Megedihywet

View Original

ሮማ ኣብ እንዳ ገሬ እሙን

  • ቅድመ-ንባብ መልእኽቲ ሮሜ ነጽንዕ ከም ዘለና ፈሊጥኩም ትኾኑ። ጽባሕ ሓሙስ 22 ለካቲት 2022. ነተን ቀዳሞት 3 ምዕራፋት መዛዘሚ ክንገብረለን ኢና።

ጉጅለኹም ኣናድዩ

ከም እኒ ኣያ ጆኬር ዝኣመሰሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ”ረሲኣን” ዝብሎም፡ ንኣምላኽ ኣብ ሓሳቦም ከቋጽርዎ ዘይደልዩ፡ ሓደው ”ኣብ ህይወተይ ከም ድሌተይ” ብምባል፡ ፍኑው ናብራ ዝነብሩ ጉጅለ ኣለው። እዞም ጉጅለ እዚኦም፡ ሰብን እዝግን ዝፈንፈኖም ኰይኖም፡ ፍሉይ መለለይኦም፡ ውዱቕ ስነ ምግባር እዩ። ዝደለይዎ ይገብሩ፡ ዝመሰሎም ይዛረቡ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም፡ ፍርሃት ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሱሩ ኣምላኽ ዝብሃል’ውን የለን።

ካልኣይ ጉጅለ

ከም እኒ ገሬ እሙን ዝኣመሰሉ፡ ግብርን ክራይ ገዛን ኣብ ጊዜኦም ዝኸፍሉ፡ ጠልቀፍቀፍ  ዘይብሉ፡ ንሰብ እሩም ስነ-ምግባር ድማ ኣለው። እዞም ጉጅለ እዚኦም፡ ጀማሎም ዝሓለዉ ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ንኡዳትን ሕፉራትን እዮም። ንኣምላኽን ንእምነታዊ ንጥፈትን ዝኸውን ጊዜን ጸዓትን ግና፡ ኣይትርእየሎምን፡ የብሎምን ድማ።  

ሳልሳይ ጉጅለ

ከም እኒ ቀሺ ገብሩ (ኣቦ ገሬ እሙን) ዝኣመሰሉ፡ መጠምጠምያ ካብ ርእሶም፡ ዳዊት ካብ ዝባኖም ዘይፈልዩ፡ ቤተ ክህነት፡ ቤተ ምእመናን፡ መንፈሳውያን ወዘተ ዝርከብዎም እዮም። እዞም ጉጅለ እዚኦም፡ ግዙራት ሓደው ጥሙቓት ኰይኖም፡ ሕቡናት ሰዓብቲ እምነት እዮም። ንቓል ኣምላኽ፡ ይሰምዕዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ይሰብክዎ፡ እረ፡ ዜማ ወሲኾም’ውን የዚምዎን ይዝምርዎን እዮም።   

ራብዓይ ጉጅለ

ኣብ እዞም ሰለስተ ጉጅለታት ዕንክሊል ዝብሉ፡ እዮም። ”ረሲኣን” ከይትብሎም፡ ስም ኣምላኽ ዝጠቕሱ እዮም። ”ቅዱሳን” ከይትብሎም ድማ፡ መኣዛ ቅድስና ዝብሃል የብሎምን። አረ ነቲ እኒ ጉጅለ ኣያ ጆኬር ዝገብርዎ ጽያፍ ከይተረፈ ንምግባሩ፡ መሰነይታ ጥቕሲ ዘናድዩሉ’ውን እዮም። ”ኣብቲ ሓጢኣት ዝበዝሖ፡ ጸጋ ካብ ዝበዝሕሲ፡ ጽቡቕ ምእንቲ ኺመጽእ ኽፉእ ንግበር” ብዝብል ከኣ፡ ንዓመጽ ብሓቂ እናኸወሉ፡ ውዒሎም ይሓድሩሉ። እዚኣቶም፡ ኣመንቲ ኢና እናበሉ ግናኸ፡ ፍኑው ናብራ ንምንባር እተለቁ እዮም።

