Megedihywet

View Original

ካልኣይ ዕዮ ገዛ፡ መጽናዕቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን፡ ስላሴኣዊ ሱታፌ

ዝቐረበ ሕቶ፥

ኤፌሶን 1.1-23 ብምንባብ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ሱታፌ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ከመይ ከም ዝነበረ ግለጹ።

ጉጅለ 6 ዝመለሰዎ

ኣብ መልእኽቲ ናብ ሰብ ኤፌሶን ምዕራፍ 1, ሱታፌ ናይ ኣቦ፣ ወድን መንፈስ ቅዱስን “ኣብቲ ንዅሉ ብክርስቶስ

ምጥቕላል” ዚብል” መደብ ኣምላኽ ብንጹር ተጻሒፉ ኣሎ፡-

1. እግዚኣብሄር ኣቦ

o መበቈልን መዳብን፡- ኣቦ ምንጪ ኵሉ ነገር ኢዩ፡ ነቲ መደብ ድሕነትናን ነዚ መደብ ንዅሉ ብኽርስቶስ ምጥቕላልን ንሱ ኢዩ መዲብዎ። ቅድሚ ምስራት ዓለም ሓርዩናን ብክርስቶስ ኢየሱስ ንርእሱ

ውሉድ ክንኰኖ መዲቡናን (1፡4-5)።

o ንመደቡ የፍልጥ፡-ሰናይ ድሌቱ ዀይኑ ኸኣ ነቲ ንዅሉ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ብክርስቶስ

ናይ ምጥቕላል ምስጢር ፍቓዱ ኣፍለጠና። (1፡9-10)። ነቲ ተስፋ ጽውዓን ሃብቲ ርስቲ ኽብሩ ኣብ

ቅዱሳን እንታይ ምዃኑን በቲ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ኣቢሉ የፍልጥ (1፡18)

o ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣቐሚጡ፡ ልዕሊ ኵሉ ብዝዀነ ስም ኣርኢስዎን ንዅሉ

ኣግዚእዎን፡ (1፡21-22) በዚ ከኣ ክርስቶስ ንዅሉ ኪጥቕልለሉ ዘኽእሎ ስልጣን ኣለዎ።

2. እግዚኣብሄር ወልድ

o ተበጃውን ፈጻሚ መደብ ኣቦን፡- ክርስቶስ ንመደብ እግዚኣብሄር ኣቦ ኣብ ምፍጻም ዓቢ ተራ ኣለዎ። ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና። (1፡7) ክርስቶስ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ዚጥቕለለሉ (1:10) ማእኸል መደብ ኣምላኽ ኢዩ። ንሱ ምልኣት መደብ ኣምላኽ ዚገሃደሉን፡ ንዅሉ ኪጥቕልል ዘኽእሎ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን  ስልጣን ዘለዎን ኢዩ። (1፡21-22)

3. እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ

o ማሕተምን ውሕስነትን፡- ሰባት ነቲ ናይ ምድሓኖም ወንጌል ምስ ሰምዑ ብእኡውን ምስ ኣመኑ በዚ ናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ይሕተሙ፡ (1፡13) ንሱ ክሳዕ ነቲ ርስትና ብምልኣት እንወርሶ ፡ እንወሃቦ ዕርቡን (ውሕስነት) ርስትና ኢዩ፡( 1፡14)። መንፈስ ቅዱስ፡ ብኸምዚ ኣብ ኣመንቲ ብምንባር እቲ ክርስቶስ ዚገበሮ ኵሉን እቲ ኣብ መጻኢ ብክርስቶስ ዚኸውን ምጥቕላል ናይ ኵሉን ኣብ ኣመንቲ ከም እተፈልጠ የረጋግጽ። (1፡17-18)

·       እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን ብክርስቶስ ንምጥቕላል መዲቡ፡

