Megedihywet

View Original

ሰይጣን ይተሓረድ፡ እሞ መን የኸስትኖ፧!

”ሰይጣን ይተሓረድ” ዝብሉ ታእላው የብሎምን። ኣነ’ውን እብል’የ፥ ”ኩሉ እንዶ ንሕደጎ፡ ሰይጣን ይተሓረድ!” ንስኻትኩም’ውን ትብሉ ትዀኑ። ኣብ ፈኸራ፡ ዋሕዲ የለን። ዘኸስትኖ ደሊኻ፡ የማነ-ጸጋም ቍሊሕ ኣብ እትብለሉ ግና፡ ቴለፎን ደዊልካ’ውን ዘልዕለካ ኣይትረክብን። 

ኣብዚ ቀረባ ጊዜ፡ መሪጌታ እምሩ (ናይ ብርዒ ስም) ምስ ዝብሃሉ ትግራዋይ ተላሊና። ብዛዕባ እቶም ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ወጺኦም፡ ንሃጸይ ዘርኣያእቆብን ተግባራቱን ነቒፎም ዘይጸግቡ፡ ብተግባር ግና ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ነቲ ሃጸይ እቲ ዘመጕሱን፡ ”ለንጉሥነ ዘርአያዕቆብ፡ ዘተሰምየ ቈስጠንጢኖስ” ቢሎም ከኣ ብኽብሪ ዝነብዎን፡ ዝምልከት እናዕለልና፦”ሰይጣን ደኣ’ሞ፡ ውጹእ ሓሶትዶ፡ ሓስዩ ይፈልጥ’ዩ፧” ብምባል ርእይቶኣዊት ሕቶ ኣቕረብኩሎም።  

”እንታይ መስለኩም ኣቦይ ቀሺ” (ኣቦይ ቀሺ ክብሉኒ ከለዉ፡ ዝኣረግኩ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ) ”ነቲ ምስ ወንጌል ዘይጻረር፡ ነንብቦ፡ ነቲ ኣንጻር ወንጌል ዝዀነ ኸኣ ንሰግሮ! ከምዚ ጌርካ’ዩ እምበር፡ ከምኡ እንተዘይጌርካ ደኣ መን ክቕበለካ፧” ብምባል፡ ንትሪ ህዝብና እናጠቐሱ፡ ነታ ብብዙሓት ዘረብረበትኒ ብልሓት፡ ደገሙለይ። 

ቅጭ ክዕብልለኒ ኣይፈቐድኩን። ካህን ኣሮን፡ ድምጺ ኣምላኽ ሓዲጉ፡ ድምጺ ህዝቢ ሰምዐ’ሞ፡ ሙሴ ኸኣ ብቝጥዓ ተመሊኡ ስለምንታይ ከምኡ ገበርካ በሎ። ምላሽ ካህን ኣሮን፡ ”እዚ ህዝቢ’ዚ ክፉእ ምዃኑ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” ዝብል’ዩ ዝነበረ፡ (ዘጸ32.22)። ምላሽ መሪጌታ’ውን ካብዚ መልሲ’ዚ፡ ስድሪ እትርሕቕ ኣይኰነትን።   

”ሰይጣን ደኣ’ሞ፡ ከምቲ ንሄዋን ዘዕለላ፡ ከምቲ ንጐይታና ኢየሱስ ከኣ ዝፈተኖ፡ ኣብቲ ዘረባኡ፡ ሓቂ፡ ፈይ እናበለ እንድዩ፡ ንሓሶቱ ዘቘምጥዕን ዝለውስን፥ ከምኡ እናገበረ እንድዩ ድማ፡ ዝስንክትን ዝጥብትን። ነዚ መርዚ ዝተነዝሖ እንጌራ ግና፡ ከምቲ ጐይታና ዝገበሮ ”ኪድ ሰይጣን ካባይ ርሓቕ!” ቢልና ክነንጽጎ እንተዘይክኢልና፡ ዕጫ ሄዋን ምልዓል ጥራይ እያ እትተርፈና፡” ከይተረድኣኒ፡ ብሓውሲ ስብከት መልእኽተይ ኣሕለፍኩ።

”ከምኡ ምዃኑ’ኳ ኣይጠፍኣናን” መሪጌታ፡ ገናሒ ድምጺ ሰዓሮም። ”ከምኡ እንተዀይኑ ደኣ’ሞ፡ ጉባኤ ኣናጹ. . .” ገና ዘረባይ ከይወዳእኩ፡ “ጉባኤ ኣናጹ” ብምስማዕ ጥራይ፡ ኮለፉኒ። ጉባኤ ከለባት፡ ጉባኤ ተዃሉ ክብሃል ደጋጊሞም ሰሚዖም ብምንባሮም፡ እዛ “ጉባኤ ኣናጹ” እትብሃል ግና ሓደሰቶም።

”ኣናጹ፡ ያኢ ካብቲ ዕሉል ጸላኢአን ዝጥንቀቓሉ ብልሓት ረኺብና ቢለን፡ ንድሙ፡ ቃጭል ክኣስራሉ ተመያየጣ፡ ይብሃል’ዩ፡” ብምባል ኣዘንተኹሎም። ”ድሙ፡ ብሰላሕታ’ዩ ነተን ኣናጹ ዝቃጸወን እሞ፡ ቃጭል እንተተገብረሉ ግና፡ ገና ብግስ ክብል ከሎ፡ እተን ኣናጹ፡ ኣድላዪ ጥንቃቐ ንኽገብራ፡ ቅድመ መጠንቀቕታ ክዀነን ምዃኑ፡ ብታሕጓስ ገለጻ።

ናይ ዘመናት ጭንቂ ክበርር ዝሓለማ ኣናጹ፡ ፈንጠዝጠዝን ወኻዕካዕን ኣዐመራ። ሽዑ፡ ሓደ ሽምግል ዝበለ ኣንጭዋ ብድድ ብምባል፡ ”እሕሕ፡” በለ’ሞ፡ ”ነታ ቃጭል ግና፡ ኣብ ክሳድ ድሙ መን’ዩ ክሰቕላ፧” ዝብል ሕቶ ኸኣ ኣቕረበ። ዝምልስሲ ይትረፍ፡ ኣብቲ ጉባኤ ክቕጽል ዝደለየ ኣንጭዋ’ኳ ኣይተረኽበን፡ እተን ኣናጹ’ውን ከምኡ።”

እቶም ቃል ሓቂ ክስበኽ፡ ወንጌል ክዕምብብን ክፈርን እንደሊ፡ ንሕና እንተዘይሰቢኽና መን ይስበኮ፧ ሎሚ እንተዘይሰቢኽናዮ፡ መዓስ፧ ኣብዚ እንተዘይሰቢኽናዮ ኸ ኣበይ፧
ጸጋ ይብዝሓልኩም!