ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብ ዓመተ 2023
ዓመተ 2023 ትዛዘም ኣላ። ገዳም ደብረ ቢዘንን ሲኖዶስ ኣስመራን ጉዳዮም ብዕርቂ ከም ዝዛዘሙ፡ ኣብ ደገ ድማ፡ ብኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ተፈላልዮም ክመሓደሩ ዝጸንሑ ክልተ ጉጅለ፡ ብሓደ ክሓብሩ ምውሳኖም፡ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ካብ ዝተኸታተልናዮም ፍጻመታት እዮም።
ኣስመራ፡ ጽሙማን ኣገልግሎት ዝረኽቡሉ ብምሕላይ፡ 40 ዝዀኑ ተምሃሮ ብምልክት ቋንቋ ኣሰልጢና ኣብ ቤተ ክርስቲያን መካነ ህይወት ከም ዝመረቐቶም፡ ኣብ ግብጺ ድማ ወኪል ሲኖዶስ ኤርትራ ዝዀኑ ቀሺ ብርሃነ ተስፋማርያም፡ ብትምህርቲ ስነ መለኮት ብቐዳማይ ዲግሪ ከም ዝተመረቑ፡ ኣብ ኤውሮጳ’ውን፡ መጋቤ ኣእላፍ ቀሺ ዮሴፍ መርሓጽዮን፡ ኣብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ ንኽምሃሩ፡ ማህደረ ትምህርቲ ከም ዝረኸቡ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ ዝሰማዕናዮ፡ ዘሐጕስ ዜና’ዩ።
ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብ ዓመተ 2023 ከመይ ከም ዘሕለፈቶ፡ ባዕላ’ያ ትፈልጦ። እቲ ብመልክዕ ዜና ዝጸሓፍ፡ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሓፈሻዊ ስእሊ እታ ቤተክርስቲያን ብዝግባእ ከርኢ ዝኽእል’ውን ኣይኰነን። ዝዀነ ኾይኑ፡ ገል ሃሳስ ስእሊ ንምሃብ እንተሓገዘ፡ መራሪጸ፡ ገለ ዜናታት ኣቕሪበ’ለኹ። ሰናይ ንባብ
ጥሪ 2023
06 ጥሪ፡ ኣብ ኣዳራሽ ኮሌጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ፡ ንኅሉፍን መጻኢን ኵነታት መናፍቓን ብሓፈሻ፡ ተሐድሶ መናፍቓን ኣብ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ዝምልከት ጉባኤ፡ ተኻይዱ።
11-12 ጥሪ፡ መምህራን፡ ተማሃሮን ስታፍ ምምሕዳርን ኮሌጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ፡ ደም ለጊሶም።
12 ጥሪ፡ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣስመራ፡ ብኽፍሊ ስብከተ ወንጌል ዝተዳለወ፡ ስብከተ ወንጌል ንምሕያል ዝዕላማኡ ጉባኤ፡ ኣካይዱ።
16 ጥሪ ቤተ ንባብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣቐዲሞም ኣብ ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን፡ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፡ ቅድስት ሃገር እስራኤልን ኣፍሪቃን ብዝርከቡ ገበርቲ ሠናይ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብዝተወፈዩ መጻሕፍቲ፣ ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ከም ዝርከብ፡ ቀሺ መንግሥተአብ በየነ፡ ሓላፊ ቅርስን መዘክርን ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ ገሊጾም።
13 ጥሪ፡ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ተጋቢኡ፡ ኣብ ጉዳይ ምርጫ 6ይ ፓትርያርክ ክግበር ብዛዕባ ዝግብኦ ቅድመ ምድላዋትን ምውሳን ዕለተ ምርጫን ሢመትን ብምዝታይ ኣብ ምርድዳእ ከም ዝተበጽሐ ተሓቢሩ።
22 ጥሪ፡ መበል 40 መዓልቲ ዕረፍቲ 5ይ ፓትርያርክ ኣቡነ ቄርሎስ፣ ዓቃቤ መንበር ዘፓትርያርክ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ብፁዕ ኣቡነ ጳውሎስ፡ ገዳማውያን ኣቦታትን ኣደታትን፡ ሊቃውንት መምሃራን፡ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ፣ ኣብ ገዳም ደብረ ምዕዋን ኣቡነ ብፁዓ አምላኽ፡ ተጌሩ።
27 ጥሪ፡ ልኡኽ ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ዋና ኣመሓዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ ብፁዕ ኣቡነ ታዴዎስን ምክትል ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ሊቀ ካህናት ሳሙኤል ጸጋይን ኣብ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዶም።
28 ጥሪ፡ ሓባራዊ ጸሎተ ቅዳሴ ኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል፡ ወከልቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ግብጺ፡ ሶርያ፡ ኣርመን፡ ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብ ዝተረኽቡሉ፣ ኣብ ግብጺ፡ ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ማርቆስ ኣልኣዝባክያ (Alazbakeya) ተኻይዱ።
