Megedihywet

View Original

ዘወን ዘወን፡ ምስ “ጸወን”

”ጸሓይ ቀቅድሚ ምብራቓ፡ (እተን ሸሞንተ ርቑሓት) ብሓባር ንባይቶ ይድይባ. . . ካብ ሞንጎ እተን ሸሞንተ፡ ነታ ፈለማ ጩራ ጸሓይ ኣብ ርእሳ ዝተንከያ፡ ሾብዓተ ጊዜ ”ስይምቲ ብሰማይ፡ ስይምቲ ብኣና” እናደጋገማ. . .ኣኽሊል ኣብ ርእሳ የንብራላ” ገጽ 43-44

ንድፈ-ጽሑፍ ብምርኣይ ጥራይ፡ 7 መስከረም 2021፡ ”ብሉጽ ትሕዝቶ፡ ግሩም ኣዘናትዋ፡ ’ይበል’ ዘብል ኣመራርጻ ቃላትን ብሂላትን ዘሎዋ መጽሓፍ ኢኻ ጽሒፍካ እሞ፡ ኣቐዲመ የቐንየልና፡ ከምኡ ኸኣ ኣገናዕ! ክብል እፈቱ” ቢለ ጽሒፈሉ ነበርኩ። ሕጂ፡ መጽሓፍ ኰይና ምስ ተዘርግሐት ድማ፡ መንእሰይ ፍቕረይ የማን ብመልክዕ ህያብ ሰደደለይ እሞ፡ ተመሊሰ ነበብክዋ። ምስትምቓረይ ከካፍለኩም፦

  • ስም መጽሓፍ፡ ጸወን (ኪንዮ’ቲ ድነ፡ ቀዳማይ መጽሓፍ)

  • ጸሓፊ፡ ዶክተር ፍትዊ ወልዳይ

  • ቅብኣ ኣሳእል፡ ነባይ ኣብራሃ

  • ንድፊ መጽሓፍን ገበርን፡ ግርፊኮ ሰራውር

  • ኣሕታሚ ኤምፓዲት

  • ብዝሒ ገጻት 110 (ብዘይ መእተውን ምስጋናን)

ጸሓፊ፡ ”ንርቀትን ዕምቈትን ባህልና ዘጕልሕ ኣፋዊ ዛንታ” ዝበሎ፡ መምህር ቋንቋ፡ ባህልን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ ዝዀነ፡ ሓጋዚ ፕሮፈሰር፡ ሰመረ ተስፋጋብር’ውን፡ ”ቀዳሞት ወለድና. . .ብዛዕባ ልዕለ-ሰብእ ዝዀኑ ዛዕባታት ኣልዒሎም ዝምርምሩሎም፡ ርቀትን ዕምቈትን ኣተሓሳስባኦም ካብ ዝሰነዱሎም ዛንታታት” ብምባል ዝሰመሮ፡ ኣብ ሸሞንተ ምዕራፋት ተመቓቒላ፡ ብቕብኣ ኣሳእል’ውን ማዕሪጋ ዝቐረበት፡ መጽሓፍ’ያ።

ገጠራዊ ናብራ ንምድህሳስ፡ ”ሽገይ” እተሰምየት ኣብ በሪኽ እተደኰነት ዕምርቲ ዓዲ፣ ወድ ዓድን ጋሻን ብማዕረ ዝደግሞ፡ ጸብለል ዝበለ ዝና እትውንን ከኣ፡ ”ደምበ ኣመኖ” እትብሃል ንእሽቶ ደምበን፡ ኣካል እቲ ዛንታ ኰይነን ቀሪበን ኣለዋ። ዕላል ኣቦሓጐ እንተናፊቕኩም፡ ደግያት ተምነዎ፣ ምረት ውልቀ-መለኽቲ ንምስትንታን፡ ሹም ብኢዱ፣ ትብዓትን ቅንዕናን ወለዲ ንምዝካር ድማ፡ ብላታ ኣመኖ፡ ጐሊሖም ክረኣዩኹም’ዮም።

”እዞም ሊቃውንቲ፡ ንጠፈርን ነቶም ኣብ ዝባኑ ዝተሓዝሉ ከዋኽብትን ከም ደብተር’ዮም ዘንብብዎ. . . ’እንጌራ ድንን ኢልካ፡ ልቦና ኣንቃዕሪርካ እዩ ዝብርክት’” (ገጽ 13) ገለ ካብቲ ነቢብካዮ ዘይምኖን ተዘካሪ ብህሎታትን፡ ጽዋታት ጸወን እዩ።

ብስያመ መጽሓፍ ንጀምር፡ ጸወን

ጸወን ማለት፡ ”ካብ ዓለማዊ ነገር መኸወሊ፡ ገዳም፡ መዕቈቢ” ዝብል ትርጉም ከም ዘሎዎ፡ ንመዝገበ ቃላት ተወኪሱ፡ ጸሓፊ እዛ መጽሓፍ ኣብሪሁልና’ሎ። ጸወን፡ ካብ ቋንቋ ግእዝ ዝተራዕመ ምዃኑ፡ ”እግዚኦ፡ ጸወነ ኮንከነ”፡ ከምኡ’ውን ”ኃይልነ ወጸወንነ ወሞገስነ ዝንቱ ውእቱ መስቀል” ዝብሉ ፍሉጣት ብህሎታት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ”መዕቈቢ” ዝብል ትርጉም ድማ’ዩ ዘሎዎ።

ሃወት እንታይ’ዩ፧

ከም ንመትሓዚ ማይ፡ ዘገልግል ኣቕሓ፡ ኣብቲ ቀዳማይን ዳሕራይን ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓርቢ ዝብል’ዩ ዝጥቀም። ብርግጽ ሓርቢ፡ ንማይ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንወይኒ (1ሳሙ10.3) ከምኡ’ውን ንጸባ፡ (መሳ 4.19)  ተጠቂሙሉ’ሎ። ኣብዛ “ጸወን” እትብል መጽሓፍ ግና፡ ”ቅድሚ ምብጋስና፡ መውዓሊኻ ዝዀነካ እኽልን መስተዪ ማይ ዝዀነና ሃወትን ኣይትረስዕ” ብምባል (ገጽ63)፡ ”ነዛ ምሳኻ ዘላ ሃወት፡ ማይ ምልኣያ” (ገጽ 64) ወዘተ ብምባል’ውን፡ ”ሃወት” ዝብል ቃል`ዩ ዝጥቀም። መዝገበ ቃላት ትግርኛ፡ ነዛ ”ሃወት” እትብል ቃል፡ ”መብዝሕትኡ ንመትሓዚ መዓር እንጥቀመሉ ንእሽቶ ሓርቢ” ብምባል ገሊጽዋ’ሎ። ቦኽሪ እዝነይ ከም ምዃና፡ ዓጂባትኒ እሞ፡ እቶም እትፈልጥዋ፡ ገለ እንተትውስኹና ጽቡቕ ኔሩ።

ኣሃዛት ግእዝ ዝፈጠርዎ ጸገም

21 ብግእዛዊ ኣሃዝ ንምጽሓፍ ፪፩ ብዝብል ተጻሒፉ’ሎ (ገጽ 49 ኣብ እግረ ጽሑፍ)። 21 ግና ከምዚ ፳፩ እዩ ዝጽሓፍ።

120 ክፍለ-ዘመን ንዝብል ኣሃዝ ከኣ፡ ኣብ ገጽ 89 ኣብ እግረ ጽሑፍ፡ ኣብ ላዕሊ፡ ፻፳ ዓመት ብዝብል ተጻሒፉ’ሎ። 120 ዓመትን 120 ክፍለ ዘመንን ግና በበይኑ ዝትርጉሞም ብህሎታት ምዃኑ ርዱእ ይመስለኒ። ሓደ ክፍለ ዘመን 100 ዓመት እንድዩ፡ ስለዚ ኸኣ 120 ዓመት፡ ሓደ ክፍለ ዘመን እምበር 120 ክፍለ ዘመን ክኸውን ኣይክእልን’ዩ።

ኣቀማምጣ ቅብኣ ኣሳእል

ቅብኣ ኣሳእል፡ ብቕዲ ኣቀማምጣ ጽሑፍ’ዮም ተቐሚጦም ዘለው። ንምሉእ እቲ ገጽ ሸፊኖም ቀሪቦም እንተዝነብሩ፡ ማዕረ’ቲ ዕምቈቶምን ስፍሓቶምን ዝያዳ መሰጥቲ ምዀኑ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ።

ተራኺ ዛንታ

ነቶም ብልቦናን ብሓልዮትን ዝመርሑ ራእሲ ስዩም፡ ”ኣታ” እዩ ዝብሎም፣ ንደግያት ተምነዎ’ውን፡ ”ኣታ” እዩ ዝብሎም፣ ንሹም ብኢዱ’ውን፡ ብላታ ኣመኖ ከይተረፉ’ኳ ”ሕጂ ዘረባ ከየንውሓልኩም ክቡር ንጉስ” ቢሎም እናጠቐስዎም፡ ተራኺ ዛንታ ግና፡ ንብላታ ይኹን ንሹም ብኢዱ፡ ”ኣታ” እናበለ’ዩ ዝጠቕሶም። ጸሓፊ ከምኡ መግበሪኡ፡ ንዓይ ዘይተጋህደለይ፡ ገለ ምኽንያት ይህልዎ ይኸውን። ኣብ ኣፋዊ ትረኻ ዝተመርኰሰ ጽሑፍ፡ ብውሑዱ ኸኣ ናይ ቅድሚ 120 ዓመት ፍጻመታት ንዘዘንቱ ግና፡ ንሰብ ዕድመን ንሰበ-ስልጣንን ብኣኽብሮታዊ ስያመ፡ ”ኣቱም” ዘይምባሉ፡ ግር ዘብል ኰይኑ ረኺበዮ።

ሹም ብኢዱ፡ ካብ ኣቦኦም፡ ራእሲ ስዩም፡ ስልጣን ከም ዝተቐበሉ ንምሕባር፡ ብዓሽከራቶም ኣቢሎም ኣብ ዝጠቅዕዎ ነጋሪት’ውን እቲ ኣወዳድቓ ቃላቶም፡ ”ክሳዕ’ዚ ዕለት ብልቦናን ብሓልዮትን ክኣልየና ዝጸንሐ መራሒና፡ ብምኽንያት ድኻም ካብ መዝነቱ ወሪዱ’ሎ” ብምባል’ዩ ዝዝንጥል። እዚ ንስድነትን ስርዓት ኣልቦነትን ሹም ብኢዱ ንምቅላሕ ክንጥቀመሉ ምኸኣልና ንኸውን። ከምኡ ከይንብል ግና፡ ነቲ ተራኺ’ውን ምስ ሹም ብኢዱ ክንልክሞ ኢና ማለት’ዩ።

እዛ ሕጂ ንነባ ዘለና ”ኪንዮ’ቲ ድነ” እትርከቦም ትረኻታት ዛንታ፡ ኣብ ቅጽታት ተኸፋፊሉ ዝቐርብ ጽዋታት ዝሓዘት ምዃና’ዩ ጸሓፊ ኣተስፍዩና ዘሎ። ”ጸወን፡” ቀዳማይቲ ትረኻ ኰይና ቀሪባትልና’ላ። ተቐላጢፍኩም ነታ መጽሓፍ ክትረኽብዋ እሞ ምስትምቓርኩም ምእንቲ ክዓዝዝ፡ ኣንክስ ከብለኩም’የ፡-

ደግያት ተምነዎ ነቲ ራእይ እተሰምየ ወድ-ወዶም፡- ”እታ ትማል ዝጀመርኩልካ ዛንታ ዶ ከዘንትወልካ፧” ብምባል ተወከስዎ። ራእይ ከምዛ መልሲ ኣዳልዩ ክጽበ ዝጸንሐ፡ ”ሕራይ!” በለ፡ ከየላበወ።

ኣብ ምንታይ ኢና በጺሕና ኔርና፧

ኣቦሓጉይ ኣመኖ ኣብ ባይቶ ሓሳቡ ምስ ሃበ፡ ንጉስ ብኢዱ ከም ዝሓረቐን፡ ነቦሓጎይ ካብ ባይቶ ከም ዝሰጐጎን. . .

ሃብሮም ዝወደይ! ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚሩ፡ ንዓድና ፍጹም ኣይጠዓሞምን. . . (ገጽ65)

መጽሓፍ ንምዕዳግ ኣብዚ ዝስዕብ መላግቦ ክትረኽብዋ ትኽእሉ