Megedihywet

View Original

“ዐረገች በስብሐት” ዲ. ኣማን ኡርጌሳ

ኣስታት ሓደ ሚልዮን ምዝጉባት ኣባላትን፡ ኣስታት 400 ሚልዮን ርእየት ዘሎዎን ቻነል’ዩ፥ ልክዕ ንምዃን፡ 907K subscribers፣ 357,488,565 views ኣሎዎ። “ዐረገች በስብሐት” እትብል መዝሙር፡ (ኣብዚ ጠውቑ)ብኢንጅነር ገዛኸኝ ጥበቡ ተገጢማ፡ ብዲያቆን ኣማን ኡርጌሳ ተዘይማ፡ ትማሊ 21 ነሓሰ 2023፡ ኣብዚ ቻነል’ዚ፡ - ማኅቶት ዩ-ትዩብ - ተሰቒላ’ላ። 24 ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ኸኣ፡ ልዕሊ 75 ሽሕ ርእየት ረኸበት። ካብዚኦም፡ ክንደይ ዝብዝሖም ተዛረብቲ ትግርኛ ምዃኖም ዝፈለጥክዎ ሓበሬታ የብለይን፥ ኣቃሊልካ ክርአ ዘይከኣል ኣሃዝ ምዃኑ ግና ጥርጥር የብለይን።

ብኽብርን ዕብየትን ጐይታ ተመሲጥካሉ ካብ ዝጸናሕካ ደብረ-ታቦር፡ ኣይ ዕለት ኣይ ሰሙን፡ ንታሕቲ ገጽካ ትወርድ እሞ፡ ምድሪ፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ፡ ጭራሕ-ምራሕ፡ ዕምብረ መሲላ ትጸንሓካ። ኣብ ኦሪት ዘጸኣት ምዕራፍ 32 ህያው መረዳእታ ተጻሒፉልና’ሎ። ሙሴ፡ ንኢያሱ ሒዙ ኣብ ከረን እግዚኣብሄር ደይቡ’ሎ። ቀሺ ኣሮን ድማ፡ ኣብ ማእከል ህዝቡ ማሚቝ፡ ምስቲ ህዝቢ፡ ወጃዕ ይብል ኣሎ። እቶም ኣገልገልቲ ዘበልና፡ ኣብ ቦታ ሙሴ ዶ ኣብ ቦታ ኣሮን እዩ ዘሎ መደብና፧!

ፍቕዲ ሓደ፡- እቲ ህዝቢ ኸኣ ሙሴ ኻብ ከረን ከይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረአየ፡ ናብ ኣሮን ተአከበ እሞ፡ “ነዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ፡ እቲ ሰብኣይ፡ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ተንስእ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና፡” በልዎ። ቀሺ ኣሮን፡ ጠለብ ህዝቡ ተቐቢሉ፡ ወርቃዊ ፍሲ ምራኽ ኣዳለወ። እቶም ህዝቢ፡ “ካብ ግብጺ ዘውጽኡና ኣማልኽቲ እንሀው” እናበሉ ነቲ ፍሲ ምራኽ ክስውኡሉን ክሰግዱሉን ከለው፡ ቀሺ ኣሮን ግና፡ ብልሳኑ ያኢ ክመጻደቕ፡ “ጽባሕ ንእግዚኣብሄር በዓል እዩ” ብምባል ኣወጀ። ብላዕ ወ-ስተ ኰይኑ፡ እቲ ህዝቢ ድማ፡ ኪሰሓቕ ማለት ክዘናጋዕ ጀመረ፡ ይብለና እቲ ጽሑፍ፡- ፍቕዲ ሓሙሽተ

ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ በሎ፡ እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ በዲሉ እዩ እሞ፡ ኪድ ውረድ. . . ዅራይ ኣብኦም ክነድድ እሞ፡ ክውድኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡” ሙሴ ግና፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ. . . እግዚኣብሄር ድማ ካብቲ ንህዝቡ ኪገብሮ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኽፉእ ተጣዕሰ ይብል፡- ክሳዕ ፍቕዲ 14 ዘሎ። ፍልልይ ሙሴን ኣሮንን ንርኣዮ! ኣሮን ንጥፍኣት፡ ሙሴ ንልምዓት!

ዐረገች በስብሐት” ቢሉ ዝዝምር ዘሎ ዲያቆን ኣማን ኡርጌሳ፡ ኣሰር ቀሺ ኣሮን ይስዕብ ምህላዉ፡ ልሉይ እዩ። ንትሕዝቶ እታ መዝሙር ሃሰስ ንበሎ፦

ተደጋጋሚ

ዓሪጋ ብስብሓት፡ ዓሪጋ ብዕልልታ

ዓሪጋ፡ ዓሪጋ ብዕልልታ

እመቤተ-ጻድቃን እታ ተስፋ ሓጥኣን

ዓሪጋ፡ ዓሪጋ ብዕልልታ

እቲ “ዓሪጋ ብስብሓት” ዝብል ሓሳብ፡ ካብቲ ሰረተ እምነትና እንገልጸሉ ጸሎት ሃይማኖት፡ “ዐርገ በስብሐት ውስተ ሰማያት” ዝተራዕመ ምዃኑ ኣይተሓትትን። ግናኸ፡ እቶም ኣቦታት ደኣ’ሞ፡ ስለምንታይ ኮን ይኸውን “ዐርገት በስብሐት ወስተ ሰማያት” ቢሎም ዘየጽንሑልና፧! ህዝቢ ምሉእ እናጸደፈስ፡ ከም ቀሺ ኣሮን ዶ ምስቲ ህዝቢ ወጃዕ ንበል፡ ወይስ ከምቲ ሙሴ ዝገበሮ ኢና ክንገብር ዘለና፧! 

እቲ ዘይሕሶ ንኽፍጸም ቃሉ

እንተዓረፈት’ኳ ኣደ-ኣምላኽ፡ እታ በጃ ኩሉ

ዓሪጋ ተንሲኣ’ያ፡ `ታ ድንግል ኣዴና

ዕልል በሉ፡ ዕልል፡ ዕልል በሉ

እቲ “በጃ ኹሉ” ዝብል ዘሎ፡ ነቲ እንኮ በጃ ዝዀነና መድሓኒና ኢየሱስ ዝምልከት እምበር፡ ንማንም ካልእ ዝወሃብ ኣይኰነን። ተሰቒሉ ዘድሓነና፡ ሓደን እንኮን ንሱ ጥራይ እዩ። ብዕርገት ዕልል ምባል ንዝምልከት ግና፡ ኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነገር’ዩ፡ (2ነገ 2.11)። ይኹን’ምበር፡ እቲ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝተኸታተለ ኤልሳእ’ኳ፡ ባርኖስ ኤልያስን ዕጽፊ መንፈስን ተቐቢሉ ክንሱስ፡ ብዕርገት ኤልያስ ግና ዕልል ክብል ኣይንርእዮን ኢና። ብትንሳኤን ዕርገትን ጐይታና እናተሓጐስና እንዝምረሉ ምኽንያት፡ “ንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅና’ውን ተንስኤ” ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ እዩ፡ (ሮሜ4.25)። ትንሳኤኡ ብስራት ጽድቅና’ዩ። ብዕርገቱ እንሕጐሰሉ ድማ፡ ”እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ፡ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ” ዝብል ተስፋ ስለ ዘሎና እዩ (ግብ1.11)። 

ሰማያት ተገሪሞም፡ በዛ ሓዳሽ ሰማይ

ንዘይጾርዎ ጐይታ፡ ወሲናቶ ብምርኣይ

ክቕበልዋ ወጹ፡ ኩሎም ተፈሲሆም

ንዒ፡ ንዒ እናሉ፡ ንዒ ንዒ እናሉ

ወሲናቶ” ዝብል፡ ኣዝዩ ተነቃፊ ሓሳብ’ዩ። ኣብቲ ሰረተ እምነትና ዝገልጽ፡ ጸሎተ ሃይማኖት ዘሎ ብህሎን ኣበሃህላን፡ “ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለበሰ፡ ሰብ ኮነ። ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቕለ፡ ሓመመ፡ መከራ መስቀል ተቐበለ፡ ሞተ፡ ተቐብረ፡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምዉታት ተፈልዩ ተንሥአ። ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ። ኣብ የማን አቦኡ ተቐመጠ” እዩ ዝብል።