31 ጥሪ፡ ልኡኽ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፣ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ኣቡነ ሳዊሮስ፡ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፡ ኣቡነ ጳውሎስን ምክትል ኣመኃዳሪ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ ዲያቆን ግርማይ ዘርኣይን፡ ክልተኣዊ ዘተ፡ ካቶሊክን ኣብያተ ክርስቲያናት ኦርየንታል ኦርቶዶክስን ዓመታዊ ጉባኤኡ፡ ኣብ ግብጺ፡ ኣብ ኣዳራሽ ቤተ መጻሕፍቲ ማእከል ሎጎስ ከም ዝተሳተፉ ተገሊጹ።
ለካቲት
03 ለካቲት፡ ልኡኽ ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ምስ ፖፕ ቴዎድሮስ ካልኣይ ሓጺር ርክብን ዝርርብን ከም ዘካየዱ ተሓቢሩ።
02 ለካቲት፡ ንስብከተ ወንጌል ዝምልከት፡ ምድላው ግጻዌ ዝዓለመ ጉባኤ፡ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተኻይዱ።
07ለካቲት፡ ልኡኽ ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ኣብ ሃገረ ደቡብ ሱዳን ን11 መዓልታት ዝነበሮ ናይ ሥራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ፣ ናብ ሃገረ ሱዳን ከተማ ካርቱም ከም ዘቕንዐ ተገሊጹ።
10 ለካቲት፡ ንሕትመት ጽሑፋት ዘገልግል ብገበርቲ ሰናይ ካብ ሃገረ ጀርመን ዝተላእከ፡ ሳልሳይ ክፋላት ማሽን፡ ንቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ኤርትራ ከም ዝተረከበ ተገሊጹ።
12 ለካቲት፡ ብኣቡነ መቃርዮስ ዝምእከል ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና፡ ዝኽሪ ቦኽሪ ዓመት፡ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ: ጸሎተ-ፍትሓት ከም ዝግበር ኣፍሊጡ።
16 ለካቲት፡ ኣብ ገዳም ደብረ ድማኅ አቡነ መርቆሬዎስ መምህር ቅኔን ኣበምኔትን ዝነበሩ መምህር ዕዝራ ክብረኣብ፡ ስነ ርዓት ቀብሮም ኣብቲ ገዳም ከም ዝተፈጸመ ተሓቢሩ።
25 ለካቲት፡ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ዘይምዱብ ኣኼባ ኣካይዱ። ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።
27 ለካቲት፡ ንምምሕዳራዊ ቅርጺን ሥርዓተ ደሞዝን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣርእስቲ ዝገበረ ጉባኤ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተኻይዱ።
ሚያዝያ
18 ሚያዝያ፡ ብኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ መንበረ ጵጵስና ምስቲ ብኣቡነ ሲኖዳ ዝምራሕ ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያን፡ ምሉእ ውህደትን ዕርቅን ከም ዝገበሩ ተገሊጹ።
ግንቦት
01 ግንቦት፡ “መንካዕ” ዝብል ጽሑፍ፡ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ፡ ልሳን ተዋሕዶ ተዘርጊሑ። “መንካዕ” ንኣንጭዋ እንተ መሰለት፡ ኣንጭዋ ከም ዘይትበሃል፣ ብመንገብገባ እንተነፈረት`ውን ዑፍ ተባሂላ ከም ዘይትጽዋዕ፣ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝንቀሳቐሱ መናፍቃዊ ተሓድሶ ኮነ ዝተነጸሉ ወገናት ድማ ካብዚ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን ዝብል ትሕዝቶ ድማ ይርከቦ።
08 ግንቦት
ሲኖዶስ ኣስመራ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ዝተገብረ ዕርቂ፡ “ካብ ማእከልነት ሲኖዶስ ኣስመራ ብውግዘት ዝተፈልዩ ሃገሮምን ቤተክርስቲያኖምን ጠሊሞም ኣብ በዓትታት ወጻኢ ዝሓከሉ፡ ብኣባ ምሕጽንተን ኣባ መቃርዮስን ዝምርሑ ጉጅለ ተሓድሶ መናፍቓን” ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ዕርቂ ከም ዝዀነኖ ኣፍሊጡ።
ግንቦት 17
ዋና ኣመሓዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ኣብ ሃገረ ኣውስትራልያ ሓዋርያዊ ዑደት ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።
ሰነ
03 ሰነ፡ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ ‘ዘንብብ ይዕንብብ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል፡ ኣቐዲመን ብዲያቆን ዓወት ሠመረ ዝተሰናድኣ፡ ‘ክርስቲያናዊ ሕይወት መንእሰያት’ ከምኡ ድማ ‘ጕዕዞ ናብ እግዚአብሔር’ ዝብላ መጻሕፍቲ መሪቑ።