ሰብን ጽድቂ ኣምላኽን

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንሰብ ሮሜ ክጽሕፈሎም ከሎ፡ ”ጽድቂ ኣምላኽ” ዝብል ዛዕባ የልዕል እሞ፡ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ምዕራፋት ድማ፡  ሰብ ዘበለ፡ ከም እኒ ኣያ ጆኬር ዝኣመሰለ ይኹን፡ ከም እኒ ገሬ እሙንን ኣያ ዘርኣብሩኽን ዝኣመሰለ ይኹን፡ ከም እኒ ቀሺ ገብሩን ኣብ ጉጅለ ኣርባዕተ ዝምደቡ’ውን ይኹን፡ ብሱሩ ሰብ ዘበለ፡ ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ወዲቑ ከም ዘሎ፡ የጠንቅቕ። ”ኣይሁድ ኰነ ወይስ ጽርኣውያን፡ ኵላቶም ትሕቲ ሓጢኣት ምዃኖም ቅድም ከሲስና አሎና። ከምኡ’ውን ተጽሒፉ አሎ፡ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን፡ ሓደ እኳ ዜስተብህል የልቦን፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዚደልዮ የልቦን። ኲላቶም ዘምበሉ፡ ኵላቶም ሓቢሮም ዘይጠቕሙ ኰኑ፡ ጽቡቕ ዚገብር የልቦን፡ ሓደ’ኳ የልቦን፡” ብምባል፡ ድማ ይገልጽ፡ (ሮሜ3.9-12)።

ቀዳማይ ጉጅለ

እኒ ኣያ ጆኬርን መሰልቶም፡ ሰብን እዝግን ዝምስክሮ ዝሩግ ተግባር ዘዘውትሩ ስለ ዝዀኑ፡ ፍርዶም፡ ንደይኒ እዩ እንተተባህለ፡ በርባዕተ ነጥቢ ጥራይ’ዩ ዝዕጾ። ጉጅለ ገሬ እሙንን ጉጅለ ኣቦይ ቀሽን ግና፡ ብዙሕ ሕቶ ከልዕሉ ይኽእሉ እዮም።

ካልኣይ ጉጅለ

ከም እኒ ገሬ እሙንን ኣያ ዘርኣብሩኽን ዝዓይነቶም፡ ብስነ ምግባር ኣዝዮም ዝተናእዱ፡ ኣብ እምነታዊ ንጥፈት ግና ንጡፋት ዘይኰኑ ሓደው ካብ እምነት ክርስትና ወጻኢ፡ ኣብ ካልእ እምነት ዘለዉ፡ ከመይ ጌሮም’ዮም ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ዝወድቁ፧ ቢሉ ሕቶ ንዘልዕል ሰብ፡ እቲ መልሲ፡ ሓጺርን ንጹርን እዩ። ጽድቂ ኣምላኽ፡ ኣብ ህይወቶም ክርከብ ብዘይ ምኽኣሉ ምዃኑ ድማ ኣብቲ ጽሑፍ ንረኽቦ። ጽድቂ ኣምላኽ፡ ሕጊ ብምፍጻም ዘይኰነስ፡ ብእምነት ብክርስቶስ እዩ ዝርከብ፡ (ሮሜ1.17)።

ሳልሳይ ጉጅለ

ጉጅለ ኣቦይ ቀሺኸ ብኸመይ’ዮም ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ወዲቖም ዝርከቡ ዘለው፧! እዚኣቶም፡ ማሕተም ተቐቢሎም ክንሶምሲ፡ ግናኸ፡ ነቲ ዝተጸውዑሉ ጽውዓ፡ ብቑዓት ኰይኖም ክመላለሱ ብዘይ ምኽኣሎም እዩ። ገዛእ ርእሶም ብመንጽር ካልኦትን ብሚዛን ገዛእ ርእሶምን እዮም ዝልክዕዋ። ስለዚ ድማ ዝያዳ ዝጸደቑ፡ ወይ ናብ ኣምላኽ ዝያዳ ዝቐረቡ ኰይኑ ይስምዖም። ከመዮ ጐይታና ዝበሎ፡ ሓደ ተጋውን ሓደ ፈሪሳውን ክጽልዩ ናብ መቕደስ ምስ መጹ፡ እቲ ኣብ ጉጅለ ቀሺ ገብሩ ዝምደብ ፈሪሳዊ፡ ነቲ ተጋዊ ከመይ ከም ዝፈንፈኖ ንዘክር፡ (ሉቃ 18.10)። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ነዚ ጉጅለ እዚ፡ ብኸምዚ ይገልጾም፦ ”እቲ ብውሽጢ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና፡ ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ። እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እያ እምበር፡ ብፊዴል ኣይኰነትን። እቲ ንእዶኡ’ውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን” (ሮሜ2.29)።