·       እግዚኣብሄር ወልድ ነቲ መደብ ይፍጽም

·       መንፈስ ቅዱስ ድማ እዚ መደብ እዚ ንኺፍጸም ዋሕስን ማሕተምን ኢዩ።

ጉጅለ 4 ዝመለስዎ

ሱታፌ   ኣቦ

·       ቅዱሳንን መንቅብ ዘይብሎምን ጌሩ ቅድሚ ምስራት ዓለም  ብእኡ ሓረየና።

·       ንድሕነትና ዝኸውን መደብ ሰርዐ

·       መሰል ውልድነት ብወዱ ሃበና።

·       ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ።

·       ብኽርስቶስ ጌሩ ጸገወና ንውዳሴ ክብሩ ብፍታው ፍቓዱ ውሉዱ ክንከውን ቀደም መደበና

 ሱታፌ   ወልድ

·       ብደሙ ምድሓን ረኸበና ከምቲ ሃብቲ ጸጉኡ ሕድገት ሓጥያት ኣሎና ።

·       ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ

·       ነቲ ብኣቦ ዝተሰርዐ ናይ  ድሕነትና  መደብ ብተኣዛዝነት ኣተግበሮ

 

  ሱታፌ  መንፈስ ቅዱስ

·       ማሕተም ተስፋና

·       ንውዳሴ ክብሩ ዕርቡን ርስትና

·       ሓይልና  ብርታዐና  ትብዓትና

መጠቓለሊ

·       ኣቦ ፍቓድ ሂቡ።

·       ወልድ ተኣዚዙ.

·       መንፈስ ቅዱስ ከኣ ማሕተምና ኰይኑ።

ጉጅለ 3 ዝመለስዎ

ኤፌሶን ምዕራፍ 1፡ ኣብቲ መበቆላዊ ግሪኽ ሓድሽ ኪዳን፡ ካብ ፍቕዲ 3 ክሳዕ 14 ሓንቲ ነዋሕ ሓረግ (ምልእቲ ሓሳብ) ኰይና ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ስራሕ ኣቦ፥ ወልድ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣንዊሑ ብምዝርዛር ዝገልጸላ ምዕራፍ እያ።

ኣብ ፍቕዲ 3 እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን ኢሉ ዝጀመረ፡ ኣብ ፍቕዲ 14 እቲ ብስላሴ ዝተገብረ ስራሕ፡ ”ንውዳሴ ክብሩ እዩ” ብምባል፡ ኣርባዕተ ነጥቢ ይገብረሉ።

ሀ. ኣቦ

ነቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ምምራጽን ምውጣንን፦ እግዚኣብሄር ኣቦ ሃንዳሲ ናይቲ ምሉእ ውጥን እዩ። ኣመንቲ ብምምራጽን ብኢየሱስ ኣቢሉ ውሉዱ ክንኮኖ ኣቐዲሙ መደበና።  ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ክርስቶስ ከእትዎ'ውን ፍቓዱ እዩ። እምበኣርከስ ኣቦ፦

1. ብክርስቶስ ብመንፈሳዊ በረኸት ኣብ ሰማያት ባረኸና (ኤፈ 1፥3)

2. ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ብክርስቶስ ሓረየና (ኤፈ 1፥4)

3. ብክርስቶስ ጸገወናን፥ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበናን፡ (ኤፈ 1፥5-6)4.  ኩሉ ጥበብን ኣእምሮን ኣባና ኣውሒዙ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ (ኩሉ ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ ክጥቕለል)  ኣፍለጠና (ኤፈ 1፥8-10)

5. መንፈስ ጥበብን ምግላጽን ይህብ (ኤፈ 1፥17)

6. ንክርስቶስ ካብ ምውታት ኣተሲኡ፥ ልዕሊ ኩሉ ስልጣን ኣርኣሶ፥ ኣግዝኦን ርእሲ ስጋኡ ማለት ማሕበሩ ጌሩ ወፈዮን። (ኤፈ 1፥19-23)

 ለ. ወልድ

"ኣብ ክርስቶስ" ዝብል ሓሳብ (ወይ "ብእኡ" ዝብል ንክርስቶስ ዘመልክት) ኣብ ኤፌሶን 1 ብውሑዱ 12 ግዜ ተደጋጊሙ ኣሎ። ነቲ ኣመንቲ ውጽኢት ናይቲ ምስ ክርስቶስ ዘለዎም ሓድነት  መንፈሳዊ በረኸትን ውልዱነትን ርስትን ከም ዝረክቡ ከኣ የረድእ።

1. እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ✔️ብክርስቶስ ገይሩ...(ኤፌ 1:3)

2. ቅድሚ ምስራት ዓለም ✔️ብእኡ ዝሐረየና፡ (ኤፌ 1:4)

3. በቲ ፍቁር ✔️ብእኡ ዝጸገወና፡  (ኤፌ 1:5-6)

4. ብፍታው ፍቓዱ ✔️ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና። (ኤፌ 1:5-6)

5. ✔️ብእኡ ብደሙ  (ኤፌ 1:7)

6. ከምቲ ✔️ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡  (ኤፌ 1:8-10)

7. ✔️ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ፡ (ኤፌ 1:8-10)

8. ቐደም ✔️ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና (ኤፌ 1:11-12)

9. ነቲ ዕድል ርስቲ ✔️ብእኡ ረኸብናዮ።(ኤፌ 1:11-12)

10. ንስኻትኩምውን ✔️ብእኡ ቓል ሓቂ፡ ... ምስ ሰማዕኩም (ኤፌ 1:13)

11. ✔️ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፡ (ኤፌ 1:13)

12. ✔️ብጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ዘላ እምነትን ...ምስ ሰማዕኩ፡(ኤፌ 1:15)

ኣብ ክንዲ ኩሉ ብምብጃው ወልድ ኣብ መደብ ኣምላኽ መንጎኛ ኮይኑ፥ ብደሙ ምድሓን ይፍጽም፡ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ስልጣን ስለ ዘለዎ፥ ኣብ ሰማይ ይኹን ምድሪ ኩሉ ብእኡ  ክርከብ ኣለዎ። እምበኣርከስ ወልድ፦ 

 1. ብደሙን ብጸግኡን ምድሓን ማለት ሕድገት ሓጢኣትን ይህብ  (ኤፌ 1:7)

2. ብእኡ ንዝኣምኑ ዕድል ርስቲ ይህብ  (ኤፌ 1:11-12)

3. ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ፥ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ስልጣንን ሓይልን ኣለዎ፥ ከምኡ’ውን ርእሲ ስጋኡ (ማሕበር) እዩ።  (ኤፌ 1:20-23)

ሐ. መንፈስ ቅዱስ

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣመንቲ ዝሕተም ማሕተም እግዚኣብሄር ከምኡ’ውን ዕርቡን ርስቲ እዩ። ክሳዕ ዘመነ ምድሓኖም ነቲ ብክርስቶስ ተስፋ ዝገብርዎ ርስቶም ዘውሕስ እዩ። እምበኣርከስ መንፈስ ቅዱስ፥

1. ከምቲ ክርስቶስ ከም ዝሰዶ ዝሃቦ ተስፋ ንኣመንቲ ዝውሃብ ማሕተም እዩ። (ኤፌ 1፡13)

2. ናይ ምድሓን ዘረጋግጽ ዕርቡን ርስቲ ኣመንቲ ኮይኑ፥ ብስጋ ኣብ ዘለውሉ ግዜ ንውዳሴ ኽብሪ ኣምላክ ክነብሩ ይሕግዞም። (ኤፌ 1፡14)

ዘለኣለማዊ መደብ እግዚኣብሔር ኣብ ሰማይን ምድርን ዘሎ ኩሉ ኣብ ትሕቲ እቲ ልዕል ዝበለ ንጉስ ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥቕለል፥ ኣቦ ንኣመንቲ ብምምራጽን ኣቐዲሙ ብምምዳብን ነቲ መደብ የበግሶ፣ ወልድ ምድሓን ይፍጽምን ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ የእትዎን፣ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነቲ ውርሻ ንኣመንቲ ይሓትምን የውሕሶን።  ብሓባር ድማ ነቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ንምምጻእ ብፍጹም ሓድነት ይሰርሑ።


