Megedihywet

View Original

ኣፍልጦን ማእከልነትን ሃገረ ስብከት ዘይብሉ፡ ሕብረት ኦ.ተ.ቤ.

ላዕለዋይ መንፈሳዊ ምምሕዳር ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ንሕብረት ኦ.ተ.ቤ. ”ኣፍልጦን ማእከልነትን ሃገረ ስብከት ዘይብሉ” ብምባል፡ ብተደጋጋሚ ክጠቕሶ ይስማዕ ኣሎ። ሎሚ-ሎሚ ኸኣ እሞ ”ናይ ውልቂ ማሕበር” ክሳዕ ምባል’ውን’ዩ በጺሑ። ገርሀይና ሕቶ ምቕራብ ኣይጽላእን ይኸውን እሞ፡ እስከ ከምዚ ዝስዕብ ክሓትት።

ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ www.tewahdo.org ንኦተቤ ብዝምልከት ብተደጋጋሚ ክጸሓፍ ጸኒሑ’ዩ። እቲ ወግዓዊ መርበብ፡ ብዘይ ኣፍልጦን ማእከልነትን ሃገረ ስብከት’ዩ ዘውጽኦ ማለት ድዩ፧! “እወ” ክብሃል ዝከኣል ኣይመስለንን። ”ኣይፋል” ዘይብሃል እንተዀይኑ ኸኣ፡ ዘረባ ላዕለዋይ መንፈሳዊ ምምሕዳር ደኣ’ሞ፡ ኣብ ምንታይን ምስ ምንታይን’ዩ ክምደብ፧! ካብቲ ወግዓዊ መርበብ፡ ሰለስተ ጽሑፋት ወሲድና ንርአ፦

18 ግንቦት 2023 ዝተጻሕፈ

እቶም ብስም ኦ.ተ.ቤ. ጥርናፈ ፈጢሮም፣ ክንቀሳቐሱ ዝርከቡ ዘለዉ ኦርቶዶክሳውያን ዝኾኑ ደቅና፡ ኣብ 2021 ምንጩ ካብ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ተርጒሞም ዝዘርግሑዎ 6 መጽሓፍቲ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ንሳቶም እዞም መንእሰያት እዚኣቶም’ውን፡ በቲ ነቲ መጻሕፍቲ ንምትርጓም ዝገበርዎን ዘርኣይዎን ተወፋይነት ኩሉ፡ ክንደይ’ኳ ክምስገኑ ዝግብኦም እዩ። ስለዚ`ውን ኣብቲ ቤተ ክርስቲያንና ሰብ እትደልየሉ ዘላ ሰዓት፡ ሰብ ኰይኖም ተረኺቦም እዮም እሞ፡ ንሕናውን ከየመስገንናዮም ክንሓልፍ ኣይንኽእልን። ምሉእ ትሕዝቶ (ሕጂ ኣብዚ ምስ ተዘርግሐ እንተዘይተደምሲሱ) እንሆ፦

 ገርሀይና ሕቶ

“ኣብቲ ቤተ-ክርስቲያንና ሰብ እትደልየሉ ሰዓት፡ ሰብ ኰይኖም ተረኺቦም እዮም እሞ፡ ንሕና’ውን ከየመስገናዮም ክንሓልፍ ኣይንኽእልን” ክብሃል ከሎ፡ ላዕለዋይ መንፈሳዊ ምምሕዳር ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና፡ ኣበይ ኔሩ ክብሃል ይከኣል፧!

“ኦርቶዶክሳውያን ዝዀኑ ደቅና” ዝብል ዘሎ መግለጺ ኸ፡ ኣፍልጦን ማእከልነትን ሃገረ ስብከት ዘይንበሮ ማለት ዶ ኾን የስምዕ ይኸውን፧!

03 ጥሪ 2020 ዝተጻሕፈ

ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ስዊድን ክካየድ ካብ ነዊሕ ብመደብ ተታሒዙ ዝጸንሐ ጉባኤ፡ “እግዚኣብሄር ንመንን ብኸመይን እዩ ርእሱ ዝገልጽ” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ሊቀ ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ምህርካጽዮን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብ27 ከምኡ’ውን 28 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ተኻይዱ። ምሉእ ትሕዝቶ (ሕጂ ኣብዚ ምስ ተዘርግሐ እንተዘይተደምሲሱ) እንሆ፦

ገርሀይና ሕቶ

ሊቀ ካህናት ቀሺ ተኽለማርያም ማለት፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዝነበሩ ኣቦ እዮም። እሞ እቲ ላዕለዋይ መንፈሳዊ ምምሕዳር ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስናሲ፡ ሕንኽ ከይበለ፡ ”ኣፍልጦን ማእከልነትን ሃገረ ስብከት ዘይብሉ” ንምባል፡ እቲ ምልዓል ቀለም ኮን፡ ከመይ ቀለለሉ፧

17 ሓምለ 2019 ዝተጻሕፈ

ካብ 5-7 ሓምለ 2019 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ክግበር ዝቐነየ ጉባኤ፡ ብቕዳሴ ዝተሰነየ ኰይኑ፡ ንሠለስተ ተኸታታሊ ዕለታት’ዩ ተኻይዱ። እቲ ጉባኤ ብዝበለጸ ዘተኰረሉ ድማ ኣብቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ተነጺሎም ዝርከቡ ዘለዉ መንእሰያት እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብስም ”ኦተቤ” ኣብ ትሕቲ ጽላል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተጠርንፎም ዝጸንሑ መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት ዘተኮረ’ዩ ነይሩ።  ምሉእ ትሕዝቶ፡ (ሕጂ ኣብዚ ምስ ተዘርግሐ እንተዘይተደምሲሱ) እንሆ፦  

ገርሀይና ሕቶ

ሀ. ዓመተ 2019፡ ሕብረት ኦተቤ ንመጀመርታ ጊዜ ጉባኤ ዝሰርዓሉ ዓመት’ዩ። ገና ጅምር ከብል ከሎ ድማ ብፍቓድ ሊቀ ካህናት ዘሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዝተኻየደ ምዃኑ፡ እናተፈልጠስ፡ ላዕለዋይ መንፈሳዊ ምምሕዳር ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ደኣ እንታይ ወሪድዎ እዩ፡ “ኣፍልጦን ማእከልነትን ሃገረ ስብከት ዘይብሉ” ብምባል ዘረባ ክደጋግም ዝርአ ዘሎ፧!

ለ. ብሓቂ ዶ ኦተቤ፡ ኣፍልጦን ማእከልነትን ሃገረ ስብከት ኣይጸንሖን’ዩ፧! እወ እንተዀይኑ እቲ መልሲ፡ እሞ ስለምንታይ ደኣ ኣብቲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሃገረ ስብከት፡ ብዛዕባኡ ሓያሎ ጽሑፋት ክእንገድ ተገይሩ፧ ኣይፋል እንተዀይኑ ድማ እቲ መልሲ፡ ስለምንታይ ደኣ ብቓልን ጽሑፍን፡ ኣፍልጦን ማእከልነትን ሃገረ ስብከት ዘይብሉ፡ ክብሃል ይድለ’ሎ፧!
ሰሰናዩ ተመንየ’ለኹ!