Megedihywet

View Original

መበል 11 መዓልቲ፡ ባህ ዜብላ ማሕደራት

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚኣብሄር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን አላ” (መዝ27.5)።

ዎ ጐይታ ሰራዊት፣ ማሕደራትካ ኽንደይ ባህ ዜብላ እየን ብምባል ዝጀመረ ጸሓፊ እዛ መዝሙር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን እተን ቀዳሞት 5 ፍቕድታት፡ ዘገርም ሓሳብ ኣቐሚጡ’ሎ።

1.       ኣብ ፍቕዲ ሓደ፡ ማሕደራትካ

2.      ኣብ ፍቕዲ ክልተ፡ ኣጸድ እግዚኣብሄር

3.      ኣብ ፍቕዲ ሰለስተ፡ መሰውኢታትካ

4.     ኣብ ፍቕዲ ኣርባዕተ፡ ቤትካ

ዎ ጐይታ ሰራዊት፣ ማሕደራትካ ኽንደይ ባህ ዜብላ እየን። ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚኣብሄር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን ኣላ፡ ነፍሰይን ስጋይን ንህያው ኣምላኽ እልል ይብላሉ። ዑፍ እኳ ቤት ረኸበት፡ ለዃዅቶ’ውን ጨጫዊታ እተንብረላ ቤት ረኸበት፡ መሰውኢታትካ፣ ዎ ጐይታ ሰራዊት፣ ንጉሰይን ኣምላኸይን። አብ ቤትካ ዚነብሩ ብጹኣን እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ይውድሱኻ።

እቲ ሃረርታን ናፍቖትን ልባዊ ምንባሩ፡ ”ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ አጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ፣ ኣብ ድንኳን ረሲኣን ካብ ምንባርሲ፡ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓለው ደገ ምዃን ይሔሸኒ” በለ።

እቲ ንዘልኣለም ምስኡ ከረስትየና ተስፋ ዝሃበና የሱስ፡ ብርግጽ ክምለስ’ዩ፡ ማራን ኣታ! ናፍቖትና፡ ምጽብባይና ግና ከመይ ኮን ይህሉ፧!

ዝንበብ ክፍሊ:-

መዝሙር 84

ንጸሊ፦

ዎ እግዚኣብሄር፣ ሓይሎም ብኣኻ ዝዀነ፣ ብልቦም ንመገድኻ ዚሐስቡ ሰባት ብጹኣን እዮም፡ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ ዎ ጐይታ ሰራዊት፡ ጽባቐ ማሕደራትካ፡ ክብሪ ኣጸድካ፡ ቅድስና ቤትካ ክሓስብ ንውሽጠይ ክትድርኾ እሞ፡ ነፍሰይ ንኣድካ ሃረር ክትብሎ ክትድግፈኒ እጽሊ ኣለኹ። ቤትካ ክኸውን ሓሪኻኒ ኢኻ’ሞ፡ ብዘሎ ስጋይ፡ ነፍሰይን መንፈሰይን ንኽብርኻ ዘንጸባርቕ ጌርካ መኣዛ ክርስቶስ ክዀነልካ ክትድግፈኒ ድማ እጽሊ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!