መበል 16 መዓልቲ፡ ማይ ብሑቝ
ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ
25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። ”ካልእ ምስላ’ውን ነገሮም፣ መንግስተ ሰማያት፡ ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ ትመስል” (ማቴ13.33)።
ትሪያ-ሳቶን (ሰለስተ ሳቶን) ዝብል ግሪኻዊ ቃል፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ኤፋ ንዝብል መለክዒ ዝውክል’ዩ። ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ (ሓደ ኤፋ) ማለት፡ ሊቃውንት ከም ዝሕብሩና፡ ኣስታት 40 ኪሎ ኣቢሉ ዝበጽሕ’ዩ። ብርግጽ እዛ ኣደ እዚኣ፡ ንቤታን ንርእሳን ጥራይ እትለውስ ዘላ ሰበይቲ ኣይትመስልን። እቲ ምስትንታን እምበኣር ካብዚ’ዩ ዝጅምር። ”ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ” ንዝብል ድማ የዘክረካ፡ (ዮሃ7.38)።
ናብቲ ጐይታና ዝምህረሉ ዝነበረ ዘመን ምስ እንመለስ፡ ዝውቱር፡ ጸሎተ ሕቡን ኣይሁዳዊ፡ ተባሂሉ ዝንገረሉ፦ ”ኣይሁዳዊ (እስራኤላዊ) እምበር ኣህዛብ ጌርካ ስለ ዘይፈጠርካኒ፣ ጭዋ እምበር ባርያ ስለ ዘይገበርካኒ፣ ሰብኣይ እምበር ሰበይቲ ጌርካ ስለ ዘይፈጠርካኒ፡ ተመስገን!” ዝብል፡ ሓደ ብሂል ኔሩ ይብሃል’ዩ።
ሰበይቲ ኣልዒልካ፡ መንግስተ-ሰማይ፣ ማይ-ብሑቝ ዘኪርካ፡ መንግስተ ሰማይ ምጥቃስ ማለት፣ ነቲ እናጐየየ ዝነብብ፡ ንሓጢኣት ምስ ጽድቂ፡ ንጸልማት ምስ ብርሃን ከም ምስምማዕ ክዀኖ ዘይንቡር ኣይኰነን። ማይ ብሑቕ፡ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከም ወካሊ ርኽሰትን ጽያፍን ይጥቀስ’ዩ፦ ”በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ማይ ብሑቝ ካብ ኣባይትኹም ኣውጽኡ” (ዘጸ12.15) ”በተን ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ኣባይትኹም ማይ ብሑቝ ኣይረኸብ” (ዘጸ12.19)፡ ”ኢየሱስ ድማ፡ ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተኣርነቡን” (ማቴ16.6)፡ ቍሩብ ማይ ብሑቝ፡ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ ከም ዜብኲዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” (1ቈረ5.6)።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ ”እቲ ቀዳማዩ ቅዱስ እንተዀነ፡ እቲ ብሑቝ ከኣ ቅዱስ እዩ” (ሮሜ11.16)፣ ”ገንሸል ፋስጋና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም፡ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ” (1ቈረ5.7) ”ስለዚ ብናይ ገርህነትን ሓቅን ብዘይመጸጸ እንጌራ በዓል ነብዕል እምበር፡ በቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ እከይን ሕሰምን ኣይኰነን” ብምባል’ውን ይጠቅስ’ዩ፡ (1ቈረ5.8)።
እቲ ንዘልኣለም ምስኡ ከረስትየና ተስፋ ዝሃበና የሱስ፡ ብርግጽ ክምለስ’ዩ። ግናኸ ማራን ኣታ! ኣሜን ጐይታና ኢየሱስ ንዓ ንምባል ንቑሓት ዶ ኴንና ንህሉ፧!
ዝንበብ ክፍሊ:-
ማቴ13.33
ንጸሊ፦
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ከምቲ ኣብ ራእይ ዮሃንስ፡ ”ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን፡ ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዓዲግካሉ ኢኻ” ዝብል (ራእ5.9)፣ ኣብ ገላትያ ድማ፡ ”ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስክምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም፡ ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን” ይብል’ዩ’ሞ፡(ገላ3.26-28) ኣብዛ መንግስቲ እዚኣ ስለ ዘእተኻኒ፡ አመስግነካ ኣለኹ። ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!