Megedihywet

View Original

ብትግርኛ ኣብዮምሲ፡ ብግእዝ፡ “ሰላም” ኢሎምኒ

ትማሊ ረቡዕ፡ 28 ለካቲት 2024፡ ኣብ ቀብሪ ጓል ሓውትኖይ’ዩ። ”ዲያቆናት ኦስሎ ናብቲ ቀብሪ ክመጹ’ዮም” ዝብል ጽንጽንታ ኣብ እዝነይ ምስ ዓለበ፡ ”ግርም፡ ይሕግዙና’ኳ” ዝብል ምላሽ ጥራይ ኣቕረብኩ። ሰዓታት ቀብሪ ኣኺሉ፡ ኣነን እቲ ክሕግዘኒ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣብ ሰዓቱ ዝተረኽበ ሓደ ዲያቆንን እንተዘይኰይኑ፡ ካልእ ዝመጸ ኣይረኣኹን።

ኣብቲ ቀብሪ፡ ጸሎተ ወንጌል ንኽንበብ፡ ”ተንስኡ” ምስ ተባህለ፡ ካብቶም ቀባሮ፡ ”እግዚኦ ተሳሃለነ” ቢሎም ዘዝይሙ ሰማዕኩ። ቀባሪ ካህን ኣነ እየ ኔረ’ሞ፡ ”ሰላም ለኵልክሙ” ብዝበልኩ ኸኣ፡ እቲ ጥዑም ዜማ፡ ድምቀቱ ወሲኹ ”ምስለ መንፈስከ” ዝብል ምላሽ ተሰምዐ። እቶም ዘዝይሙ፡ ናብዛ ጥቓይ ገጾም ክጽግዑ ኣይደለዩን። ብግእዝ ”ሰላም ንዅልኹም” እንተበልኩ፡ ግና ንሳቶም ድማ ”ንዓኻ’ውን ከምኡ” ማለት ”ምስለ መንፈስከ” እናበሉንስ፡ ክቐርቡኒ ኰነ ሰላም ክብሉኒ ዘይምድላዮም፡ ኣስደመመኒ። ፈሪሳውነት ዝብሃል፡ ኪንዮ ኣብ ጽሑፍን ዛንታን፡ ብፍላይ ኣብዛ ዓመት እዚኣስ፡ ስጋ ለቢሱ እንካ ረኣኽዎ!   

ብሩኽ ቀዳመ-ሰንበት