03 ሰነ፡ ብንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ ዝተዳለወ፣ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ብፁዕ ኣቡነ ጳውሎስ፡ መራሒ ሥራሕ መጋቤ ሃይማኖት ቀሲስ ዘርእሠናይ ቀሲስ ሰሎሞንን ልዕሊ 40 ዝኾኑ ካህናትን ዲያቆናትን ዘሳተፈ ጉባኤ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሰላም ቅዱስ ዑራኤል፡ ኣብ ከተማ ሊቨርፑል ከም ዝተኻየደ ተፈሊጡ።
07 ሰነ፡ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ከተማ ኢንዲያናፖሊስ ዝርከባ ኣብ ትሕቲ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝመሓደራ ኣብያተ ክርስቲያን ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረትን ቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእክትን፣ ኣብ ዝኃለፈ ነዊኅ ዓመታት ተፈላልየን ድኅሪ ምጽናሕ፡ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን ብፁዕ አቡነ ኤልያስ፡ ኣብ ዝተረኽቡሉ መስርሕ ዕርቀ ሰላም ከም ዝተፈጸመ፡ ተገሊጹ።
07፡ ካብ ምሕደራ ሲኖዶስ ኤርትራ ተፈልዮም ዝጸንሑ ምእመናን ሰዋስወ ብርሃን ደብረ ኢየሱስ ሂዩስተን፣ ብመሪሕነት ጳጳስ ኣሜሪካን ካናዳን ብፁዕ ኣቡነ ኤልያስ ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ፣ ንምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተኣዚዞም ክኸዱ ምውሳኖም ተፈሊጡ።
22 ሰነ፡ ንሓድነትን ዕቤትን ቤተ ክርስቲያን ዕላማ ብምግባር ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ብዛዕባ ዝተገብረ ዑደት ዝዘተየ ጉባኤ፡ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተኻይዱ።
ነሓሰ
06 ነሓሰ፡ ብኣቡነ መቃርዮስ ዝምእከል፡ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ፡ ”ንዓይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ” (መዝ 73:28) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ፡ መበል 25 ዓመት ጉባኤ፡ ኣብ ከተማ ባፍሎ ኒውዮርክ ከም ዘካየዱ ተሓቢሩ።
መስከረም
01 መስከረም፡ ብመሪሕነት ኣቡነ መቃርዮስን አቡነ ሲኖዳን ዝተኻየደ፡ ጉባኤ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ምዕራፈ ቅዱሳን ደብረ ሊባኖስ ወተክለሃይማኖት ሳንታ ኣንቶንዮ ቴክሳስ፡ ከም ዝተኻየደ ተሓቢሩ።
5 መስከረም፡ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ምስ ኦርቶዶክስ ግሪኽ ብዝበጽሖ ስምምዕ መሰረት፡ ዋና ጸሓፊ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳን ኣቦ ወንበር ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ኣቴንስን ዝኾኑ፡ መጋቤ ኣእላፍ ቀሺ ዮሴፍ መርሃጽዮን፡ ንፈለማ እዋን ሥሩዕ መደብ ትምህርቶም ከም ዝጀመሩ ተገሊጹ።
21 መስከረም፡ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኵለን ኣህጉረ ስብከታት ዝተኻየደ ናይ ዑደት መደቡ ንምጽብጻብ፡ ዓቃቤ መንበር ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከልን ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ኣብ ዝተረኽቡሉ፣ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያሪክ ጉባኤኡ ከም ዘካየደ ተፈሊጡ።
24 መስከረም፡ ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ንምኅደራዊ ጉዳያትን ምርጫ ኣባላት ንኡስ ሃገረ ስብከትን ዝተንከፈ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተኻይዱ።
27 መስከረም ኣባላት ሲኖዶስን ማኅበር ገዳም ደብረ ቢዘንን ነቲ ከይራኸቡ ከልኪልዎም ዝጸንሐ ዘየሰማምዕ መንደቕ ኣፍሪሶም ዕርቂ ከምዝገበሩ፡ ተሓቢሩ።
26 መስከረም
ብዋና ኣመኃዳሪ ዘመንበረ ፓትርያርክ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝተመርሐ፡ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓንሰባ ብፁዕ ኣቡነ መርቆርዮስ፡ ምክትል ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ሊቀ ካህናት ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ፡ ምክትል ኣቦ መንበረ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሊቀ ሕሩያን ቀሺ ሳሙኤል ኣብርሃን 2 ኣባላት ንኡስ ሃገረ ስብከትን ዝርከብዎም ናብ ሃገረ ኬንያ ብምምራሕ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓዋርያዊ ዑደት ይፍጽም ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
ጥቅምቲ
07 ጥቅምቲ፡ ብኮሚተ ምቛም መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ ናይ ዝተዳለወ ረቂቕ ኣዋጅ ግምገማ፡ ዓቃቤ መንበር ዘፓትርያርክ ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስን ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን፡ ወለንታውያን ሰብ ሞያ ሕጊ፡ ኣመሓደርትን ጸሓፍትን ኣብያተ ክርስቲያናትን መራሕቲ ስራሕ ኣህጉረ ስብከታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ጉባኤ ከም ዝተኻየደ ተሓቢሩ።
08 ጥቅምቲ፡ ብኣቡነ መቃርዮስ ዝምእከል፡ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና፡ ብምኽንያት መበል 10 ዓመት ዝኽሪ ናይቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብ ገማግም ደሴት ላምፐዱሳ ህልቂት ዜጋታት፡ ንሰንበት 8 ጥቅምቲ 2023፡ ጸሎት ፍትሓት ከም ዝካየድ ኣፍሊጡ።
12 ጥቅምቲ፡ ዓቃቤ መንበር ዘፓትርያርክ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ጴጥሮስ፡ ዋና ኣመሓዳሪ ምምሕዳር መንበረ ፓትርያርክ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ባስልዮስ፡ ኣቐዲሞም ብመዓርገ ክህነትን ዲቁና ዝተቐብኡ ውሉደ ክህነት ናይቲ ዝወስድዎ ሥልጠናታት፡ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ መመረቕታ ከም ዝተኻየደሎም ተሓቢሩ።
05 ጥቅምቲ፡ ብቛንቋ ምልክት ዝሰልጠኑ ውሉደ ክህነት ዝርከብዎም 40 ዝኾኑ ተማሃሮ፡ ትምህርት ሰንበት፡ ኣብ መካነ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ኦሮታ ከም ዝተመረቑ ተገሊጹ። እዚ ሥልጠና’ዚ ብኣባላት ትምህርተ ሰንበት ዝኾኑ ዘኣማኑኤል ተኽለ፡ ቤተ ልሔም የማነ፡ ሚርያም ዘኣማኑኤል ዝተዋህበ ምዃኑን፡ ዕላማኡ ድማ፡ ናይ ምስማዕ ስንክልና ንዘለዎም ወገናት ንምግልጋል ምዃኑ፡ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።
06 ጥቅምቲ፡ ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ግብጺ፡ ወኪል ሲኖዶስን ኣመኃዳሪ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ኣቡነ እንጦንዮስ ኪዳነ ምሕረት ካይሮን ዝኾኑ ቀሺ ብርሃነ ተስፋማርያም፣ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ግብጺ ንኣርባዕተ ዓመታት ‘ነገረ መለኮት’ ክምሃሩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብቐዳማይ ደረጃ ባችለር ዲግሪ (B.D of the theological and clerical subjects) ከም ዝተመረቑ ተሓቢሩ።
ሕዳር
03 ሕዳር፡ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ሩዋንዳ፡ ብቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን ዘተዳለወ ዓመታዊ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣባል ሃገራትን ዞባዊ ዋዕላን ከም ዝተሳተፈት ተፈሊጡ።
21 ሕዳር፡ ብኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ዝምእከል፡ መንበረ ጵጵስና፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና-ኲናትን ወረ-ኲናትን ደው ንኽብል፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ጾምን ጸሎትን ክግበር ከም ዝጸውዐ፡ ተሓቢሩ።
24 ሕዳር
ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ዝነበሩን 17 ግንቦት 2019 ድማ ዝዓረፉን፡ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ሲኖዶስን ገዳም ደብረ ቢዘንን ዝጸንሐ ዘይምስምማዕ ኣብ ኣስመራ ተቐቢሮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ’ቲ ብ27 መስከረም ዝተገብረ ዕርቂ ግና፡ ዓጽሚ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ናብ ገዳሞም ደብረ ቢዘን ተወሲዱ ኣብኡ ከም ዝተቐብሩ ተሓቢሩ።
24 ሕዳር፡ ብክፍሊ ትምህርት ሰንበት ቤተ ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝተሠርዐ፡ “ወአጽንዕ ዘብከ” ማለት ነቲ ዘለካ ኣጽኒዕካ ሓዝ ራእ. 3፡11 ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል፡ ምስ ሓለፍቲን ኣባላትን ኣብያተ ትምህርት ሰንበት ሃገረ ስብከት ኣስመራ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ጉባኤ ከም ዝተኻየደ ተፈሊጡ።