Megedihywet

View Original

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት፡ ዓመተ 2024

ኣርባዕተ መጠንቀቕታታት ዝሓዘ መሪሕ ጥቕሲ ሒዝና ኢና ንዓመተ 2024፡ ብሓጐስ ክንቅበላ። እቲ መሪሕ ጥቕሲ፡ “ነፍስኻ ኣድሕን፡ ንድሕሪት ገጽካ ግልጽ ኣይትበል፡ ኣብ ብዘሎ እዚ ጐልጐል ድማ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ ናብ ከረን ኣቢልካ ድሓን” ዝብል’ዩ፡ (ዘፍ 19.17)።

ጭራሕምራሕ ሶዶምን ጎሞራን በዚሑ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ኣዝዩ በርቲዑ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ ሓደ ምሸት፡ ክልተ መላእኽቲ፡ ናብ ሶዶም መጹ። ሎጥ፡ኣብ ደገ ሶዶም ተቐሚጡ ነበረ’ሞ፡ ምስ ረኣዮም፡ ”ክቕበሎም ተንስኤ፡ ብገጹ ኸኣ ናብ ምድሪ ተደፍኤ፡” ብምባል የዘንቱ፡ ኦሪት ዘፍጥረት፡ መበል 19 ምዕራፍ። እዚ፡ ሓደ ገጽ ናይቲ ዛንታ እዩ።

ሎጥ፡ እቶም መላእኽቲ፡ ኣጋይሽ ምዃኖም ደኣ እምበር፡ መላእኽቲ ምዃኖም ከይፈለጠ’ዩ ናብ ቤቱ ዝቕበሎም ዘሎ። እዚ ክገብር ከሎ ድማ፡ ሰብ እታ ኸተማ፡ ኣጒባዝን ኣረገውትን፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ይርእዮ ነበረ። ሽዑ ካብ ኲሉ ሸነኽ መጺኦም፡ ”እዞም ብለይቲ ናባኻ ዝኣተዉ ሰባት ኣበይ አለዉ፧ ምእንቲ ኽንፈልጦምሲ፡ ናባና ኣውጽኣዮም” ከም ዝበልዎ፡ ኣብቲ ጽሑፍ ንረኽቦ። እዚ ድማ፡ ካልኣይ ገጽ፡ ናይቲ ዛንታ እዩ።

ሳልሳይ ገጽ ናይቲ ዛንታ፡ ምድንጓይ ሎጥን ምስትንዓቕ ሰብኡት ኣዋልዱን ዝምልከት’ዩ። ሎጥ፡ ወጺኡ ነቶም ሰብኡት ኣዋልዱ፡ “እግዚኣብሄር ነዛ ከተማ ኬጥፍኣ እዩ እሞ፡ ተንስኡ፡ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውጹ፡” እንተበሎም፡ ንሳቶም ግና፡ ይዋዘ ኸም ዘሎ መሲሉ ተራእዮም እምበር፡ ኣይሰምዕዎን። ዝኽርን ኣሰርን ዘይብሎም፡ ከኣ ኣብ ሰዶም ጠፍኡ።

ራብዓይን መወዳእታን ገጽ ናይቲ ዛንታ ኸኣ፡ ቀይሔጸሊም ኺቐድድ ከሎ፡ እቶም መላእኽቲ ንሎጥ፡ ውጻእ ኢሎም ከም ዝሃወኽዎ፡ ንሎጥ ዝተዋህበ መምርሕን፡ ሰበይቲ ሎጥ፡ ንድሕሪት ገጻ ግልጽ ብምባላ፡ ሓወልቲ ጨው ኴይና ከም ዝተረፈትን ዘዘንቱ’ዩ። 

ነፍስኻ ኣድሕን፡ ንድሕሪት ገጽካ ግልጽ ኣይትበል፡ ኣብ ብዘሎ እዚ ጐልጐል ድማ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ ናብ ከረን ኣቢልካ ድሓን” (ዘፍ 19.17)

ቀዳማይ መጠንቀቕታ፡ ነፍስኻ ኣድሕን

ቃል እግዚኣብሄር ከም ዝምህረና፡ ንብጻይና ከም ነፍስና ከነፍቅሮ ኢና ተጸዊዕና ዘለና። ”ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑ፡ ንነፍሱ እንተጐድአ፡ ሓደው እንተጥፍኣ እንታይ ይጠቕሞ፧” ስለዚ፡ ነፍስ ወከፍ ሰብ፡ ንቕድም፡ ድሕነት ነፍሱ ከውሕስ፡ ቀጺሉ ድማ ድሕነት ቤቱን ህዝቡን፡ ድሕሪ’ውን ድሕነት ከባቢኡን መላእ ዓለምን፡ ነዚ ዓሊሙ ክንቀሳቐስ፡ እቲ ንቡር ምህሮ ክርስትና ዝዓስለሉ ሓቂ’ዩ። ዓመተ 2024 በዚ መጠንቀቕታ እዚ ከነሕልፋ፡ እግዚኣብሄር ይርድኣና!

