Megedihywet

View Original

ህይወተይ እንካ፡ ንዓኻ ዝኸውን ጊዜ ግና የብለይን

”ገበኑ ዝኸውል ይሰልጦ፡” ዝብል ጽሑፍ ዶ ኣሎ’ዩ፧!

  • ”ንጐይታና ኢየሱስ ብዘይሓልፍ ፍቕሪ ተፍቅሮ ዶ፧” ”ኣይፋል” ቢሉ ዝምልሽ፡ ብጹእ’ዩ።

  • ”ንዓለምን ፍትወታን ብዘይሓልፍ ፍቕሪ ተፍቅር ዶ፧” ”እወ” ቢሉ ዝምልሽ ብጹእ’ዩ።

መዝገብካ ኣብ ዘሎዎ’ዩ ልብኻ ድማ ኣብኡ ዝህሉ’ሞ፡ ብርግጽ ነቲ ዘፍቀርካዮ ድማ ኢኻ፡ ጊዜኻ እትህቦ። ብር እናበልካ እትሓስቦ፡ ኣንጊህካ ተንሲእካን ኣምሲኻ ደቂስካን፡ ሓይልኻ፡ ሓሳብካን ኵለንትናኻን እትህቦ፡ ብርግጽ ንዕኡ ኢኻ ብዘይሓልፍ ፍቕሪ ኣፍቂርካዮ ዘለኻ። ስለዚ ርእሰ-ጥበራ የብቅዕ! ገበኑ ዝኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዝናዘዘሉ እሞ ዝሓድጎ ግና ምሕረት ይረክብ (ምሳ28.13)።

እግዚኣብሄር ሓደ እዋን ንነቢዪ ህዝቅኤል፡ ”ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንኢየሩሳሌም ጽያፋ ኣፍልጣ” ዝብል ቃል ሃቦ፡ (ህዝ16.1)። ኣብቲ ጽሑፍ ከም እንርእዮ፡ እተን እነስካሕክሓለን ሰዶምን ጐመራን እኳ፡ ኣብ ቅድሚ ኢየሩሳሌምሲ፡ ንሳተን ደኣ ጸዲቐን ተረኽባ።  ፍቕድታት 51-52 ንርኣዮ፦

”ሰማርያስ ፍርቂ ሓጢኣትኪ እኳ ኣይገበረትን። ንስኺ ግና ጽያፍኪ ኻብኤን ኣብዛሕኪ፣ ብኵሉ እቲ ዝገበርክዮ ጽያፍኪውን ነሓትኪ ኣጽደቕክየን። ንስኺ ኸኣ ነቲ ነሓትኪ ዝፈረድክሉ ነውሪ ተሰካሚ። በቲ ኻብኤን ዚረክስ ዝገበርክዮ ሓጢኣትኪ ንሳተን ካባኺ ይጸድቃ። ነሓትኪ ኣጽዲቕክየን ኢኺ እሞ፣ ሕፈሪ ነውርኺ’ውን ጹሪ።”

ንመዓልቲ 24 ሰዓታት ከም ዘሎ ዘይፈልጥ የብልናን። ካብዚ ነቲ ”ህይወተይ ንዓኻ ሂበ’የ፡ ቢልና እንምክሓሉ ጐይታ፡ ንጸሎት ዝኸውን ጊዜ፡ ንኣገልግሎት ዝኸውን ጊዜ፡ ንሕብረት ኣሕዋት ዝኸውን ጊዜ ክንደይ ኮን ንስልዓሉ ንኸውን፧! ንጐይታና ኢየሱስ፡ ”ብዘይሓልፍ ፍቕሪ” ምባል እሞ ይጽንሓልና፡ ንምዃኑ ኸ፡ ተራ ፍቕሪ ኣሎና ዶ፧!

ጐሮሮና ክሳዕ ዝነቅዕ ”የፍቅረካ’የ፡ ካብ ውሽጢ ልበይ” ቢልና ምዝማርና፡ ንርእስና እምበር፡ ነቲ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ኣምላኽ ክንጥብሮ ከም ዘይንኽእል ኣይንዘንግዕ። ”እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡” በለ እቲ ንመልእኽቲ እብራውያን ዝጸሓፈ ልኡኽ፡ መልእኽቱ ከሕልፍ ከሎ ድማ፡ ”ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ” ብምባል ደምደመ (እብ 10.25)።

 ኣብ ጸሎት፡ ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብ ሕብረት ኣሕዋትን፡ ንጡፍ ሱታፌ ዘይብልና እንተዄንና፡ ርእስና ንርአ። ንኣገልግሎት ተጸዊዕና፡ ”ጊዜ የብለይን” ንብል እንተሊና፡ እንታይ ንብል ምህላውና ደጋጊምና ንሕሰበሉ። እግዚኣብሄር ንሓቂ ኣብ ውሽጢ እምበር፡ ኣብ ከናፍርና ሃሰስ ኣይብላን’ዩ! (መዝ51.6)።

ትንሳኤኹም ትንሳኤና’ውን ስለ ዝኾነ፡ ተንስኡ ለጸሎት!