ገርሀይና ሕቶ፡ ንጉባኤ ሊቃውንት
”ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሕብረት ኣብያተ-ክርስቲያናት ኣብ መላእ ዓለም” ኣብ ዝብል ስያመ ብምሕታት’የ ክፍልም። እቲ ”ኣብ መላእ ዓለም” ዝብል ይጽንሓልና’ሞ፡ ብሱሩ፡ ”ሕብረት ኣብያተ-ክርስቲያናት” ምባል ሲ፡ እንታይ ቍንቍኛ ኾን ይህልዎ ይኸውን፧
”ቤት”፡ ክበዝሕ ከሎ፡ ”ኣባይቲ” ይኸውን። ስለዚ ኸኣ ”ቤተ ክርስቲያን” ንዝብል ንጽል ስያመ፡ ከነብዝሖ ከለና፡ ”ኣብያተ ክርስቲያን” ብዝብል ንጽሕፎ። ቤተ ክርስቲያን ግና ብባህሪኣ፡ ሓንቲ ደኣ’ምበር ክልተን ሰለስተን ስለ ዘይኰነት፡ ብንጽል ክትስመ ከላ’ዩ ዘማዕርገላን ዝግብኣን ድማ። ብግእዝ’ውን፡ ”ቤተ ክርስቲያንሰ ትትሜሰል. . .” ደኣ ንብል እምበር፡ ”ኣብያተ ክርስቲያናትሰ ይትሜሰላ. . .” ኣይንብልን። ፀጉ ሰላመ ለቤተክርስቲያን፡ ጸልዩ በእንተ ሰላመ ቤተክርስቲያን ወዘተ ደኣ ንብል እምበር፡ ኣብዚሕና፡ ”ኣብያተ ክርስቲያን” ክንብል ኣየድልየናን።
ፍልልይ ቤተ ክርስቲያንን ኣብያተ ክርስቲያንን
ንመረዳእታ፡ ነተን ”ኦሬንታል ኦርቶዶክስ” ዝብሃላ፡ እንተጠቐስና፡ ብሓባር፡ ሓንቲ ቤተክርስቲያን ክንሰን፡ ነናተን ባዕለ-ምምሕዳር ስለ ዘሎወን ግና፡ ከም ጨናፍር ዘይኰናስ፡ ነፍሲ ወከፈን ”ቤተ ክርስቲያን” ተባሂለን እየን ዝስመያ። ስለዚ ድማ ብዙሕነተን ንምምልካት፡ ”ኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል ኦርቶዶክስ” ንብል። ነቲ ”ኣብያተ ክርስቲያን” ዝብል እንተዘርዘርናዮ፡ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፡ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ህንዲ፡ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ወዘተ፡ ዝብል ኰይኑ ይጸንሓና።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ምብራቕ ኦርቶዶክስ እንተኸድና’ውን ከምኡ፡ “ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ፡” “ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሩስያ፡” ወዘተ ተባሂለን፡ ነናተን ባዕለ-ምምሕዳር ስለ ዘሎወን፡ ከም ጨናፍር ዘይኰናስ፡ ነፍሲ ወከፈን ”ቤተ ክርስቲያን” ተባሂለን እየን ዝስመያ። ስለዚ ድማ ብዙሕነተን ንምምልካት፡ ”ኣብያተ ክርስቲያን ምብራቕ ኦርቶዶክስ” ንብለን።
ንኦሬንታልን ንምብራቕን ኣጠቓሊልና ክንገልጽ ኣብ እንደልየሉ፡ እቲ፡ “ኣብያተ ክርስቲያን” ዝብል ጥራይ ኣኻሊ ስለ ዘይከውን፡ ነቲ ”ክርስቲያን” ዝብል’ውን ከነብዝሖ ንደሊ። ስለዚ ድማ ”ኣብያተ ክርስቲያናት ምብራቕን ኦሬንታል ኦርቶዶክስን” ንብል።
ለቡ፦
- ቤተ ክርስቲያን- ንሓንትን ስምርትን ቤተ ክርስቲያን። ንመረዳእታ፡ ኣብ ሽዕብ ዘላ ትኹን ኣብ ዕራርብ፡ ኣብ መንሱራ ዘላ ትኹን ኣብ ኣስመራ፡ ወትሩ “ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ” ተባሂላ ትስመ።
- ኣብያተ ክርስቲያን- ዶግማዊ ሓድነት ዘሎወን ግናኸ ነናይ ባዕለን መሪሕነት ዘሎወን ኣብያተ ክርስቲያን። ንመረዳእታ፡ ኣብያተ ክርስቲያን ኦሬንታል ኦርቶዶክስ
- ኣብያተ ክርስቲያናት- ዝተፈላለያ ጨናፍር ኣብያተ ክርስቲያን ብሓባር። ንመረዳእታ፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም (ካቶሊክ፡ ኦርቶዶክስ፡ ወንጌላዊት ወዘተ)
”ሕብረት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ መላእ ዓለም” ማለት ከ ደኣ እንታይ ማለት’ዩ፧