ንሎጥ ዝተዋህቦ ቀዳማይ ትእዛዝ እምበኣር፡ ”ነፍስኻ ኣድሕን” ዝብል’ዩ። እቲ እትነብረሉ ዘለኻ ህዝቢ፡ ነቲ እኩይ ተግባር መመሊሱ ዘዕፍር እምበር፡ ንንስሓን ምምላስን ድሉው እንተዘይኰነ፡ ንስኻ ግና፡ ነፍስኻ ኣድሕን፣ እቶም ኣብ ዙርያኻ ዘለው፡ ነቲ ዝተነግሮም መጠንቀቕታ ከም ዋዛ እንተረኣይዎ፡ ንስኻ ግና ነፍስኻ ኣድሕን፡ ዝብል መጠንቀቕታ ተቐበለ።

ካልኣይ መጠንቀቕታ፡ ንድሕሪት ገጽካ ግልጽ ኣይትበል

”ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ” በለ ጐይታ (ሉቃ9.62)፣ ደቂ እስራኤል፡ ናብታ እግዚኣብሄር፡ ርስቲ ጌሩ ዘዳለወሎም ምድሪ ከንኣን ንምእታው፡ እግዚኣብሄር ባሕሪ ሰንጢቑ፡ ማና ኣስኒቑ እናመርሖም ክንሶምሲ፡ ንሳቶም ግና፡ ብልቦም ንድሕሪት ስለ ዝተመልሱ፡ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ተላዒሉ፡ ኣብ በረኻ ወድኦም (1ቈረ10.5 ይሁዳ1.5)

ሰማያት ተኸፊቱ፡ ነብዪ ህዝቅኤል ኣርባዕተ እንስሳ ኣብ ዝረኣየሉ፡ ብዛዕባኦም ክጽሕፍ ከሎ፡ ”ኣኽናፎም ንሓድሕደን ግጡማት እየን። ኪኸዱ ኸለዉ ኣይምለሱን፣ ነፍሲ ወከፍ ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ ነበረ” ብምባል’ዩ ዘዘንቱ፡ (ህዝ1.9)። ነቲ ”ነፍስ ወከፍ ንቕድሚኡ ይኸይድ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ኣብ ፍቕዲ 12 ከብርሆ ከሎ፡ ”እቲ መንፈስ ናብ ዝኸዶ ይኸዱ፡ ኪኸዱ ከለዉ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ፡ እዩ ዝብል፡ (ህዝ1.12)። ሰይቲ ሎጥ ግና በቲ ዝተዋህባ ቃል፡ ብሓይሊ፡ ንቕድሚት ክትግስግስ ኣይከኣለትን እሞ፡ ሓወልቲ ጨው ኰይና ድማ ተረፈት!

ሳልሳይ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ብዘሎ እቲ ጐልጎል ደው ኣይትበል

ጐልጎል፡ ንጥፍኣት ዝተቓልዐ ስለ ዝዀነ፡ ከመዮ ጐይታና ዝበሎ፡ ”እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፋሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም (ማቴ7.13)። ስለዚ፡ ናብ ጥፍኣት ኣቢሉ ኣብ ዘቃልዓካ፡ ኣብኡ ደው ኣይትበል፡ ኣብኡ ጊዜ ኣይተጥፍእ። ዓለምና፡ በዚ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለ፡ ”ጐልጎል” ኰይና’ያ እንተተባህለ፡ ምግናን ኣይኰነን። ንጥፍኣት ከቃልዕና ዝኽእል፡ ኣብ ቤትና፡ አረ ኣብዚ ምዕራባዊ ዓለምሲ፡ ኣብ ኢድና’ውን ከይተረፈ ኢና ጨቢጥናዮ እንነብር ዘለና። ኣብ ሓደ ጫፍ ሰሜ ናዊ ክፋል ዓለምና ዝነብር፡ ምስ ሓንቲ ኣብ ጫፍ ደቡብ እትነብር፡ ኣብ ነገር ቅለትን፡ ኣብ ክትራን ዓመጽን፡ ኣብ ብዘሎ እኩይ ተግባርን ክዋፈር ኣይጽገምን። ብኢንተርነትን ሞባይል ተለፎናትን ኣቢሉ ዝመጽእ፡ ንህይወት ናብ ጥፍኣት ዘእቱ ሓደጋ፡ ታእላው የብሉን። እምበኣርከስ፡ ”ኣብ ብዘሎ እቲ ጐልጎል፡ ደው ኣይትበል!” ንዝብል መጠንቀቕታ፡ ኣብዚ እንኣትዎ ዘለና ዓመተ 2024 ብፍሉይ ከነስተብህለሉ ዘለና መጠንቀቕታ’ዩ።

