Megedihywet

View Original

መበል 18 መዓልቲ፡ ክብርቲ ዕንቍ

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። “መንግስተ ሰማያት፡ ጽብቕቲ ዕንቍ ዚደሊ ነጋዳይ ትመስል። ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምስ ረኸበ፡ ከይዱ ዘሎዎ ኵሉ ሸጠ እሞ፡ ዓደጋ። (ማቴ 13.45-46)።

ኣብ ዓለምና ክብረ-ወሰን ጨቢጣ ዘላ ክብርቲ ዑንቍ፡ 27.65 ኪሎ ዝሚዛና ክትከውን ከላ፡ ኣብርሃም ራየስ እተባህለ፡ ፊሊፒናዊ-ካናዳዊ ዝውንና እያ። ትርኢታ ክንዲ ዕሸል ክውለድ ከሎ ዘለዎ ግዝፊ ኰይና ዓባይ ስኒ ድማ ትመስል። ኣባሓጐኡ ንኣብርሃም ብ1959 ዓም ካብ ሓደ ገፋፍ ዓሳ ክዕድግዋ ከለዉ፡ ዋጋ እተውጽእ ኣይመሰለቶምን። ከም መዘከርታ ስድራ-ቤታዊ ውርሻ ክትከውን ብምሕሳብ ግና ኣቐሚጦማ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብውርሻ ናብ ኣብርሃም በጽሐት። ኣብ ዓመተ 2019፡ ኣብርሃም፡ ነታ ክብርቲ ዕንቍ ሒዙ ኣብ ሃገረ ኣመሪካ ናብ ዝርከብ Gemological Institute of America ድሕሪ ምኻድ፡ 90 ሚልዮን ዶላር ክበጽሕ ዝኽእል ክብሪ ዘለዋ ክብርቲ ዕንቍ ምዃና ተበሰረ።  

ኣብርሃም ነዛ ክብርቲ ምዃና ተረጋጊጻትሉ ዘላ ህያብ፡ ብኸመይ ዝበለ ዓብዪ ጥንቃቐ ሒዝዋ ከም ዘሎ፡ እቲ ንመትሓዚኣ ኢሉ ብ22 ካራተ ወርቂ ዘስርሖ ቅርጻዊ መትሓዚ፡ ጥራይ እኹል ምስክር’ዩ። ኣብ ኣብያተ መዘክር ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም እናዞረ ከርእያ ከም ዝደሊ’ውን ኣብ እዋኑ ተዛሪቡ ነበረ። ”መንግስተ ሰማያት፡ ጽብቕቲ ዕንቍ ዚደሊ ነጋዳይ ትመስል” በለ ጐይታ፡ ”ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምስ ረኸበ፡ ከይዱ ዘሎዎ ኵሉ ሸጠ እሞ፡ ዓደጋ።”

ዚደሊ፡ ዚረክብ እሞ፡ ዘሎዎ ሸይጡ ድማ ዝዕድግ ነጋዲ፡ ኢና ንርኢ ዘለና። ሎሚ እነስተንትኖ ሓሳብ፡ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ዝደሊ ህይወት ክህበና፡ እዩ። ንጉስ ሰሎሞን ንጥበብ ክገልጻ ከሎ፡ ”ጥበብ ካብ ኣዕናቝ ትበልጽ እያ፡ ክቡር ዘበለ ዅሉውን ኣይመዓራረያን እዩ” በለ፡ (ምሳ8.10)። ካብ ቃል ኣምላኽ ዝበልጽ ካልእ ጥበብ ክህሉ ከም ዘይክእል፡ ”ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ አሎ” ተባሂሉልና ኣሎ (ቆሎ2.3)። ነዚ ጥበብ እዚ ወጊድናስ ካልእ ጥበብ ዶ ነናዲ ንህሉ ንኸውን፧

ጐይታና ኢየሱስ፡ ብርግጽ ክምለስ’ዩ። ግናኸ ማራን ኣታ! ኣሜን ጐይታና ኢየሱስ ንዓ ንምባል ንቑሓት ምህላውና ነስተብህል።

ዝንበብ ክፍሊ:-

ማቴ13.45-46

ንጸሊ፦

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርንሲ ሕጊ ኣፍካ ይሔሸኒተባሂሉከምዝተጻሕፈ (መዝ119.72) ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ፣ ብቓልካ ባህ ክብለኒ፡ ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሔ ዚሕጐስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጐስ ከም እተንብር ኣሚነ ኸኣ፡ ንኹሉ እዚ ሓላፊ ነገር ቀቢጸ፡ ኣሎኒ ዝብሎ ኩሉ ሓዲገ፡ ክስዕበካ ርድኣኒ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!