Megedihywet

View Original

ዓመተ 2022 ከመይ ሓለፈት፧

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ዓመተ 2022

ቤተ ክርስቲያንና ከምዚ ዓመት'ዚ ጌራ ነጠፍጠፍ ኣይበለትን። ዝምድናታት ወጻኢ ብርኡይ ተመሓይሹ፡ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንበረ እስክንድርያን ኣንጾክያን ሓሊፋ ካብ መንበረ ጴጥሮስ ሮማ፡ ክሳዕ'ታ ሳልሰይቲ ሮማ ቢላ ንርእሳ እትሰሚ ሩስያን ቤተ ክርስቲያን ግሪኽን ርክባት ኣደልደለት።

ቤተ ክርስቲያንና ከምዚ ዓመት'ዚ ጌራ'ውን ኣይተሓመሰትን። ኣብ ዳላስ፡ ኦስሎ፡ሱንድስቫል ብዙሕ ዕያግን ዕግርግርን ተሰምዐ። ኣቡነ እንጦንዮስን ኣቡነ ቄርሎስን ክልቲኦም ኣብዚ ዓመት’ዚ’ዮም ዓሪፎም።

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ብምብራቕን ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ፡ ክልተ ጊዜ፡ ዕርቂ ክግበር ጻውዒት ዘቕረበ ክኸውን ከሎ፡ ዛጊት ዝተጀመረ መስርሕ ዕርቂ ከም ዘሎ ግና ዝተሓበረ የለን።

ብኣቡነ ሲኖዳ ዝምራሕ ሳልሳይ ክንፊ'ውን፡ ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ መዓርጋት ብምሃብን፡ ጽላት ብምዕዳልን እንበለ-መጠን ዝተጓየየ ክኸውን ከሎ፡ ዛጊት ኣብ ሞንጎ ኣቡነ ሲኖዳን ኣቡነ መቃርዮስ'ውን ዝተኣወጀ ዕርቂ ኣይሰማዕናን። ቤተ ክርስቲያን ከመይ ኣላ፧ ኣንፈት ጉዕዞኣ ኸ ናበይ ኣቢሉ'ዩ ዝእንፍት ዘሎ፧

ለቡ፦

ህሉው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን፡ ብዝመስለና ጥራይ ክንግምግሞ ርትዓዊ ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮነ ኣብ ግዳም፡ ቤተ ክርስቲያን እንታይ እናገበረት ንዓመተ 2022 ከም ዘሕለፈታ፡ ገለ ስእሊ ንምርካብ እንተሓገዘ፡ ነዚ መራሪጸ ኣቕሪበዮ ዘለኹ፡ በብእዋኑ ዝተፈነወ ዜናታት ቤተ ክርስቲያን ምውካስ ሓጋዚ’ዩ። ጠቓሚ ዝበልኩሞ ሓሳብ ምጽሓፍ ድማ ኣይትረስዑ!

ሰናይ ንባብ!

ጥሪ 2022

10 ጥሪ - ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ነቶም ኣብ ነሓሰ 2021 ዝተሾሙ፡ ሽዱሽተ ሓደስቲ ጳጳሳት ብምጽንባር፡ ናይ ዓመተ 2022 መጀመርታ ጉባኤኡ ኣካይዱ።

20 ጥሪ- ደብረ ደናግል ገዳም ቅድስት ድምያና ንምድኳን፡ ኣብ ኣስመራ ኣብቲ ፍኖተ ብርሃን ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ፡ እምነ መሰረት ተነቢሩ!

ለካቲት 2022

04 ለካቲት- ካብ ገዳማት ሓደ፡ ካብ ሊቃውንት ክልተ፡ ካብ ውሉደ ክህነት ክልተ፡ ካብ ትምህርተ ሰንበት ኸኣ ክልተ ብሓባር ዘቝምዋ፡ 7 ዝኣባላታ ኣጻራይት ኮሚቴ ኣንጻር ምትእትታው መናፍቕነት ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ኣስመራ ቆይማ።

09 ለካቲት - ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ድሕሪ ናይ 16 ዓመታት ማሕዩር’ዮም ብ09 ለካቲት 2022 ዓሪፎም። ንጽባሒቱ 10 ለካቲት ድማ በቈጻጽራ ኤርትራ ረፋድ ሰዓት 10፡ ኣብ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ብገዳማውያን ኣቦታት፡ ስርዓተ ቀብሮም ተፈጺሙ።

ኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል ኦርቶዶክስ፡ ግብጺ፡ ኣርመን፡ ሶርያን ማላንካራ ዘህንድን ብምኽንያት ሞት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፡ ሣልሳይ ፓትርያርክ ወርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሃገረ ኤርትራ፡ መግለጺ ሓዘን ከውጽኣ ከለዋ፡ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ግና፡ መግለጺ ሓዘን ኣየውጽአትን።

መጋቢት 2022

09 መጋቢት- ኣቡነ ቄርሎስ ዘኤርትራ፡ ናብ ኣቡነ ማትያስ ዘኢትዮጵያ ብምኽንያት ኅልፈተ ሕይወት ኣቡነ መርቆሬዎስ ፓትርያርክ ዘኢትዮጵያ፡ መግለጺ ኃዘን ልኢኾም።

17 መጋቢት -ብጳጳስ ዲበ ኵሉ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዚመሓደሩ ልኡኻት፡ ምስ ፖፕ ቴዎድሮስ ዳግማዊ፡ ፓትርያርክ ዘመንበረ ቅዱስ ማርቆስ እስክንድርያ ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ዕረፍቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕትን፥ ሰፊሕ መግለጺ፥ ከም ዘቕረቡ ተሓቢሩ። ኣብቲ ርክብ፡ መንበረ ማርቆስ ንሰማዕትነት ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ሕቶ ከም ዘይተእትዎን፥ “ሰማዕት እንበለ ደም” ተባሂሎም ኪጥቀሱ ከም ዝግባእን፡ እዚ ኸኣ ንመላእ ሕዝበ ክርስቲያን ኪሕበር ከም ዘለዎን፡ ፖፕ ቴዎድሮስ ዳግማዊ፥ ኣፍሊጦም። ቅዱስነቶም፡ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ፍቕርን ሓድነትን ንምስፋን ብዝከኣሎም ዘበለ ኪሰርሑ ምዃኖም ገሊጾም

30 መጋቢት - ንስርዓተ ትምህርቲ (Curriculum) ኣብያተ ትምህርት ሰንበት ዝምልከት ጉባኤ፡ ኣብ ኣስመራ ተኻይዱ!

ሚያዝያ 2022

16 ሚያዝያ -ፖፕ ቴዎድሮስ ፓትርያርክ ዘግብጽ ናብ ኣቡነ ቄርሎስ መልእኽቲ ሰላምታን ፍቕርን ሰዲዶም!

23 ሚያዝያ፦ ኣቡነ ቄርሎስ፡ ብምኽንያት በዓለ ትንሣኤ፡ ናብ ኣኃት ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያናትን፡ ንገለ ካብ ኣብያተ ክርስቲያናት ምሥራቅ ኦርቶዶክስን ከምኡ’ውን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣባል ዝኾነትሎም ነንበበይኖም ማኅበራትን ኣብያተ ምኽርን መልእኽቲ ትንሣኤ ሰዲዶም።

26 ሚያዝያ- ቀዋሚ ጉባኤ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል፡ ኣብ ኒው ጄርሲ ተጋቢኡ፡ ብዛዕባ ርክባት ምብራቕን ኦሬንታል ኦርቶዶክስን፡ ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ሶርያ፡ ኣርትሳክን ዩክሬይንን፡ ከምኡ’ውን ካልኦት እዋናውያን ጉዳያት ኣልዒሉ ከም ዝተዘራረበ፡ ኣብ ወግዓዊ ገጽ እቲ ቀዋሚ ጉባኤ ዝወጸ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣብዚ ጉባኤ’ዚ፡ እቲ ብኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ፡ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና እዩ ተሳቲፉ።

ሚያዝያ (ዕለት ኣይተጠቕሰን) - ላዕለዋይ መንፈሳዊ ጉባኤ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ዘተኰረ መልእኽቲ፡ ናብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዘእስክንድርያ ከም ዝለኣኸ፡ ዋና ጸሓፊ እቲ ላዕለዋይ ጉባኤ፡ ቀሺ ሓለፎም ዓምደማርያም ኣፍሊጦም።

ግንቦት 2022

6 ግንቦት - ልኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ምስ ናይ ግሪክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ርክብ ኣካይዶም!