ራብዓይን መወዳእታን መጠንቀቕታ፡ ምእንቲ ከይትጠፍእሲ፡ ናብ ከረን ኣቢልካ ድሓን

መርከብ ኖህ ኣብ ኣኽራን ኣራራት ምዕራፋ፡ (ዘፍ8.4) ሙሴ፡ ኣብ ከረን ሲና፡ በጻብዕ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ ክልተ ጽላት ጽላት ምስክር፡ ምቕባሉ፡ እቲ ከረን፡ ”ከረን እግዚኣብሄር” ተባሂሉ ምስማዩ፡ (ዘጸ31.18)፣ ጐይታና ኢየሱስ፡ ንማሕበረይ  ሓደው ንቤተክርስቲያነይ ኣብዛ ከውሒ እዚኣ እስርታ ኣለኹ፡ ምባሉ፣ ከረን፡ ህልውና እግዚኣብሄር ንዝርከበሉ ቦታ ዘመልክት ምዃኑ፡ ዘየወላውል ይገብሮ። ምእንቲ ከይትጠፍእሲ፡ ናብ ከረን ኣቢልካ ድሓን!

ንዓለምን ፍትወታን ክሒድካ፡ ምስቶም ብክርስቶስ ክርስቲያን እተሰምዩ፡ ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ምስቶም ብጐይታ ፍቁራት ዝዀኑ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ምስቶም ንቓል ኣምላኽ ዕጥቆም ክኸውን ዝመረጹ፡ መንእሰያትን ሕጻናትን፡ እወ፡ ምስቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብሩ ዝወሰኑ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ኮታ፡ ምስቶም ንጐይታና ኢየሱስ ብዘይሓልፍ ዘፍቅርዎ ዘበሉ፡ ምስኦም ሓቢርካ፡ ምጽላይ፡ ሓቢርካ፡ ቃል ኣምላኽ ምስትንታን፡ ሓቢርካ ምጉዓዝ፡ ሓቢርካ ምንባር፡ ይጽንሓለይ ክብሃሎ ዘይግባእ፡ ንጹር መገዲ ድሕነት እዩ።

ኣብ ዓመተ 2024 እምበኣር፡ ”ነፍስኻ ኣድሕን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ፡ ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ክረኽቡ፡ ንቕድሚት ዝግስግሱ ክንከውን፡ ናብ ዓለምን ፍትወታን ንድሕሪት ገጽና ቍሊሕ ንዘይምባል ክንውስን፡ ናብ ጥፍኣት ክወስድና ካብ ዝኽእል ጐደና፡ ብውሳነ ክንፍለ፡ እቲ ምስ ኣቦን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን ዘሎና ሕብረት፡ ምስ ኩሎም ቅዱሳንን ምስቶም ኩሎም ቅዱሳን ንምዃን እተጸውዑን፡ ብሕብረት ኴንና፡ መንፈሳውነትና ከነደልድል፡ ኢድ-ንኢድ ክንተሓሓዝን ክንደጋገፍን፡ እቲ መልእኽቲ ምድሓን፡ እንሆ ኣብ እዝንና በጺሑ’ሎ።

ነፍስኻ ኣድሕን፡ ንድሕሪት ገጽካ ግልጽ ኣይትበል፡ ኣብ ብዘሎ እዚ ጐልጐል ድማ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ ናብ ከረን ኣቢልካ ድሓን (ዘፍ19.17)

ብሩኽ ምጅማር ዓመተ 2024፡ ቀዳዊትና ዓመት ይግበራ!

ብክርስቶስ ሓውኹምን ወድኹምን

ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል