Megedihywet

View Original

መበል 14 መዓልቲ፡ እዚ ኽርዳድ ድኣ ካበይ መጸ፧

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። ”መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ እያ እትመስል። እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢ መጸ፡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ፡ ቈጽሉ ምስ ፈርዔን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ። (ማቴ13.24-26)።

ነፍስና፡ ምስቶም ”ስርናይ” ተባሂሎም ዘለው ዶ፡ ወይስ ምስቶም ”ክርዳድ” ተባሂሎም ዘለዉ እያ እትጽብጸብ፧ እቲ ዘራኢ መን’ዩ፧ እቲ ዘርኢ ኸ እንታይ እዩ፧ ሎሚ እነስተንትኖ ሓሳብ እዚ’ዩ።

ኣብቲ ጽሩይ ዘርኢ እተዘርኣሉ ግራት፡ ክርዳድ በቚሉ ምስ ተራእየ፡ ነቲ ብዓል ቤት ግዙኣቱ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካስ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧ በልዎ። ነዚ ሕቶ’ዚ ንሕና’ውን ክንሓቶ ይግብኣና’ዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን እቲ ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዐ ቃል ኣምላኽ ተዘሪኡ ከብቅዕሲ፡ እቲ ኽርዳድ ደኣ ካበይ መጸ፧ ቤተ ክርስቲያን ማለት፡ ኣነን ንስኻትኩምን ማለት’ዩ’ሞ፡ ብፍላይ እቶም ብዝተዀልዐ ቃል-ኣምላኽ ዳግም ዝተወለድና ኣመንቲ፡ እቲ ካብ ውሽጥና ዝወጽእ ክፉእ፡ ካበይ መጸ፡ ቢልና ክንሓትት ግቡእ’ዩ።

 ንሱ ኸኣ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮ፡ በሎም። እቶም ግዙኣቱ ድማ፡ ኬድና ኽንኣርዮዶ ትፈቱ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ በሎም፡ ኣይፋልኩምን፡ ክርዳድ ክትኣርዩ ከለኹምሲ ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉ። ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም። ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ፡ እረይዎ፡ኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎ ክብሎም እየ።

ስለዚ እቲ ጽድቂ ዝገብር ኣዝዩ ጽድቂ ክገብር፡ እቲ ዝረክስ ድማ ኣዝዩ ክረክስ እዩ’ሞ፡ ርእስና ንፈትሽ። ጐይታና ኢየሱስ ነቲ ምስላ ክትርጉሞ ከሎ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ እዩ። እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፡ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ ኽፉእ እዮም። እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፡ እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፡ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም። . . . ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ” በለ።

ዝንበብ ክፍሊ:-

ማቴ13.24-30፣ ፍቕዲ 36-43

ንጸሊ፦

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ቃልካ ደኣ ደጋጊመ ክሰምዕን ከስተንትንን እምበር፡ ቃል ስጋይን፡ ቃል ዓለምን ቃል እቲ እኩይ ፈታንን እናመላእኩ፡ ካብ ምግባር ፍቓድካ ዝሕጥ ከይብል፡ ሓልወኒ። ንስጋይ ቅዱስን ህያውን ንኣኻ ባህ ዘብልን መስዋእቲ ጌረ ምቕራብ ከይርስዕ፡ ንቑሕ ህይወት ክትህበኒ እጽሊ ኣለኹ። ጉርሕን ክፍኣትን ዝመልአ ልቢ ኣውጺእካ፡ ትሑት ብቓልካ ዝርዕድን ንቓልካ ዝእዘዝን ህይወት ሃበኒ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!