ስጋ ለበሰ፡ ሰብ ኰነ፡ ተወልደ፡ ተወሰነ፡ ተሰቕለ፡ ሓመመ፡. . . ነዚ እንተገልቢጥናዮ፡ (ስጋ ኣልቢሳቶ፡ ሰብ ጌራቶ፡ ወሊዳቶ፡ ወሲናቶ፡ ወዘተ) መረዳእታና’ውን ከምኡ ክግልበጥ ኣብ ቀረባ’ዩ። ስለዚ፡ እቲ ማእከላይ ጠመተና፡ “ንሱ” ዝብል ደኣ ክኸውን ይግባእ እምበር፡ “ንሳ” እንተጌርናዮ፡ ከጋግየና ይኽእል’ዩ።

 ምሉእ ዕድሚኣ ስለ ወዳ ኣልቂሳ

ሰይፊ መከራ፡ ኣሕሊፋ ብነፍሳ

ኣብ የማኑ ክትቀውም እናተባህለት ንግስቲ

እንሆ ዓሪጋ’ላ፡ እንሆ ዓሪጋ’ላ

 “ምሉእ ዕድሚኣ ስለ ወዳ ኣልቂሳ” እንታይ ማለት’ዩ፧! ብርግጽ እቲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዘሎ፡ ናይ መከራ ጊዜ፡ እወ። ድሕር’ዚ ግና፡ ኣብ ሳልስቱ ዝተንስአ ጐይታ፡ 40 መዓልቲ እናተራእዮም ጸኒሑ፡ ኣብ መበል 50 መልቲ መንፈስ ቅዱስ ክልእከሎም ከሎ፡ ቅድስት ድንግል ምስቶም 120 ሓቢራ ትጽሊ ምንባራ ተጻሒፉልና’ሎ። 

 ብምህሮ ኣቦታት ሃዋርያት ጸኒዕኩም ዘለኹም

መሰኻኽር ደቃ፡ ካብ ዘርኣ ዝተረፍኩም

ካብ ሞት ተንሲኣ’ያ ቅድስቲ ኣዴኹም

እንቋዕ ደስ በለኩም፡ እንቋዕ ደስ በለኩም

 — ብዘይ ርእይቶ ሰጊረዮ ኣለኹ —

ኢድኪ ዝዳህሰሶ ዝተንከዮ ጉልባብ

ከም ዝባረኽክዮም ነቶም ሃዋርያት

ማርያም ማርያም ክንብል ኣብ ደጌኺ ቌምና

ንዓና’ውን ባርኽና፡ ንዓና’ውን ባርኽና

— ብዘይ ርእይቶ ሰጊረዮ ኣለኹ —

መዕጸዊ

ቀሺ ኣሮን፡ ወርቂ ኣምኪኹ ምራኽ ሰሪሑ ከብቅዕ፡ “ጽባሕ ንእግዚኣብሄር በዓል እዩ” ከም ዝበለ፡ ኣምላኽና ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝግባእ፡ ንማንም ካልእ ከይንህቦ ደኣ ንጠንቀቕ እምበር፡ ገዛእ ርእስናን ካልኦትን ኣይንጠብር። ካብ ህይወት ቅድስት ድንግል ማርያም፡ እንምሃሮ፡ ተኣዝዞ፡ እምነት፡ ትዕግስቲ፡ ጸሎት ወዘተ ኣዝዩ ብዙሕ ኣሎ። ንዕኡ ንምሃሮ፡ ነስተንትኖ፡ ንጠቐመሉን ነተግብሮን ከኣ፡ ኣኸለ። እዚ እንተገበርናስ፡ ንልቢ ጐይታ ዘዕርፍ ህይወት ክህልወና እዩ። 

በጃ ኰይኑ ዕዳ ሓጢኣትና ዝኸፈለ፥ መቓብር ፈንቂሉ፡ ጽድቅና ዘበሰረ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪረአየልና ድማ ናብ ሰማይ ዝኣተወ፡ ግና፡ እንኮ መድሓኒ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ስለዚ’ዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ” ዝብለና፡ (1ጴጥ3.15)። ክትቅድሱ እንተደለኹም፡ ንጐይታና ኢየሱስ ብልብኹም ቀድስዎ! ክትዝምሩ እንተደለኹም፡ ንጐይታና ኢየሱስ ተቐነዩን ድረሱሉን፡ (ኤፌ5.18) ሓደው ከምቲ ደቂ ቆራህ ዘሚሮምዎ ዘለዉ፡ "ኣምላኽ ብእልልታ፡ እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ደየበ። ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፡ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፡ ዘምሩ። ኣምላኽ ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ እሞ፡ መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ”፡ (መዝ 47.5-7)።