11 ግንቦት - ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ሊቀ ጳጳስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተመርሐ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ፡ ኣብ ሃገረ ደቡብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳንን ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዱ

12 ግንቦት -ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን ኮይኖም ከገልግሉ ዝተመደቡ ኣቡነ ኤልያስ፡ ናብ ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ ኣትዮም።

12 ግንቦት -ሓሙሽተ መነኮሳት ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ተኣሲሮም

ሰነ 2022

4 ሰነ- ወ/ሮ ጽገወይኒ መኮነን በዓልቲ ቤቶም ነቶም ብእምነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ፡ ኣቦይ ቀሺ ገብረ-መድህን ገብረ-ጊዮርጊስ ዓሪፈን።

16 ሰነ - ቀዳማይ ዓመት በዓለ ሢመት ፓትርያርክ ኣቡነ ቄርሎስ ተባዒሉ

23 ሰነ - ቀዋሚ ጉባኤ ኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል ኦርቶዶክስ ኣብ ኣመሪካ፡ ናይ እዋን ክራማት ኣኼባኡ ብዝተጋብአ ኪኸውን ከሎ፡ ንቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ብምውካል፡ ቀሺ ፕሮፈሰር ኣትናቴዎስ ገብርኣብ፡ ቀሺ ዶክተር ተስፋኦም ኣብርሃለይ፡ ዲያቆን ፕሮፈሰር ብርሃነ ስዩምን ዲያቆን ዶክተር ኤፍረም ኣብርሃን ከም ዝተሳተፉ ተፈሊጡ።

ሓምለ 2022

01 ሓምለ፦ ኣብ ኣመሪካ፡ ካብ ሓሙሽተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝመጹ፡ ኣስታት 280 ዝኾኑ መንእሰያትን ወለድን፡ ብካህናት ተመሪሖም ኣገደስቲ ትሕዝቶ ዘሎዎ ትምህርትታት፥ ሰሚናራት፥ ዘተን ዎርክሾፕን ሓጸርቲ ድራማታትን ዝሓቖፈ ጉባኤ ኣካይዶም። እዚ ጉባኤ’ዚ ብቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ ዝምእከል እዩ።

06 ሓምለ፦ ብኣቡነ ቄርሎስ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ናብ ግብጺ ኣትዩ! ወከልቲ ግብጽን ኤርትራን ንክልቲኤን ኣብያተ ክርስቲያን ዘገድሱ ዓበይቲ ጉዳያት፡ ዕጹው ኣኼባ ብምክያድ ተሰማሚዖም። ዝተዋህበ ዝርዝር የልቦን።

14 ሓምለ- መበል 24 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ፡ ካብ 14 ክሳብ 17 ሓምለ ተኻይዱ።

14 ሓምለ፡ - ጳጳስ ዲበ-ኵሉ ብፁዕ ኣቡነ መ ቃ ር ዮ ስ ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ን ዝ ር ከ ቡ ም እ መ ና ን መ ን ፈ ሳ ዊ ቡራኬን ኣባታዊ ቃለ ምዕዳንን ንምሃብ፡ ካብ 14-20 ሓምለ 2022 ኣትሒዞም ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዶም።

16 ሓምለ - ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝወጽኦ መግለጺ፡ ዕርቂ፡ እቲ ኣማራጺ ዘይብሉ ፍኖተ-ትንሣኤ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንኹሉ ውሉድ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ዘሳተፈን ልዑላውነትን ቤተ ክርስቲያን ከኣ ዘረጋግጽን ቀኖናዊ ዕርቂ ክግበር፡ ካብዚ ወጻኢ ዝግበር ጐናዊ ዕርቂ ግና ከም ዘይቅበል ኣፍሊጡ።

24 ሐምሌ፦ ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝተመርሐ፡ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ሃገረ ሃገረ ዛምብያ ሓዋርያዊ ዑደት ኣካዪዱ!

ነሓሰ 2022

05 ነሓሰ፦ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብያተ ትምህርት ሰንበት ተኻይዱ!

05 ነሐሴ -ቀዳማይ ዙርያ ዛዘምቲ ደረጃ ዲግሪ ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ናይ መዛዘሚ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣቕሪቦም!

15 ነሓሰ፦ ኣቡነ ቄርሎስ ዘኤርትራ፡ ብምኽንያት ኅልፈተ ሕይወት 40 ምእመናን ግብጺ ናብ ኣቡነ ቴዎድሮስ መግለጺ ኃዘን ልኢኾም።

30 ነሓሰ፦ ልኡኻን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ መኽፈቲ መበል 11 ሥነ ሥርዓትን ወግዓዊ ምጅማርን ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ካርልስሩወ፡ ደቡባዊ ምዕራብ ጀርመን ተሳቲፎም።

መስከረም 2022

07 መስከረም- ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ንዝቅጽል ሾሞንተ ዓመታት ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ኮይና ከተገልግል ተሓርያ

15 መስከረም፦ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ሥነ ጥበባውያንን ስፖርታውያንን “ንቤተ ክርስቲያን ንፍለጣ ንክንፈልጣ ድማ ንስዓባ።” (ሆሴ 6፥3) ብዝብል ቴማ ንአስታት 6 ወርኂ ክወሃብ ዝጸንሐ መሠረታዊ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ሃይማኖትን ሥነ ምግባርን፡ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ አዳራሽ ፍኖተ ብርሃን መዕጸዊ መደብ ተጌሩሉ።

17 መስከረም - ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴን መንፈሳዊ ኮለጅ ፍኖተ ብርሃንን፡ ብመዓልታውን ምሸታውን ክምህሮኦም ዝጸንሓ 221 ተመሃሮ ትማሊ 17 መስከረም ኣመሪቐን።

18 መስከረም- መበል 70 ዓመት ምምሥራት ትምህርት ሰንበት ብፍሉይ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ብክፍሊ ትምህርት ሰንበት ዘመንበረ ፓትርያርክ ተባዒሉ

ጥቅምቲ 2022

22 ጥቅምቲ- ሊቀ ጳጳስ ላዕለዋይ ልኡክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ግሪክ ብፁዕ ኣቡነ ዳንኤል ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ሓዋርያዊ ዑደት ንምፍጻም ኣስመራ ኣትዮም

27 ጥቅምቲ - ኣብ ግብጺ ዝተኻየደ፡ ሥሉሳዊ ጉባኤ ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ግብጺ፡ ሶርያን ኣርመንን ንሓድሽ ምዕራፍ ዝምድና ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት ግብጽን ኤርትራን ሞጒሱ!

ሕዳር 2022

01 ሕዳር - ምእመናን ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ሎስ ኣንጀሎስ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን ይቕሬታ ብምሕታት ብወግዒ ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ብሕጊ ቃለ ዓዋዲ ከም ዝመኃደሩ ብጉባኤ ኣፍሊጦም!

ታሕሳስ 2022

02 ታሕሳስ፦ ሓምሻይ ፓትርያርክ ኰይኖም ዝተሾሙ፡ ኣቡነ ቄርሎስ፡ ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድመኦም ኣብ መንበሪ ቤቶም ብሰላም ዓሪፎም። ብ 8 ታሕሳስ 2022 ድማ ወከልቲ ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ኣብ ገዳም ደብረ ምዕዋን አቡነ ብፁዓ አምላክ ተቐቢሮም።

07ታሕሳስ - ፖፕ ቴዎድሮስ ካልኣይ ብዛዕባ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣመልኪቶም፡ ምፍልላያት ኣብቂዑ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጓሳ ብምዃን ክጥርነፉ ጸዊዖም

07 ታሕሳስ- መንበረ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ብምኽንያት ሞት ኣቡነ ቄርሎስ መግለጺ ኃዘን ሰዲዳ፡

09 ታሕሳስ- ኣብ ቀብሪ ኣቡነ ቄርሎስ ንምስታፍ ዝመጹ ልኡኻን ሲኖዶስ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ ኣኼባ ኣካይዶም።

14 ታሕሳስ- ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ጳጳሳት፥ ውሉደ-ክህነት ምእመናንን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምውጻእ፡ ዕርቂ ክግበር ጸዊዑ።

15 ታሕሳስ- ዓመታዊ ዝካየድ ጉባኤ ኦርየንታል ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያን፡ ኃላፊ ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያን ብፁዕ ኣቡነ ሩፋኤል ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ናይ ኵለን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያን ካህናት፡ ዲያቆናት፡ መዘምራን፡ ምእመናንን ምእመናትን ዝተሳተፍዎ ጉባኤ፡ ኣብ ግብጺ ተኻይዱ።

22 ታሕሳስ- ኣብ ከተማ ዳላስ ግዝኣት ቴክሳስ ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ዝርከቡ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ምርጫ ሰበኻ ጉባኤ ኣካይዶም!