Megedihywet

View Original

ጾመ ፍረታት፡ እምነት

ብምኽንያት እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረን ኣብዚ ሰሙን እዚ’ውን ዝቕጽልን ዘሎ፡ ጾመ ፍልሰታ፡ ንሰንበት 20 ነሓሰ 2023 ብፍሉይ ደጊምና እነስተንትኖ፡ ”እምነት” ዝብል ፍረ መንፈስ እዩ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ”ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና፡እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧” በለ፡ (ሉቃ18.8)። Ligonier Ministries ዝተባህለ፡ ትካል መጽናዕቲ ስነ-ሃይማኖት ከም ዝሕብሮ፡ 69% ካብቶም ”ኣመንቲ ኢና” ዝብሉ መንእሰያት ኣመሪካ፡ ንእሽቶ ሓጢኣት፡ ኣብ ገሃነም ከተድርቢ ኣይትኽእልን’ያ፡ ዝብል ርድኢት ከም ዘሎዎም፡ ይሕብር።

ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ፡ ካብ መሰረት እቶም ኣብተን ቀዳሞት 400 ዓመታት ዝነበሩ ኣቦታት፡ ኣዝዩ ሃጺጹ (መስመር ስሒቱ) ከም ዘሎ’ዩ ዘጠንቅቕ። ”ፍቁር ሓወይን ብጐይታ’ውን እሙን  ኣገልጋልን” ተባሂሉ ንዝተመስከረሉ፡ ትኪቆስ፡ (ኤፌ 6.21) ”ኣታ እሙን” ተባሂሉ እተመጐሰ፡ ”ሲሲጎስ” (ፊሊ4.3) ”ፍቁር መዓይይትናን ምእንታኻትኩም’ውን እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ” ተባሂሉ ዘሎ ”ኤጳፍራስ”፡ (ቈሎ 1.7) “እሙን ሓዉና” ብምባል ዝተመስከረሉ ስልዋኖስ፡ (1ጴጥ5.12) ጐይታ ባዕሉ፡ ”እሙን ምስክረይ” ብምባል ዝመስከረሉ ኣንቲጶስ፡ (ራእ2.13)እቶም ኣብ እብራውያን መበል 11 ምዕራፍ ተዘርዚሮም ዘለዉ ጀጋኑ፡ ወዘተ፡ ርእስናን መላእ ቤተ ክርስቲያንን እስከ በዚ መነጽር’ዚ ንርኣያ። ሰብን እዝግን ክምስክርዎ ዝኽእሉ እምነት ፧!

ዚንበብ- ሮሜ፡ 4

ካብዚ ብፍሉይ ከነስተብህለሉ ተደልዩ ዘሎ ኽፍሊ፡ ” ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ንምእማን በርትዔ እምበር፡ ነታ ተስፋ እምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይተዋላወለን” ዝብል’ዩ።

ጸሎት

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ከምቶም ቀዳሞት ናይ እምነት ጀጋኑ ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ኣነን ኩሎም እቶም ካብቲ ሰማያዊ ጽዋዓ ግደ ዘሎዎም ቅዱሳን ኣሕዋተይን ከኣ፡ እሙናት ኴንና ክንርከብ፡ ጸጋ ከተብዝሓልና እጽሊ ኣለኹ። ኣብዚ ተዛማድነትን ዓለማውነትን ዝዓብለለሉ ኩነት፡ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ከጥፍኣሉ ዝኽእል ዋልታ እምነት ከልዕል ርድኣኒ፡ ስለ ዝሰማዕካንን ወትሩ’ውን ስለ እትሰምዓንን ከኣ፡ ደጋጊመ አመስግነካ፡ ሎምን ኩሉ ሳዕን፡ ንዘልኣለመ-ኣለምን፡ ኣሜን!   

ለቡ

ኣምላኽ እንተፈቐዶ ብህይወት ድማ እንተጸኒሕና፡ ጽባሕ ሰኑይ፡ መጠቓለሊ ትሕዝቶ ብምቕራብ ክንዛዝም ኢና።