ጉጅለ 2 ዝጸሓፍዎ

1፡ሱታፌ ኣብ (መዳቢ፡ወሃቢ፡ለኣኺ…)

ከምቲ ኣብ ፍቅዲ 3: እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽን

ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን ዝብሎ ኣብ ባራኺ፡ መዳቢ ፡ወሃቢ ፡ ለኣኺ፡ ኮይኑ ንረኽቦ።

እዚ መደብ እዚ ቀደም ብኣምላኽ ዝተጻሕፈን ዝተመደበን እዩ ።እዚ ባረኸና፡ መደበና፡ ወለደና፡ ተቐበለና፡ ቀደሰና፡ ዝብል ኣብ ፍቕዲ 4 ከም እንርእዮ ኩሉ ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝተፈጸመ ኢዩ።

2፡ ሱታፌ ወልድ (ዓያዪ)፡

እዚ ኩሉ ኣብ ዝገበረልና ክኣ ብክርስቶስ የሱስ ኢዩ። ሂወትና ብክርስቶስ ዝተዓደገን ዝተጠርየ እዩ ።ብክርስቶስ ኣድሓነና፡ ሕድገት ሓጢኣት ሃበና፡ ፍቓድ ኣምላኽን መገዱን ገለጸልና፡ ኣፍቀረና፡ ቀደሰና፡ ንኽብሪ ውዳሴኡ ድማ ውሉዱ ገበረና። ካብዚ ምዕራፍ ከም እንርድኦ ኩሉ ኣብ ክርስቶስ ከም ዝተጠቕለለ ኢዩ፡ ብክርስቶስ ወይ ውን ክንዲ ስም ተጠቂሙ፡ ብእኡ ዝብል 13 ግዜ ተጠቒሱ ንረኽቦ እዚ ኸኣ ኩሉ ብክርስቶስ ከም ዝኾነልና ኢና ንርዳእ።

3፥ ሱታፌ መንፈስ ቅዱስ፡

መንፈስ ቅዱስ እዚ ኩሉ ካብ ኣብ ብክርስቶስ ዝኾነልና ነገር ናትና ብሙኻኑ ኣረጋጊጽልና።

ሀ. ንሱ ሓተመና፦ እዚ ማለት ዋንነት፡ ውሕስነት፡ ውዱእ ፍጻሜ

ለ. ዕርቡን ኮነ። ዕርቡን ማለት ምሉእ ብምሉእ ዓዲግኻ ንእትውንኖ እተሕልፈሉ መጻንሒ ገንዘብ እዩ። ፍጻሜ ናይዚ ዕርቡን እዚ ኣብ ጊዜ ምድሓንና እዩ።  

 ጉጅለ 1 ዝመለስዎ

ሱታፌ እግዚኣብሄር ኣቦ

1.3 እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽ፥ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይመስገን።

ኣቦ፡ ምንጪ ኩሉ ውህበት፣ ባራኺ ምዃኑ ይጠቅስ: ውህበቱ ድማ ብወዱ ገይሩ ይህብ ከሙኡ’ውን ይባርኽ።

ሱታፌ ወልድ

⮚      ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና።

⮚      ነቲ ምስጢር ፍቓዱ ኣፍለጠና፡

⮚      ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን፡ ንጸጋኡ ኣባና ኣውሐዞ።

ኣብዚ ሓሳብ እዚ ግን ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ማእከል ስሕበት ናይዛ ምዕራፍ እዚኣ ኮይኑ ብንጽር ክጥቀስን፣ ወላ ውን ብእኡ፣ ንእኡ ዝብሉ ሕእረጋት እንዳተጠቀመ ንብዘሎ ሓሳብ ናይታ ምዕራፍ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ማእከል ከም ዝገበሮን እዩ።

ሱታፌ መንፈስ ቅዱስ

ኤፌ1.13 ንስኻትኩም’ውን ነቲ ናይ ምድኃንኩም ወንጌል ዝኾነ ቓል ሓቂ ምስ ሰማዕኩም፥ ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፥ በቲ ዘተስፈዎ መንፈስ ቅዱስ ኃቲሙ ናቱ ገበረኩም።