እቲ ”ኣብያተ” ዝብል ብዝሒ፡ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያን ምህላወን’ዩ ዝሕብር። እቲ “ክርስቲያናት” ዝብል ድማ፡ ዝተፈላለዩ ጨናፍር ክርስትና ንዝሓቘፈ እዩ ዝውክል። ስለዚ፡ ሕብረት ኵሎም እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ክርስቲያናት እዩ ዘስምዕ እሞ፡ እስከ ንዘርዝሮ እንተተባህለ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ጨናፍር ክርስትናን፡ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያንን ኢና ክንጽብጽብ እንኽእል፦ ካቶሊካዊት፡ ኦርቶዶክሳዊት፡ ወንጌላዊት፡ ወዘተ ማለት’ዩ።
ተረፍ ሕቶ
”ኣብ መላእ ዓለም” ማለት፡ ንኤርትራ’ውን ሓዊስካ ድዩ ዝኸውን ዘሎ፧ ገርሀይና ሕቶ’ዩ።
ጉባኤ ሊቃውንት
2 ታሕሳስ 2023 ብጉባኤ ሊቃውንት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሕብረት ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ መላእ ዓለም፡ ዝተጻሕፈ ”ዘይኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ዝመሃሩን ትምህርቶምን ዝምልከት ጸብጻብ ስራሕ” ዝብል ናብተን ብኣቡነ ሲኖዳ ዝምእከላ ጨናፍር ቤተክርስቲያን ተላኢኹ’ሎ።
መሰረታዊ ትሕዝቶ እቲ ጸብጻብ፡ ቀዳማይ መድረኽ መስርሕ ዕርቂ፡ ኣብ ኒው ጀርሲ ብማእከልነት ወከልቲ ጳጳሳት ኣብያተ ክርስቲያን ኦርየንታል፡ ብዓወት ምዝዛሙን፡ ካልኣይ መድረኽ መስርሕ ዕርቂ ድማ ሕጂ ተጀሚሩ ምህላዉን ዝሕብር’ዩ።
ኣብዚ ካልኣይ መድረኽ፡ ምውህሃድን ሓድነትን እቲ ክልተ ዝጸንሐ ጉጅለ ዝምልከት ክኸውን ከሎ፡-
ሀ. ብይቕሬታ ክሳዕ ዝምለሱ፡ ኣብ’ዚ ዝግበር ናይ ክልቲኡ ወገን ሃገረ-ስብከታት ምውህሃድ፡ ዘይተጠቓለሉ፡ ተባሂሎም ዘለዉ፡ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ተቐማጢ ሽወደንን ዲ. ዮሃንስ ገብረህይወት፡ ተቐማጢ ሃገረ እንግሊዝን፡ ምዃኖም፡
ለ. ”ብናይ ጣዕሳ መንፈስ ኣካይዳኦም ኣሪሞም ናብዚ ሕብረት ክምለሱ ፍቓደኛታት ዝኾኑ” ተባሂሎም ዘለዉ ድማ፡ (ቀሺ ሓድሽ ገብረመድህን፡ ቀሺ ሰመረ ስብሃቱ፡ ዲያቆን ጸጉ ደበሳይ፡ ቀሺ እንድርያስ ይከኣሎ፡ ዲያቆን ተስፊት መዓሮ) ምዃኖም ንምሕባር’ዩ።
ገርሀይና ሕቶ
ሀ. ጉባኤ ሊቃውንት፡ ንቐሺ ዮናስን ንዲያቆን ዮሃንስን፡ ከም ስርዓት ቤተ-ክርስቲያንን ከም ልማድ ኣቦታትን፡ ጉባኤ ሰሪዑ፡ ኣዘራሪብዎም ይፈልጥ ዶ፧ ከምኡ ተጌሩ እንተዀይኑ፡ መዓስን ኣበይን፧ ከምኡ ዘይተገብረ እንተዀይኑ ድማ፡ ከምቲ ኒቆዲሞስ ዝበሎ፡ ”ሕግናኸ ንሰብዶ፡ ቅድም ከይተሰምዐን እቲ ዝገበሮ ከይተፈልጠን ይፈርዶ እዩ፧ (ዮሃ7.51)። ኣብቲ ጽሑፍ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ጉባኤ ሊቃውንት፡ ንቓል ኮሚተ ዕርቂ ምርኩስ ብምግባር’ዩ ጸብጻብ ስራሑ ኣቕሪቡ ዘሎ።
ለ. ጉባኤ ሊቃውንት፡ ነቶም ”ብናይ ጣዕሳ መንፈስ ኣካይዳኦም ኣሪሞም ናብዚ ሕብረት ክምለሱ ፍቃደኛታት ዝኾኑ” ዝብሃሉ ዘለዉ፡ ረኺቡ፡ ካብ ኣፎም ቃል ሰሚዑ ዶ ይኸውን፧ ከምኡ ተጌሩ እንተዀይኑ፡ መዓስን ኣበይን፧ ከምኡ ዘይተገብረ እንተዀይኑ ድማ፡ ከምቲ ኒቆዲሞስ ዝበሎ፡ ”ሕግናኸ ንሰብዶ፡ ቅድም ከይተሰምዐን እቲ ዝገበሮ ከይተፈልጠን ይፈርዶ እዩ፧ (ዮሃ7.51)። ኣብቲ ጽሑፍ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ጉባኤ ሊቃውንት፡ ንቓል ኮሚተ ዕርቂ ምርኩስ ብምግባር’ዩ ጸብጻብ ስራሑ ኣቕሪቡ ዘሎ።