Megedihywet

View Original

መበል 30 መዓልቲ፡ “ጸማእኩ”

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

ጐይታና ኢየሱስ ኣብ መስቀል ኰይኑ መወዳእታ ዝተዛረባ ቃል፡ “ጸማእኩ” እትብል’ያ (ዮሃ19.28)። ሽዑ መጺጽ ዝመልኤ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ። ኢየሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ዝመልኤ ምስ ጠዓመ፥ “ተፈጸመ” በለ። ጽምኢ ጐይታና ድሕነተይን ድሕነትኩምን፡ እወ ድሕነት ነፍሳትና እዩ። ነፍሳት ክድሕና ከለዋ፡ ጐይታና ጻማ ነፍሱ ከም ዝርኢ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ብነብዪ ኢሳይያስ ገሊጹ ነበረ፡ (ኢሳ 53፡11)።

ኣብ ዝሓለፈ ምስትንታንና፡ ጠምየ ኣብላዕኩምኒ ብዝብል ርኢና ኔርና። ሎሚ ድማ “ጸሚአ” ብዝብል ክንርኢ ኢና። “ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ካብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ ኣብላዕኩምኒ፡ ጸሚአ ኣስተኹምኒ” (ማቴ25.34-35)።

ሓደ እዋን ጐይታና ኢየሱስ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ፡ ሲካር ናብ እትብሃል ከተማ ሰማርያ መጸ። እቶም ደቀ-መዛምርቱ ዝብላዕ ክዕድጉ ንኸተማ ምስ ከዱ፡ ጐይታና ኣብ ጥቓ እቲ፡ ዔላ ያእቆብ ዝብሃል ተቐመጠ (ዮሃ4.1-8)። እቲ ጊዜኡ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። ካብ ሰማርያ ኸኣ ሰበይቲ፡ ማይ ክትቀድሕ መጸት። ኢየሱስ ድማ፥ ”ማይ ኰታ ኣስትይኒ፡” በላ።

ሳድሰይቲ ሰዓት ማለት፡ ፍርቂ መዓልቲ ማለት’ዩ። ጐይታና ደኺሙ፡ ጸሚኡን ጠምዩን’ዩ ዘሎ። ትማሊ ከም ዝረአናዮ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ ”መምህር፡ ብላዕ፡” ምስ በልዎ፡ ”ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ ኣሎኒ፡” ዝብል መልሲ’ዩ ሂብዎም። እቶም ደቀ-መዛሙርቲ፡ ነቲ ኣበሃህላ ስለ ዘይተረድእዎ፡ ንሓድሕዶም፡ ”ሰብ ደዀን ገለ ዝብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧” ተባሃሃሉ። ኢየሱስ በሎም፡ ”ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ክገብር፡ ዕዮኡ’ውን ክፍጽም እዩ” (ዮሃ4.31-35)።

እዛ ሰበይቲ፡ ኪንዮ’ቲ ስጋዊ ጽምኢ፡ ከም ነፍሲ ወከፍ እቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ እሞ፡ ብሓጢኣት ካብ ፈጣሪኡ ዝሓከለ ሰብ፡ ነፍሳውን መንፈሳውን ጽምኢ ነበራ። ጐይታና ነዛ ተሓሊላ ዝነበረት ነፍሲ፡ እቲ ሰቲኻዮ ንጊዜኡ ዘርውየካ፡ ብዕትሮ ዝጽወር ማይ ዘይኰነስ፡ ሰቲኻዮ ንዘልኣለም ዘርዊ፡ ማይ ህይወት ሃባ። ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ክትከውን ስለ ዝባረኻ ድማ፡ ሽዑ ንሽዑ፡ ንሰብ ሰማርያ፡ ናብ ጐይታና ኢየሱስ ክመጹ ኣበሰራ። ጽምኢ ጐይታና ኢየሱስ ድማ ረወየ።

እቶም ጻድቃን ይመልስሉ፡ ”ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧” ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ እቲ ካብዞም፡ ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡” ኢሉ ይመልሰሎም (ማቴ25.37,40)።

ደጊም፡ ጥምየትን ጽምእን ጐይታና እንታይ ምዃኑ ተማሂርና ኣለና። ”ንስኻትኩምዶ፡ ቀውዒ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ኣርባዕተ ወርሒ ኣሎ፡ ትብሉ ኣይኰንኩምን፧ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ፡ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርኣዩ፡ እብለኩም ኣለኹ” በለ ጐይታና (ዮሃ4.35)። ብስጋን ብነፍስ ብጥሜት ዝተወረረ እናረአኻ፡ ንባዕልኻ ኣብ ስሉም ኣባይትን ዝተመርጸ ምግቢ ኣብ ምውድዳርን ጥሒልካ ምንባር ደኣ ምስ ምንታይ ኮን ክቝጸር’ዩ፧

ዝንበብ ክፍሊ፡-

ማቴ 25.31-46 ዮሃንስ ምዕራፍ 4

ንጸሊ፡

ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ኣነን ቤተይን፡ ቤተ ክርስቲያነይን ሃገረይን፡ ኣብ ከባብየይ ዘለዉ ህዝብን ኣህዛብን ኰታ ብዘሎ ፍጥረት፡ ዕጋበትን ርውየትን ስኢንና ኰለል ምእንቲ ከይንብልሲ ናባኻ ናብቲ ዓይኒ ማይ ክንምለስ ርድኣና። ከምቲ ነታ ብጽምኢ ማይ ንሳን ወዳን ጥቓ ሞት ዝበጽሑ እሞ፡ ኣዒንታ ከፊትካ ድማ ዓይኒ ማይ ዘርኣኻያ፡ (ዘፍ21.19) ከምኡ ኣዒንተይ ክትከፍተለይ እጽሊ ኣለኹ፣ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣሜን።