Megedihywet

View Original

መበል 27 መዓልቲ፡ ጕንዲ ወይኒ

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

ጐይታና ኢየሱስ፡ ”ኣነ እየ” እናበለ፡ መን ምዃኑ ዝመሃረለን ሾብዓተ ሓሳባት፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክንርእየን ቀኒና ኣሎና። ኣብዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ መዓልትታት፡ “እንጌራ ህይወት፣” “ብርሃን ዓለም፣” “እቲ ደገ ኣነ እየ፣” ”እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፣” ”ትንሳኤን ህይወትን” ”መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ” ዝብሉን ርኢና ኣለና። ንሎሚ ድማ እቲ ሻብዓይን ናይ መወዳእታን ”እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዝጸንዕ ኣነ’ውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ” ዝበሎ፡ ክንርኢ ኢና (ዮሃ15.5)።

ንጹር መንነትካ ኣርጊጽካ ምፍላጥ፡ ኣብ ክርስትናዊ ናብራ ወሳንነት ኣሎዎ። ኣብዚ ምዕራፍ’ዚ፡ ጕንዲ ወይኒ፡ ተኻሊኡን ጨናፍሩን ብዝርዝር ተገሊጾሙልና ኣለው። ”ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ” ብምባል ድሕሪ ምጅማር፡ ኣብ ፍቕዲ ሓሙሽተ ድማ ”ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡” ብምባል ነገረና።

ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዔ፡ ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም፡ ብዝብል ነጊሩና ኣሎ’ሞ፡ ብዙሕ ፍረ እንተፈረና፡ ካብ ህላወን መጋብነትን እቲ ጕንዲ ምዃኑ፡ ኣይንዘግዕ።  ዘይንፈሪ እንተለና ግና፡ እቲ ”ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ” ዝብል ቃል፡ ዘደቅስ ኣይኰነን እሞ፡ ንህይወትና ኣዚና ክንፈርሃላ ከድልየና እዩ።

ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ ”ፍቁረይ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ፍርያም ኵርባ ነበሮ። ኰዓቶ፡ ኣእማኑ ኸኣ ኣርዩ ኣውጽኤ እሞ፡ ሕሩይ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፡ ኣብ ማእከሉ ድማ ግምቢ ሰርሓሉ፡ መሓምተሊ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ገበረሉ። ዘቢብ ኬፍሪ’ውን ተጸበየ፡ ግናኸ መጺጽ ፍረ ኣፍረየ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ፡ (ኢሳ5.1-2)። ኣብ ምንታይ ጠቢቕና ከም ዘለና፡ ምርኣይ ተሳኢኑና እንተሎ፡ እንታይ ንፈሪ ከምዘለና ነስተብህል። እወ፡ ንቓል ጐይታና ንዘክር፦ ”ብጀካይ ሓንቲ እኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዝጸንዕ ኣነ’ውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ”

ዝንበብ ክፍሊ፡-

ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 15

ንጸሊ፡

ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ብትዕቢት ከይውጠር እሞ ጨንፈር ምዃነይ ከይርስዕ፡ ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ኣባኻ ዝጠበቕኩ፡ ምዃነይ ከይርስዕ እሞ ንተስፋይ ብኸንቱ ከየጥፍእሲ፡ ቅዱስ መንፈስካ ይምርሓኒ። ንዓኻ ዘኽብር፡ ብዙሕ ፍረ ክፈሪ ክትረድኣኒ እጽሊ ኣለኹ። ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣሜን።