Megedihywet

View Original

“ሞት ክትመውት ኢኻ” “ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም”

ክልቲኡ ኣብ ኤደን ገነት’ዩ ተዘሪቡ። ክልቲኡ ድማ ኣብ ኤደን ገነት ተሰምዐ።

ምስ ሓጢኣት ፍጹም ጽልኢ ዘይጻልኣካ ወንጌል፡ ወንጌል ክርስቶስ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ካብ ቀጻሊ ንስሓን ምምላስን ዝፈልየካ ወንጌል ከኣ፡ ወንጌል ክርስቶስ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። እቲ ናይ እብራውያን ጸሓፊ፡ ”ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን” እዩ ዝብል (እብ12.4)።

”ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” ዝብል ድምጺ ንምስማዑ ጥዑም’ዩ። ከመዮ ሄዋን ዝበለቶ፡ ”ሠናይ ዕፁ ለበሊዕ፡ ወሠናይ ውእቱ ለርእይ፡ ወሠናየ ያጤይቅ” ማለት ምብላዓ ጥዕምቲ፡ ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ፡ ጥበብ ብምሃባ’ውን እተብህግ” እያ። እቲ ዘኸተለቶ ሳዕቤን፡ እንታይ ምንባሩ ግና፡ ሓደ’ኳ ዘይፈልጥ ዘሎ ኣይመስለንን።

ብኣንጻሩ፡ ”ሞት ክትመውት ኢኻ” ዝብል ድምጺ ኸኣ ንምስማዑ ዘየብህግ፡ ተስፋ ዘቝርጽ ዝመስል፡ ምሕላል ዝተመልኦ ዝመስል ድምጺ’ዩ። ዘማሪ ቅዱስ ዳዊት፡ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና” ክብል ከሎ፡ (መዝ100.3) ጐይታና ኢየሱስ ድማ ”እተን ኣባጊዕ’ውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ። ድምጺ ካልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን፡” በለ፡ (ዮሃ10.4-5)።

እቲ ”ክትመውት ኢኻ” ዝብል፡ ድምጺ፡ ድምጺ መን’ዩ፧ እቲ ”ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” ዝብል ድምጺ ኸ፡ ድምጺ መን’ዩ፧ እተን ኣባጊዕ፡ ድምጺ ጐይታአን የለልያ እየን እሞ፡ ነቲ ንኸይንጠፍእ ”ክትመውት ኢኻ” ቢሉ ዘጠንቅቐ ድምጺ፡ ንዕኡ ዲና ንሰምዕ ዘለና፡ ወይስ ነቲ ናብ ጥፍኣት ንኸሳጥሓና ዓሊሙ ክንሱ፡ ግናኸ ”ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” ዝብል ድምጺ፡ ንዕኡ ኢና ንሰምዕ ዘለና፧!

ድምጺ መን’የ ዝሰምዕ ዘለኹ፡ ፍቕሪ መን’ዩ ኸ ዝነደኒ ዘሎ፧

ኣዳም ናብ ኤደን ገነት ንምእታው ክግብሮ ዝነበሮ፡ ከማልኦ ዝነበሮ ቅድመ-ረቛሒ ኣይነበረን። እግዚኣብሄር ኣምላኽ’ዩ፡ ንኹሉ ኣዳልዩ ንኣዳም ኣብ ኤደን ገነት ዘእተዎ። ኣዳም ንኽወድቕ ኣይተፈጥረን፡ ኣዳም፡ ንኽጠፍእ’ውን ኣይተፈጥረን። ካብታ እግዚኣብሄር ዘእተዎ ኤደን ገነት መንዚዑ ከባርሮ ይኹን፡ ገፊዑ ከውጽኦ ዝኽእል ሓይሊ ኣይነበረን።

ካብታ ”ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ፡” እተባህለትሉ፡ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም፡ ብምርጫኡ ብምብላዑ ግና፡ ከምቲ ዝተባህለሉ፡ ሞተ። እወ፡ እቲ ንኸይመውት እተፈጥረ፡ ሞተ፡ እቲ ንኽቐርብ እተፈጥረ፡ ረሓቐ፣ እቲ ንኽርከብ እተፈጥረ፡ ኣብ ኣእዋም ተሓብአ። እቲ ብድምጺ ፈታዊኡ ክሰራሰር ዝነበሮ፡ ድምጺ ፈጣሪኡ ሰሚዑ ፈርሀን ተሸበረን። እቲ ካብ ኩሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላም እተዓደለ ሰብ፡ ቀባሕባሓይን ሰላም ዘይብሉ ርቡጽን ኰነ።

ኣዳም ነቲ ”ክትመውት ኢኻ” ዝብል ድምጺ፡ ኣይሰምዖን፣ ስለዚ ኸኣ ሞት ሞተ። ኣዳም፡ በቲ ”ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” ዝብል ድምጺ ተታለለ፡ ግናኸ ከምቲ በቲ ጐራሕ ተመን ዝተኣትወሉ ቃል፡ ከም ኣምላኽ ምዃንሲ ይትረፍ፡ ነታ ዝነበረቶ ክብሪ እኳ ክዕቅባ ኣይከኣለን። ነቲ ”ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” ዝብል ድምጺ ብምስዓቡ፡ ”ዕራቑ ኰነ፡ ቈጽሊ በለስ ኣለጋጊቡ ኸኣ ሕፍረት ስጋኡ ክሽፍን ተጋደለ።

ኣባጊዕ ጐይታ ኢና ንብል እንካብ ኰንናስ፡ ንድምጺ ጐይታ ፈሊና ነለልዮ ዶ፧

ንቤተ ክርስቲያን ሳርዴስ፡ ”እቲ ዚስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ፡ ኣነ’ውን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ፡” ክብሎ ከሎ፡ (ራእ3.5) ትርጉም እቲ ”ምፍሓቝ” ዝብል ቃል ነስተብህለሉ ዶ፧ እቶም ብጐይታና ኢየሱስ ዝኣመንናን ንዘልኣለም ንዕኡ ክንስዕብ ዝወሰንናን ዘበልና፡ ስምና፡ ሓንሳእን ንንሓዋሩን ኣብቲ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ’ዩ። ክብሪ ንቕዱስ ስሙ ይኹን! ኣብዚ ምንም ዘጠራጥር የልቦን።

ነቲ እተጸዋዕናሉ ጽውዓ ብቝዓት ኴንና ኣብ ዘይተመላለስናሉ፡ ”ስምካ ክፍሓቝ’ዩ” ዝብል ድምጺ እንተሰማዕና፡ እዚ ድምጺ’ዚ፡ ድምጺ መን ክኸውን ይኽእል፧ ነቲ እተጸዋዕናሉ ጽውዓ ብቝዓት ኴንና ኣብ ዘይተመላለስናሉ፡ ”ስምካ ከቶ ኣይክፍሓቝን’ዩ” ዝብል ድምጺ ኸ፡ ድምጺ መን ክኸውን ይኽእል፧! እተን ኣባጊዕ፡ ድምጺ ጐይታአን የለልያ እየን እሞ፡ ነቲ ንኸይንጠፍእ ዘጠንቅቐና ድምጺ ዶ፡ ወይስ ነቲ ናብ ጥፍኣት ንኸሳጥሓና ዓሊሙ ክንሱ፡ ግናኸ ”ስምካ ከቶ ኣይክፍሓቝን’ዩ” ዝብል ድምጺ፡ ኢና ንሰምዕ ዘለና፧!

ደቂ እስራኤል፡ ካብ ግብጺ ወጺኦም ንባሕሪ ኤርትራ ዝተሳገሩ፡ ከንኣን ንኽኣትዉ እምበር፡ ኣብ በረኻ ምእንቲ ክጠፍኡ ኣይነበረን። ቃል ኣምላኽ ብንጹር ከም ዝሕብረና ግና ” ካባታቶም እቶም ዚበዝሑ ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን፡ ስለዚ ኸኣ ካብ ግብጺ ወጺኦምን ባሕሪ ተሳጊሮምን ከብቅዑ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ናይ ተስፋ ሃገር ክኣትዉ ኣይከኣሉን። ዳርጋ ኵሎም ኣብ በረኻ ተወድኡ (1ቈረ10.5)።

ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዓዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዓሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዜርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉ፡ ተጠንቀቑ። (እብ 3:12)

ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ።  ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። እምበኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር እምበር፡ ጐይታይ ጐይታይ ዝብለኒ ኵሉ መንግስተ ሰማይ ዝኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ  ጐይታይ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፡ ኣጋንንትስ ብስምካ ዶ ኣየውጻእናን ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊ ዶ ኣይገበርናን ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ (ማቴ7.17-23)።

እዞም ሰባት፡ ንጐይታ ይፈልጥዎ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ብስሙ’ውን ትእምርትን ተኣምራትን ዝገብሩ ዝነበሩ እዮም። እቲ ዘገርም ግና፡ ንሳቶም ደኣ ንጐይታ ይፈልጥዎ ኔሮም እምበር፡ ጐይታ ግና ”ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን” እዩ ዝበሎም።

”ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” ክብሃለካ ሰናይ እዩ ዝመስል። ምስ ሓጢኣትካን ምስ ርስሓትካን፡ ምስ ኩሉ ዕያግካን እናሃለኻ፡ ”ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ ኢኻ እሞ፡ ኣይትጠፍእን ኢኻ” እንተተባህለካ ግና፡ እቲ ዜንብብ የስተውዕል!

ኣዳም ናብ ኤደን ገነት ሓንሳእን ንንሓዋሩን እዩ ዝኣተወ፣ ንሕና እቶም ብክርስቶስ ኣሚንና ዘለና’ውን፡ ሓንሳእን ንንሓዋሩን ኢና ናቱ ኴንና ዘለና፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፡ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፡ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ አዘዞ። ኣዳም ካብዚኣ ክሳዕ ዘይበልዐ፡ ካብታ እግዚኣብሄር ዘእተዎ ኤደን ገነት መንዚዑ ከባርሮ ይኹን፡ ገፊዑ ከውጽኦ ዝኽእል ሓይሊ ኣይህሉን።

ሰብ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና፡ ሓንሳእን ንነሓዋሩን’ዩ ወራሲ ዘልኣለማዊ ህይወት ዝኸውን።

ንቤተ ክርስቲያን ሳርዴስ ከም ዝተባህለላ፡ ”ደጊም ከመይ ጌርካ ኸም እተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር፡ ሐልዎ ተነሳሕውን። እንተ ዘይነቓሕካ ግና፡ ከም ሰራቒ ኽመጸካ እየ፡ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካውን ኣይክትፈልጥን ኢኻ” ንዝብል ድምጺ፡ ነዚ ድምጺ እዚ፡ ድምጺ መን ምዃኑ ፈሊና ከነለለዮ የድልየና (ራእ3.3)።

  • ንሰብ ኤፌሶን ከም ዝተባህለሎም ከኣ፡ ”እንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ” (ራእ2.5)

  • ንሰብ ስሚርና ዝተዋህበ መልእኽቲ ”ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ” (ራእ2.10)

  • ንሰብ ጴርጋሞስ ዝተዋህበ መልእኽቲ ” ከምኡውን በዛ መገዲ እዚኣስ ንምህሮ ኒቆላውያን ዝሐዝዎ አለዉኻ። ስለዚ ተነሳሕ” (ራእ2.25-26)

  • ንሰብ ቲያቲራ ዝተዋህበ መልእኽቲ ”ክሳዕ ዝመጽእ ግዳ ነቲ ዘሎኩም ኣጽኒዕኩም ሐዝዎ። ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዚሕሉንሲ፡ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ከሰልጥኖ እየ” (ራእ2.25-27)

  • ንሰብ ፊላደልፊያ ዝተዋህበ መልእኽቲ  ”ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስ፡ ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሐዞ (ራእ3.11)

  • ንሰብ ሎዶቅያ ዝተዋህበ መልእኽቲ፡ ”ምእንቲ ክትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፡ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ፡ እመኽረካ አሎኹ። ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ። (ራእ3.18-19)።

ሞት ክትመውት ኢኻ፡ ከቶ ሞት ኣይትሞቱን ኢኹም ክልቲኡ ኣብ ኤደን ገነት’ዩ ተዘሪቡ። ክልቲኡ ድማ ኣብ ኤደን ገነት ተሰምዐ። እተን ናይ ጐይታ ዝዀና ኣባጊዕ ግና፡  ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ። ድምጺ ካልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን”

እግዚኣብሄር ይባርኽኩንም ይሐሉኹምን።

እግዚኣብሄር ገጹ የብርሃልኩም፡ ጸጋ ኸኣ ይሃብኩም።

እግዚኣብሄር ገጹ ይምለሰልኩም፡ ሰላም ድማ ይሃብኩም!