Megedihywet

View Original

መበል 36 መዓልቲ፡ ”ተስተውዕሎዶ አለኻ፧”

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

”እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧” (ግብ8.330)።

ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ጾም፡ ካብ ሞንጎ እቲ ካልእ፡ 13 ምስላታት ጐይታን 6 ቃላተ ወንጌልን ከምኡ’ውን እተን ጐይታና ኢየሱስ ”ኣነ” ብምባል መንነቱ ዝገለጸለን 7 ”ኣነ እየ” ዝብላን፡ በብሓደ ከነስተንትነን ቀኒና። ካብዘን ኵለን፡ ነየናይ ትዝክሩ፧! ብሓቂ ዶ ብምስትውዓል እዩ ዝንበብ ዘሎ፧ ከም ገለ ኢሉ ናብ ዝኽረይ ዱብ ስለ ዝበለ፡ ብርዐይ ኣልዒለ ሓንጠጥኩ።

ሰንካም ብርዒ ከም ዘላትኒ ትፈልጡ ኢኹም። ”ንባዕልኻ ኸ ትዝክሮ ዶ፧ ነየነይተን ከ እስከ ዝያዳ ትዝክር፧” እናበለት ጐጠይትኒ። ”ኣየናይ ክንብሎ፡ ኩሉ ጥዑም’ዩ ኔሩ፧” ክሃድም ደልየ፡ ኣሕጺረ መለስኩላ። ”እዚኣ ጥዕምቲ ኔራ፡ እንዶ በል፣ እንታይ’ዩ እዚ ጎቦ-ጎቦ ኢልካ ምህዳም፧!” እንተነኺሳ ኣይትፍኑን’ያ። 

”በሊ ኣነስ ናይተን ምሉእ ምሸት ክጽበያ ዘምሰያ፡ ግናኸ ኣብ ጢናአን ዘይቲ ዘይተማልኣ፡ ሓሙሽተ ዓያሱ ደናግል፡ ናተን’የ ዝያዳ ዘስተንትን ዘለኹ” ብምባል፡ንሳ ዘይጠቐሰቶ፡ ደርጓሕኩላ። ፍሽኽ ኢላ፡ ልባ ክትርክስ ስለ ዝደለየት ግና፡ “ምስ ህይወትካ ኣተኣሳሲርካዮ እንተዀንካ እስከ ንገረኒ፧” በለት። ከመይ ዘለት ሰንካም ብርዒ ድያ መሲሉኩም፧

”ከምቲ ንሳተን ደናግል ዝነበራ፡ ኣነ’ውን ገና ካብ ወዲ 10 ዓመት ኣትሒዘ ዲያቆን ኰይነ’የ ዓብየ። ከምቲ ንሳተን ንምምጻእ እቲ መርዓዊ ዝጸባበያ ዝነበራ፡ ኣነ’ውን ንምጽኣት ጐይታ እጸባበ ኣለኹ። ከምቲ ንሳተን፡ ጢና ሒዘን ከብቅዓስ፡ ዘይቲ ግና ዘይተማልኣ፡ ኣነ’ውን፡ ከምአን ዝዀንኩ ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ” ብምባል ነቲ ኣብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን ተጻሒፉ ዘሎ፡ ነበብኩላ።

“እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝሕባእ ፍጡር የልቦን። . . . ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ ጸበባ’ውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ክንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዙፋን ጸጋ ንቕረብ” (እብ4.13-16)። ብርዐይ፡ ንመጀመርታ ጊዜኣ ዝዓገበት መስለትኒ። ”ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም” ዝብል ኣዘኪራትኒ ድማ ተዓዝረት (ማቴ5.3)።

ዝንበብ ክፍሊ፡-

ግብ 8.26-40

ንጸሊ፡

ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ወትሩ ንዓኻን ህላዌኻን ዝሓስብ ህይወት ክትህበኒ እልምነካ ኣለኹ። ምስቶም ”ብመንፈስ ድኻታት” ዝዀኑ ክሓብሮም ርድኣኒ። ወትሩ ክጸምኣካ፡ ነናሻዕ ክናፍቐካ፡ ከምተን ለባማት ደናግል ድማ ኣብ ጢናይ ምምላእ ዘይቲ ከይርስዕ፡ ብምስትውዓል ክመላለስ ደግፈኒ። ከምቲ ነቲ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ዝገለጽካሉ፡ ነቲ ዘንብቦ ግናኸ ዘየስተውዕሎ ዘበለ፡ ክትገልጸለይ እጽሊ ኣለኹ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ኣሜን።