ጉጅለ ኣቦይ ቀሺ፡ ኣብ መላእ ሕብረተ-ሰብ፡ ካብ ጉጅለ ገሬ እሙን ዝበልጽ፡ ተቐባልነትን ናእዳን ከም ዘሎዎም ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኰነን። ቃል ኣምላኽ ኣሎዎም፡ ጸሎት ይኽእሉ’ዮም፡ ኣመንቲ ምዃኖም መለለዪ ዝኸውን፡ ግዳማዊ ልብስን ግርማን ኣሎዎም። ”ጽድቂ ኣምላኽ” ብዝብል ዛዕባ ክዕየሩ ከለዉ ግና፡ ሰብ ዘበለ፡ ብግብሪ ሕጊ ስለ ዘይጸድቕ፡ ኣምላኽ ከኣ ልብን ኰላሊትን እምበር፡ መጠምጠምያን ጭሕምን ስለ ዘይምርምር፡ በዚ፡ ውዱቓት ኰይኖም ይርከቡ።

ራብዓይ ጉጅለ

ናይቶም ራብዓይ ጉጅለ፡ ዘረባ የብሉን። መጽሓፍቲ ዝመልአት ዕሽግቲ ባኮ፡ ኣብ ዝባና፡ ”መጽሓፍ ቅዱስ” ዝብል ማሕተም እንተተገብረላ፡ እተን ኣብ ውሽጢ እታ ባኮ ዝርከባ መጽሓፍቲ፡ መጽሓፍቲ ዓለም ኰይነን ክጸንሓ ዝጽበ ሰብ እንተሎ፡ ምስ ጥዕናኡ ዘየለ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ብክርስቶስ ክርስቲያን ተሰሚኻ ከተብቅዕ፡ ”ዕርቡን መንፈስ ቅዱስ ተቐቢለ፡” ቢልካ፡ ጨዲርካን ግዒርካን ከተብቅዕ፡ ኣብ ዝሩግ ህይወትን ኣብ ናብራ ምትላልን ተኣሊኽካ ካብ እትርከብ ደኣ እሞ፡ ካብዚ ብኸመይ ትፍለ፧! ”ግዝረትሲ፡ ሕጊ እንተ ሐሎኻ፡ ትጠቅም እያ እሞ፡ ሕጊ እንተ ኣፍረስካ ግና፡ እታ ግዝረትካ ዘይግዝረት እያ እትኸውን” (ሮሜ2.25)።

እሞ መን ደኣ’ሉ ዝድሕን፧!

መልእኽቲ ሮሜ፡ ሓንቲ ካብተን ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላሽ እተጻሕፋ መልእኽትታት እያ። ”ወንጌል፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ’ውን ንጽርኣዊ፡ ንዚኣምን ዘበለ ዅሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሓፍርን እየ” ዝበለ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ (ሮሜ 1.16) ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ሮሜ 3.21 እዩ ዝቕጽሎ፦ ”ሕጂ ግና እቲ ብሕግን ነብያትን እተመስከረሉ ጽድቂ ኣምላኽ፡ ብዘይ ሕጊ ተገልጸ። ማለት ጽድቂ ኣምላኽ ብምእማን ብኢየሱስ ክርስቶስ ንዝኣምኑ ዅላቶም እዩ፡ በዚ ሌላን ጒሌላን የልቦን እሞ ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ’ውን ስኢኖም በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ በጃ ምሕላፍ፡ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ።

ኣንታ ነዛ ጽሕፍቲ ነቢብካ ዝወዳእካያ፡ ”ጽድቂ ኣምላኽ” ተቐቢልካ ዶ፧ እወ፡ ዝብል ምላሽ እንተዘሂብካ፡ ኣእዳውካ ምስናይ ልብኻ ናብ ኣምላኽ ብምልዓል፡ ነቲ ምእንቲ ሕድገት ሓጢኣት፡ ተሰቒሉ ዝሞተ፡ ምእንቲ ከጽድቐና ድማ መቓብር ፈንቂሉ ዝተንስአ እሞ፡ ሕጂ ኣብ የማን ኣምላኽ ዘሎ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብምልኣት ንኹለትንናኻ ክገዝእ፡ ጐይታኻን ኣምላኽካን ንኽኸውን፡ ዓድሞ። ጽድቂ ኣምላኽ ክትቅበልን፡ ውሉድ ኣምላኽ ብምዃን ድማ ዘልኣለማዊ ህይወትን መንግስቲ ኣምላኽን ክትወርስ ኢኻ።

ብክርስቶስ
ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል