Megedihywet

View Original

መበል 26 መዓልቲ፡ መገዲ፡ ሓቅን ህይወትን

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

ጐይታና ኢየሱስ፡ ”ኣነ እየ” እናበለ፡ መን ምዃኑ ዝመሃረለን ሾብዓተ ሓሳባት፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክንርእየን ጀሚርና ኣሎና። ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ መዓልትታት፡ “እንጌራ ህይወት፣” “ብርሃን ዓለም፣” “እቲ ደገ ኣነ እየ፣” ”እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፣” ”ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ” ዝብሉን ርኢና ኣለና። ንሎሚ ድማ ”መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ዝበሎ፡ ክንርኢ ኢና (ዮሃ14.6)።

”እቲ ደገ ኣነ እየ” ኣብ ዝብል ከም ዝርአናዮ፡ ነዚ ደገ’ዚ ሓዲግካ፡ ብኻልእ ክትኣቱ ምፍታን፡ ሰራቕን ጕሒላን ኴንካ ምርካብ’ዩ። ብርግጽ እቲ ናብ ኣቦ ከብጽሓና ዝኽእል እንኮ መገዲ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። እቲ ንመልእኽቲ እብራውያን ዝጸሓፈ ”ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ” ብምባል፡ እቲ ናብ ኣምላኽ ምምጻእ ብጐይታና ኢየሱስ ኣቢልካ ምዃኑ ኣረጋገጸ (እብ7.25)።

ትማሊ፡ ”ትንሳኤን ህይወትን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝረአናዮ፡ ጐይታና ኢየሱስ፡ ንዝሞተ ጥራይ ዘይኰነስ ራብዕቲ ጌሩ ፈጺሙ ንዝጨነወ ሬሳ’ውን ከይተረፈ ህይወት ሂቡ ከተንስእ ከም ዝኽእል ርኢና ኢና። ወንጌላዊ ዮሃንስ ክምስክር ከሎ፡ ”ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት” ብምባል ክጽሕፍ ከሎ፡ (ዮሃ1.4) ኣብ ቀዳማይ መልእኽቱ ድማ፡ ”ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክር ንነግረኩም’ውን አሎና” በለ (1ዮሃ1፡1-2)።

ሓደ እዋን ጐይታና ንጲላጦስ ”ኣነ ብሓቂ ኽምስክር፡ ምእንትዚ ተወለድኩ፡ ምእንትዚ’ውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝዀነ ኵሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ፡ ዝብል ምስ ተዛረቦ፡ ጲላጦስ ተገሪሙ፡ ”ሓቂ እንታይ እዩ፧” ከም ዝበለ ንነብብ (ዮሃ 18.37-38)። ሎሚ ብምስትውዓል ከነስተንትኖ ዝግብኣና እምበኣር፡ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ብዛዕባ ዓርሱ (ገዛእ-ርእሱ) ዝበሎ እዩ። ”መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በለ ጐይታና፡ (ዮሃ14.6)።

ዝንበብ ክፍሊ፡-

ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 14

ንጸሊ፡

ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ ንመገደይ’ውን ብርሃን’ዩ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ ከምቲ ቕዱስ ቃልካ ዝብሎ፡ ብእኡ ኽንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ ከም ዘየልቦ ፈሊጠ፡ ብምልኣት ንጐይታ ኢየሱስ ኣብ ልበይ ከንግስ ርድኣኒ። ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣሜን።