መበል 28 መዓልቲ፡ ጠምየ ኣየብላዕኩምንን
ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ
“ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ካብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ ኣብላዕኩምኒ” (ማቴ25.34-35)። እንጌራ ህይወት ኣብ ዝብል ከነስተንትን ከለና፡ ብዛዕባ እቲ ሓላፊ ዝዀነ ብልዕን ብዛዕባ’ቲ ንዘልኣለም ዝነብር ብልዕን ጠቒስና ምንባርና፡ ምዝካሩ ሰናይ’ዩ። ኣብ ዙርያና፡ ነቲ ዘልኣለማዊ ኰነ፡ ነቲ ሓላፊ ዝዀነ ብልዒ’ውን ስኢኖም፡ ብጥምየት ዝሳቐዩን፡ ዝሓሙን ካብኡ ገዲዱ ኸኣ ዝሞቱ’ውን፡ ታእላው የብሎምን። እቲ ምስትውዓልና፡ ናበይ ተሰወረ፧!
ሓደ እዋን ጐይታና ኢየሱስ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ፡ ሲካር ናብ እትብሃል ከተማ ሰማርያ መጸ። እቶም ደቀ-መዛምርቱ ዝብላዕ ክዕድጉ ንኸተማ ምስ ከዱ፡ ጐይታና ኣብ ጥቓ እቲ፡ ዔላ ያእቆብ ዝብሃል ተቐመጠ (ዮሃ4.1-8)። ነቲ ዝተረፈ ክፋል ጽሑፍ ንጽባሕ ኣጽኒሕና፡ ናብ ፍቕዲ 31 ንስገር። ጐይታና ደኺሙ፡ ጸሚኡን ጠምዩን’ዩ ዘሎ። ደቀ-መዛሙርቲ ድማ ዝብላዕ ሒዞም ካብ ከተማ ክምለሱ ከለዉ፡ ንሰብ ሰማርያ፡ እቶም ብኣይሁድ ዝተፈንፈኑ ህዝቢ፡ ንድሕነቶም ዝኸውን ዓብዪ ብርሃን በሪሁሎም ነበረ።
ኣብ መንጎ እዚ’ዮም፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ ”መምህር፡ ብላዕ፡” ብምባል ዝልምንዎ። ንሱ ኸኣ፡ ”ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ ኣሎኒ፡” ዝብል መልሲ ሃቦም። እቶም ደቀ-መዛሙርቲ፡ ንሓድሕዶም፡ ”ሰብ ደዀን ገለ ዝብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧” ተባሃሃሉ። ኢየሱስ በሎም፡ ”ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ክገብር፡ ዕዮኡ’ውን ክፍጽም እዩ” (ዮሃ4.31-35)።
ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ እቲ ንጉስ ከኣ እቲ ካብዞም፡ ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም (ማቴ25.37,40)።
ደጊም፡ ብልዒ ጐይታና እንታይ ምዃኑ ተማሂርና ኣለና። ”ንስኻትኩምዶ፡ ቀውዒ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ኣርባዕተ ወርሒ ኣሎ፡ ትብሉ ኣይኰንኩምን፧ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ፡ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርኣዩ፡ እብለኩም ኣለኹ” በለ ጐይታና (ዮሃ4.35)። ብስጋን ብነፍስ ብጥሜት ዝተወረረ እናረአኻ፡ ንባዕልኻ ኣብ ስሉም ኣባይትን ዝተመርጸ ምግቢ ኣብ ምውድዳርን ጥሒልካ ምንባር ደኣ ምስ ምንታይ ኮን ክቝጸር’ዩ፧
ዝንበብ ክፍሊ፡-
ማቴ 25.31-46 ዮሃንስ ምዕራፍ 4
ንጸሊ፡
ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ሰማይ ካብ ምድሪ ከም ዝርሕቕ፡ እቲ ቃልካ ዝብሎን እቲ ኣነ ዝነብሮን፡ ኣዝዩ ተፈላልዩኒ ኣሎ እሞ፡ ምግባር ፍቓድካ ክትምህረኒ እጽሊ ኣለኹ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣሜን።