ቍርሲ ጾመ-ኣርብዓ፡ እንታይ ንግበር፧
“እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ፡ .. እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል ዶ ኣይኰነን፧!” ብዝብል ኢና ክንብገስ (ኢሳ58.7)። ምሳሕ ይትረፍ፡ ቍርሲ ጥራይ ንሓዝ። ቍርስና ብገንዘብ ክትመን ከሎ ከንደይ ይኸውን፧ እግዚኣብሄር ሕጉስ ወሃቢ’ዩ ዝፈቱ እሞ፡ ከየካበድና፡ ዋጋ ሓንቲ ቢኬሪ ሻህን ዋጋ ሓንቲ ባንን ጥራይ፡ ክንደይ ምዃኑ ገሚትና፡ ብአአን ንሕሰብ። ንመንፈሳውነት ካብ ስነ-ሓሳብ ኣውጺእና፡ ብግብሪ፡ ጨው ምድርን ብርሃን ዓለምን ኴንና እንርከበሉ መድረኽ ንምብጻሕ ድማ ንዓልም።
11 መጋቢት 2024 ዝጅምር ጾመ ኣርብዓ፡ ን55 መዓልታት ጸኒሑ፡ ሰንበት 5 ግንቦት 2024፡ ብዝኽሪ ትንሳኤ ጐይታና ክዛዘም’ዩ። ካብዘን 55 መዓልታት፡ ቀዳመ-ሰንበት እንተነከናለን፡ 40 ዘይንቘርሰለን መዓልታት ንረክብ። ስለዚ ናይተን 40 መዓልትታት ቍርሲ፡ ብዋጋ ክንትምኖ ከለና፦
ዋጋ ቍርስና ብ 1.25 እንተገሚትናዮ፡ ናይተን 40 መዓልትታት፡ 50 ዶላር ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ (1.25X40)
ዋጋ ቍርስና ብ 2.50 እንተገሚትናዮ፡ ናይተን 40 መዓልትታት፡ 100 ዶላር ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ (2.50X40)
ዋጋ ቍርስና ብ 5 እንተገሚትናዮ፡ ናይተን 40 መዓልትታት፡ 200 ዶላር ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ (5X40)
ከመይ እንተተገብረ ይሓይሽ ትብሉ፧! እቶም ክትሓብሩና እትደልዩ ኣብዚ ጠውቑ