Megedihywet

View Original

መበል 34 መዓልቲ፡ ተኣሲረ መጻእኩምኒ

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ካብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ ኣብላዕኩምኒ፡ . . . ተኣሲረ መጻእኩምኒ” (ማቴ25.34-35)።

ስሙያትን ዘይስሙያትን፡ እንፈልጦምን ዘይንፈልጦምን፡ እሱራትን ኣብያተ ማእሰርትን ንዘክር። ንእሱራት ብገለ መገዲ ንምብጻሕ ዓሊምና ንፈልጥ ዶ፧ ኣቦ ተኣሲሩ ማለት፡ ምንጪ እቶት እታ ስድራ ተቛሪጹ’ሎ ማለት’ዩ። ንስድራ እሱራት ገለ ራህሪህና ዶ ንፈልጥ ንኸውን፧ ስጋዊ ማእሰርቲ፡ ጊዝያውን ሓላፍን’ዩ። ነፍሳውን መንፈሳውን ማእሰርቲ ግና ኪንዮ ሞት ሰጊሩ ኣብ ዘልኣለማውነትካ’ውን ግደ ዘሎዎ’ዩ።

ጐይታና ኢየሱስ፡”የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፡ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኲሎም ከኣ ከም ዘሕወየ” ተጻሒፉሉ’ሎ (ግብ10.38)። ከመዮ ባዕሉ’ውን ዝበሎ፦ ”ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡” እዩ መጺኡ’ሞ (ሉቃ4.18)፡ ”ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም፡” (እብ2.14)።

ስጋውን መንፈሳውን ማእሰርቲ ኣብ ዝዓብለሎ ዘመን ንነብር ኣለና። ብዝሙት ዝተኣስረ፡ ብወልፊ ዝተኣስረ፡ ብሃይማኖት ዝተኣስረ፡ ማለት፡ እምነቱ፡ ንምድሓን ነፍሱን ንምድሓን ካልኦትን ኣብ ክንዲ ዝኸውን’ሲ ኣብ ምዅናንን ጸለመን ካልኦት ኣውዒሉ ዘሕድሮ፡ ብጥንቍልናን ፈለጥትን ዝተኣስረ፡ ወዘተ፡ እናሓሰብና . . . ነቲ ”ተኣሲረ መጻእኩምኒ” ዝብል ቃል ጐይታ፡ ንዘክር። ብኸመይ ኰን ክንምልሶ ተዳሊና ንህሉ ንኸውን፧!

ዝንበብ ክፍሊ፡-

ማቴ 25.31-46

ንጸሊ፡-

ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ”ንዮሴፍ ኣብ ማእሰርቱ ዘይተፈለኻዮ፣ ንዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ መልኣኽካ ልኢኽካ ዘናገፍካዮ፣ ኵሉ እትኽእል ሓያል ኣምላኽ ኢኻ’ሞ፡ ተመስገን። ስለቶም ኵሎም ኣብ ስጋዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ ዘለዉ፡ ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ንስኻ ኣብ ህይወቶም ጣልቃ ክትኣቱ እሞ፡ ነቲ ንጥፍኣት እተሓስበ ኸኣ ናብ በረኸት ክትቅይሮ፡ እልምነካ ኣለኹ። ዝያዳ ዅሉ ግና፡ ንኹሎም እቶም ብዝተፈላለየ መንፈሳውን ነፍሳውን ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ፡ ቤተ ክርስቲያን ብናይ ምንጋፍ ጸጋ ተመሊኣ፡ ንብዙሓት ካብ ማእሰረ-ሓጢኣት ዝፍትሑሉ፡ በዚ ጸጋ’ዚ መመሊስካ ክትገልጻ፡ እጽሊ ኣለኹ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣሜን።