Megedihywet

View Original

Hallow-ዊን፡ እቲ ዘይተኸስተነ ብዓል

ዝኽረ ሞትን ምዉታትን! ራእይ ዘይብሉ ህዝቢ፡ ስርዓት ኣልቦ’ዩ ዝኸውን። ስርዓት ኣልቦ ዝኾነ ድማ፡ ዊን ዝበሎ ንምግባር ከልካሊ ኣይህልዎን።

ዊን ዘብለኩም ማለት ዘወናውነኩም ዘበለ፡ ብገለ መዳዩ እትናፍቕዎ ማለት እንድዩ ሓቀይ፧ ነታ ”ዓሻ፡ ምዉት ይናፍቕ” እትብል ምስላ ዓድና’ሞ ንዘክራ። ምውታት ዘይናፈቑ እንተዝኾኑ ዶ፡ እዛ ምስላ እዚኣ ምተመሰለት ይመስለኩም፧ ኣይመስለንን። ንምዉት ዝናፍቕ ዘበለ፡ ”ዓሻ” እንተዀይኑ ኸ፡ ለባም ሰብ ዶ፡ ይርከብ ትብልዎ፧! ኣይመስለንን። ቀልዓለምን ግብዝናን ይጽንሓልና እሞ፡ ፊት ንፊት ከኣ እስከ ምስ ሓቂ ንላዘብ።

ቤተ ክርስቲያን ሽወደን ብምኽንያት እዚ እንዛረበሉ ዘለና ኣርእስቲ ኣመልኪታ፡ ከምዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ዘርጊሓ’ላ። ”ኣብ መቓብር ብጻይካ ወይ ኣብ መቓብር ቤተሰብካ ሓንቲ ሽምዓ ኣብርህ፣ ወይ ከኣ ኣብ መካነ መቓብር እናተዘዋወርካ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዘሎ ጽባቐ ኣስተንትን። ብኦንላይን’ውን ኣብ መርበብ ጸሎት ቤተ ክርስቲያን ሽወደን ብምእታው፡ መብራህቲ ሽምዓ ክትውልዕ ትኽእል ኢኻ።”

ኣብ ኣየርላንድ በቚሉ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣጕላዕሊዑ፡ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለምን ዘስፋሕፍሐ፡ መዓልቲ ሃለዊን ዝዝከረሉ ዕለት፡ ጽባሕ ሓሙስ 31 ጥቅምቲ’ዩ። እምነተ ክርስትና ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ፡ ነቲ ቅድመ-ክርስትና ዝጸንሐ ልማዳትን ኣምልኾታትን’ውን ከኸስትኖ (ክርስቲያናዊ ክገብሮ) ነበሮ። ከም እኒ መዓልቲ ጸሓይ ናብ መዓልቲ ጐይታ፡ ከም እኒ ጽሕዲ ቀውዒ ናብ ጽሕዲ ልደት ኣብ ምቕያር ተዓዊቱ ክንሱ፡ ኣብ ሃለዊን በጺሑ ግና፡ እምነተ ክርስትና፡ ምሉእ ዓወት ክረከብ ኣይከኣለን።

ኣብቲ ጥንታዊ ልማድ፡ 31 ጥቅምቲ፡ ዘመነ ብርሃን ኣብቂዑ፡ ጸልማት ያኢ ንብርሃን ዝዕብልለሉ፡ ምዉታት ከኣ ናብ ዓለም ዝምለሱሉ፡ ዕለት ተሓሲቡ ይዝከርን ይጽምበልን ነበረ። በዚ መሰረት፡ እቶም ናብ ዓለም ዝመጹ፡ ጠንቋሎን እኩያት መናፍስትን ምእንቲ ከይቀርብዎም ተባሂሉ፡ ንዕኦም ከባህርር ዝኽእል፡ ብርሃን ሓዊ ይውላዕ ነበረ። እቶም ነፍሳት ሓደው እቶም መናፍስቲ፡ ምዉታት መሲልዎም ምእንቲ ክሓልፍዎም ከኣ፡ ምስሊ ዓስከሬን ዘሎዎን ዘፍርሕ ምስልን ይለብሱ፡ ሓደው ኣብ ልዳት ቤቶም ከምኡ ይገብሩ፡ ወዘተ ነበሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ እምነተ ክርስትና ደበኽ በለ እሞ፡ ነቲ ልማድ’ቲ ንምጥፋእ ከኣ፡ ባሕቲ ሕዳር፡ ከም መሰጋግሮ ወቕቲ ዓጺድ፡ እዋን ዘራእትን ፍርያትን ኣብቂዑ፡ እዋን ፍረ ዝኣትወሉ፡ ከምኡ’ውን ከም መዓልቲ ሰማእታትን ቅዱሳንን ኰይና ክትዝከር ገበሩ። ይኹን ደኣ’ምበር፡ መዓልቲ ጸሓይ ናብ መዓልቲ ጐይታ፡ ጽሕዲ ቀውዒ ናብ ጽሕዲ ልደት ኣብ ምቕያር እተዓወቱ ኣቦታት፡ ኣብ ሃለዊን በጺሖም ግና፡ ምሉእ ዓወት ክረኽቡ ኣይከኣሉን።

ራእይ ዘይብሉ ህዝቢ፡ ስርዓት ኣልቦ’ዩ ዝኸውን። ስርዓት ኣልቦ ዝኾነ ድማ፡ ዊን ዝበሎ ንምግባር ከልካሊ ኣይህልዎን። እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ፡ ነዚ፡ ሓደው ከምዚ ዝመስል ኰይኑ’ዩ ዝረኣየኒ። ዊን ዝበሎ ንምግባር፡ ፈጺሙ ከልካሊ ዝብሃል ክህልዎ ኣይደልን፡ ኣይብህግን’ውን. . . ዊንታኡ ዝንጉሱ፡ ከምቲ ንጉስ ሰሎሞን፡ ”ኣዒንተይ ዝደለያኦ ዅሉ ኣይከልከልክወንን፡ ሓጐስ ዘበለ ንልበይ ኣይከላእክዎን” ዝበሎ፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸኣ ከምኡ፡ ዊን ንዝበሎ፡ መዓልካ ሓደርካ ቢሉ ንዊንታኡ ዝስዕብን ዘዕግብን፡ ሃለው ዊን፡ በሃሊ ኰይኑ እርእዮ ኣለኹ።

ቃል ኣምላኽ ዝብለና ዶ ወይስ ዊን ዝበለና ኢና እንገብር፧ ጸሎትና ንርኣዮ፡ ዊን ዝበለና ዶ ንጽሊ፧ ስብከትና ንርኣዮ፡ ዊን ዝበለና ዲና ንሰብኽ፧ ሕብረትና ንርኣዮ፡ ዊን ኣብ ዝበለና ጊዜ ጥራይ ዲና ንሓብር፧ ሃለው-ዊን፧ ከመይ ኣለና፧!

ብምስትውዓል ዘበለ እግዚኣብሄር ይባርኽኩም እሞ፡ ዊን ብዝበለኩም ዘይኰነስ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ንምንባር ዘኽእል ጸጋ ድማ ይዓድልኩም!