Megedihywet

View Original

ጾመ-ፍረታት፡ ለውሃት

ብምኽንያት እቲ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝጀመረን ንዝቕጽል ሰሙን’ውን ዝጸንሕን ጾመ ፍልሰታ፡ ንዓርቢ 11 ነሓሰ 2023 ብፍሉይ እናስተንተንና ንገዛእ ርእስናን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን እንጽልዮ፡ እቶም ብሓምሻይን ሻድሻይን ተጠቒሶም ዘለዉ፡ ፍረ መንፈስ እዮም፦ ለውሃትን ሕያውነትን

ነጻጺልካ ክትርእዮም ዳርጋ ዝከኣል ኣይመስልን። ጥዑምን ልኡምን ጠባይ፡ ሕያውነት’ዩ፥ ደንጊጽካ ምርዳእ፡ ምሃብ፡ ምሕግዝ ድማ ለውሃት’ዩ። እቲ ለዋህ ዝባህርዩ፡ ብባህሪኡ ሕያዋይ ድማ’ዩ። እቲ ሕያዋይ ዝባህሪኡ ኸኣ ብባህሪኡ ለዋህ ድማ’ዩ። ብቕደም-ተኸተል ምእንቲ ክንከይድ፡ ንሎሚ ኣብቲ ”ለውሃት” ዝብል ኣድሂብና ከነስተንትን ኢና።  

ለውሃት ማለት፡ ደንጊጽካ ክትሕግዝ፡ ክትረድእ፡ ሓደው ክትድግፍ ምኽኣል ማለት ምዃኑ ተጠቒሱ’ሎ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንሰብ ሮሜ፡ ”ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ክብሎም ከሎ፡ (ሮሜ 12.10) ነቲ ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ፡ ”ኣቱም ደቀየ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር” ዝበሎ’ዩ፡ ዘቃልሕ ዘሎ፡(1ዮሃ3.18)። ሃዋርያ ያዕቆብ ድማ፡ ”ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዓረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢ’ውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሃብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቅም፧” ብምባል ኣጒሊሑ ኣቐሚጥዎ’ሎ፡ (ያእ2.15-16)

እግዚኣብሄር ብኣፍ ነብዪ ኢሳይያስ ጌሩ፡ ንሱ ዝፈትዎ ጾም፡ እቲ ብለውሃት ዝስነ ጾም ምዃኑ ሓበረ። ”ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉ’ውን ምስባር” ብሓደ መዳይ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ኸኣ፡ ”እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋኻ’ውን ከይትሕባእ” ምዃኑ ድማ መሃረ፡ (ኢሳ 58፡6-7)። እዚ ኹሉ ብለውሃት ዝዕመም’ዩ። ህይወተይን ህይወት መላእ ቤተ ክርስቲያንን፡ ብለውሃት ዝፍለጥ ባህርይ ኣሎና ዶ፧!

ዚንበብ፡ ፊሊጲ 4፡ ካብዚ ብፍሉይ ከነስተብህለሉ ተደልዩ ዘሎ ኽፍሊ፡ ”እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ” ዝብል’ዩ

ጸሎት

ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ለውሃትካ ካብ ህይወት ይበልጽ’ዩ’ሞ፡ ነቲ ቕዱስ ስምካ እባርኽ ኣለኹ። ”ፍቕሪ፡ ዓቃል’ያ”፡ ከም ዝተባህለ፡ ”ፍቕሪ፡ ለዋህ’ያ” ድማ ተባሂሉ’ሎ’ሞ፡ ለውሃተይ ኣብ ኵሉ ሰብ ክሳዕ ዝፍለጥ፡ በዚ ነገር’ዚ ከኽብረካ ርድኣኒ። ንኹልና ነቶም እንጽዕርን ጾር ዝኸበደናን፡ ምእንቲ ከተዕርፈና፡ ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይ’ውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይ’ውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይ’ውን ተምሃሩ” ዝበልካ ጐይታ፡ ኣነን መላእ ቤተ ክርስቲያንን ነዚ ግብሪ ለውሃት’ዚ ካባኻ ክንምሃሮ፡ እጽሊ’ለኹ፡ ስለ ዝሰማዕካኒ ድማ አመስግን፡ ይእዜኒ ወዘልፈኒ፡ ወለዓለመ-ዓለም ኣሜን!

 ለቡ

ኣምላኽ እንተፈቐዶ ብህይወት ድማ እንተጸኒሕና፡ ጽባሕ ቀዳም’ውን፡ ነታ እትቕጽል ፍረ መንፈስ፡ ማለት፡ ሕያውነት ብእትብል ከነስተንትንን፡ ክንጽልን ኢና።