰበኸን እናኣበሰረን ንምእመናን ብምንቕቓሕ፡ ሰበኻ መንፈሳዊ ጉባኤ ከም ዝደራጆን ከም ዝበራታዕን ይገብር”

ገርሀይና ሕቶ፡

ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት፡ ብዋና ጸሓፍነት ተመዲቦም ዘገልግሉ ዘለዉ፡ ነዚ ረቛሒ’ዚ ከማልኡ ግዱዳት ድዮም፧

ኣይፋል እንተዀይኑ፡ ስለምንታይ ደኣ እዚ ረቛሒ’ዚ፡ ኣብ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝሰፍር ተጌሩ፧

እወ እንተዀይኑ ኸኣ፡ ስለምንታይ ደኣ ከምኡ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ብቕዓት ዘይብሎም፡ ኣብ ቦታ ሓላፍነት ተቐሚጦም ኣለዉ፧!

ዘእግዚአብሔር ለእግዚአብሔር

ኣኽፊእና ኣለና’ሞ ደው ቢልና ንሕሰብ። ቤተ ክርስቲያን፡ እታ ብኹለንትናኣ፡ መርኣያ ክትከውን ዝግብኣ መርዓት ክርስቶስ፡ ከምዚ፡ ኣብ ፍቕሪ ገንዘብን ንዋይን ከም ዝወደቐት ኣምሲሉ ዜርኢ ኣከያይዳ ክትከይድሲ፡ ልቢ ዝሰብር እዩ እሞ፡ ነቲ ብኸምኡ ብጸጋ ዝተቐበለቶ፡ ንሳ’ውን ብኸምኡ ብጸጋ ከተገልግል፡ መልክዕ ጽባቔኣ ንሱ ምዃኑ እተስተውዕለሉ ጊዜ’ዩ። ነቲ “ዘቄሳር ለቄሳር” ዝብል ምህሮ ጐይታና፡ እናሰበኽናዮስ ብግብሪ ግና ኣይንጥሓሶ!

አድኅነኒ እግዚኦ እስመ ኀልቀ ኄር!