Megedihywet

View Original

መበል 17 መዓልቲ

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራት እተሓብኤ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሓብኦ መዝገብ ትመስል። ብታሕጓስ ከይዱስ ዘሎዎ ዅሉ ሸይጡ፡ ነታ ግራት ዓደጋ”፡ (ማቴ 13.44)።

ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ”እንሆ፡ ንሕና ጥሪትና ዅሉ ሓዲግና ስዒብናካ አሎና” በለ (ሉቃ 18.28) ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ፡ ”ብሓቂ፡ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ” በለ፡ (ፊሊ3.8-9)። ሎሚ እነስተንትኖ ሓሳብ፡ ኣነን ንስኻትኩምን ከ፧ ዝብል’ዩ።

ጐይታና፡ ”ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ፡ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧” ዝብል ሓሳብ ቅድሚ ምዝራቡ፡ ”ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዓበኒ” እዩ ዝበለ፡ (ሉቃ9.23-25)። መንግስተ ሰማያት፡ እተሓብኤ መዝገብ ዘሎዋ ኰይና’ያ ተመሲላ ዘላ። እቲ መዝገብ’ቲ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ዩ። ንጐይታ ዝረኸበት ነፍሲ፡ ከምቲ ጴጥሮስ ዝበሎ፡ ንዅሉ ሓዲጋ ትስዕብ። እወ፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ ድማ፡ ንዅሉ ከም ጐሓፍ ትቘጽሮ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ ህይወትና፡ ቀዳምነት ክወሃቦም ዘለዎም ኣለዉ። ህይወትና፡ ወለድና፡ ኣሕዋትና፡ ደቅና፡ ህዝብና፡ ሃገርና ወዘተ፡ ጐይታ ግና ንኹሎም እዞም ቀዳምነታት ቀዲሙ፡ ንዅለንትናና ይወርሶ።

ከምዚ ተጻሒፉ ዘሎ ጌሩ ንጐይታ ክስዕቦ ዝወሰነ፡ መን ይህሉ፧ መንከ ክኽእሎ ይኽእል፧ ነታ ምስላ ግልብጥ ኣቢልና ንርኣያ። ”ብታሕጓስ ከይዱስ ዘሎዎ ዅሉ ሸይጡ፡ ነታ ግራት ዓደጋ” ዝብል ሓሳብ፡ ካብ ንዓና ንላዕሊ ነቲ ጐይታና ዝገበሮ እዩ ዝገልጽ። ጐይታ፡ ንዓይን ንዓኹምን ምእንቲ ክዕድገና እሞ ንሓዋሩ ድማ ናቱ ምእንቲ ክገብረና፡ ኣምላኽነቱ ከም ምምንዛዕ ከይረኣየ፡ ዘሎዎ ኩሉ ሓዲጉ ክሳዕ ኣብ መስቀል ብምምዋት ብኽቡር ደሙ ዓደገና፡ ክብሪ ንስሙ ይኹን። እሞ ነቲ ከምዚ ጌሩ ዝዓደገናን፡ ዓይኒ ዘይረኣየቶ፡ እዝኒ ዘይሰምዓቶ፡ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሓሰበ፡ ክቡር መዝገብ ከኣ ኣዳልዩ ንዝጽበየና ዘሎ ጐይታ፡ ኵሉ ሓዲግና ክንስዕቦስ፡ ካልእ እሞ ይትረፍ ነቲ ዝገበሮ ውዕለት ከ ክመልሶ ዶ ይኽእል፧!

ጐይታና ኢየሱስ፡ ብርግጽ ክምለስ’ዩ። ግናኸ ማራን ኣታ! ኣሜን ጐይታና ኢየሱስ ንዓ ንምባል ንቑሓት ዶ ኴንና ንህሉ፧!

ዝንበብ ክፍሊ:-

ማቴ13.44

ንጸሊ፦

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ከም መግለጺ ፍቕረይን ናይ ፍታው ውህበተይን፡ ካብተን ንስኻ ዝሃብካኒ 24 ሰዓታት፡ ዕሽር’ኳ ትኹን ምሳኻ ዘይሕልፈን ምዃነይ፡ እናሕዘነኒ እንሳሕ ኣለኹ። ኣብ ቤትካ ምንባር፡ ምሳኻ ምውዓል፡ ምሳኻ ምሕዳር ኣለማምደኒ። እናሰራሕኩ ክሓስበካ፡ እናኸድኩ ክዝክረካ፡ ኣብ ምእታወይን ምውጽአይን፡ ኣብ ምድቃሰይን ምትንስአይን፡ ሳህልኻ ብመዓልቲ፡ መዝሙርካ’ውን ብለይቲ ምሳይ ክኸውን፡ ንዓኻ ቀዳምነት ዝህብ ህይወት ክህልወኒ፡ ብሂገ፡ እጽሊ ኣለኹ። ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!