Megedihywet

View Original

ብርጌድ ንጸሎቱ

እግዚኣብሄር ሰራዊት ኣሎዎ፥ ንድምጺ ቓሉ ዝእዘዙ፡ ንቓሉ ዝፍጽሙ ሓያላት ስልጡናትን ሰራዊት። እወ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ፍቓዱ ዝፍጽሙ ሰራዊት ኣለውዎ (መዝ103.21)። እቲ ሕቶ፡ ”ሰራዊት ኣምላኽ ዶ ኢኻ፧” ዝብል’ዩ።

ዕሉም ዓቀይታይ እንተዄንካስ፡ ዓይነት እቲ ዓጢቕካዮ ዘለኻ ኣጽዋርን ኣጠቓቕማኡን’ውን ብግቡእ ክትፈልጦ ትጽቢት ይግበረልካ’ዩ። ጸላእን ወገንን ፈሊኻ፡ እቲ ቕልስካ’ውን ምስ መን ምዃኑ ነጺርካ ከተለሊ ኸኣ ትጽቢት ይግበረልካ።     

ጸባኦት

እግዚኣብሄር ሰራዊት ኣሎዎ። ስለዚ ድማ’ዩ ኣብ ገለ ጽሑፋት ”እግዚኣብሄር ጸባኦት” ዝብል ቃል ተጽሒፉ እንረኽቦ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ካብ ትንቢተ ኢሳይያስ ጠቒሱ፡ ”እግዚኣብሄር ጸባኦት ዘርኢ እንተ ዘይሐደገልናስ፡” ክብል ከሎ፡ (ሮሜ9.29): ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብ’ውን፡ “ኣውያት እቶም ዓጻዶ’ውን ኣብ እዝኒ ጻባኦት በጺሑ አሎ” በለ (ያእ5.4)። ”ጸባኦት” ማለት፡ ቃል ንቓሉ፡ ”ሰራዊት” ማለት’ዩ።

”ሰራዊት” ዝብል ቃል፡ መዝገበ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝነግረና፡ ንዓቀይቶት (ወተሃደራት) ከመልክት ይኽእል’ዩ (ዘፍ21.22)፥ ንመላእኽቲ’ውን ከመልክት ይኽእል’ዩ (እያ5.4 መዝ103.21)። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ”ሰማይን ምድርን ኵሉ ሰራዊቶምን ተፈጸሙ” ይብል’ዩ’ሞ (ዘፍ2.1) ደጊሙ ኸኣ ኣብ ዘዳግም ድማ፡ ”ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፡ ኲሎም ሰራዊት ሰማይ፡” ስለ ዝብል፡ ”እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት” ክንብል ከለና እምብኣር፡ ኣብ ምድርን ሰማይን ኣብ ዝርአን ዘይርአን፡ ኣብ ኵሉ፡ ጐይታ ዅሉ ማለትና ምዃኑ፡ ርዱእ ይኹን።

ዝዓበየ ተልእኾ

ኣባል ሰራዊት ጐይታ እንተዄንካ፡ ካብ የሩሳሌም ዝነቐለ፡ ክሳዕ ወሰን ዓለም ከኣ ክበጽሕ ዘሎዎ፡ ዓቢዪ ተልእኾ ዘሎካ ኢኻ። ከም ኣባል ናይ’ዚ ሰራዊት’ዚ ድማ፡ ንርእስኻ ከም ዓቀይታይ ዓቃቢ ሰላም፡ ደኣ ዕርቀ-ሰላም ክወርድ ትጽዕር እምበር፡ ጸግዒ ሓደ ሒዝካ ኣንጻር ካልእ ክትስለፍ፡ ምሳኻ ዝኸይድ ኣይከውንን። ይትረፍ ዶ ኣብ ደቂ ሓንቲ ሃገር ዘጋጥም ግጭትሲ፡ ኣብ ሞንጎ ሃገራትን ኣህጉራትን ንዘጋጥም ግጭት’ውን እንተዀነ፡ ኣምላኽ ሞት ሓደ ኣይፈቱን’ዩ’ሞ፡ ንስኻ’ውን ከም ሰራዊት ኣምላኽ መጠን፡ ወገን ኣምላኽ ብምዃን ደኣ ገባር ሰላም ኴንካ ትርከብ እምበር፡ ምድራዊ ወገንነትን ጸግዕን ሒዝካ ክትርከብን፡ ኣእጋርካ ናብ ምኽዓው ደም ከተቀላጥፍን ኣይትኽእልን።

”ቅልስና ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን” ዝብል ቅዱስ ቃል እናነበብካስ (ኤፌ6.)፡ ”ኣይፋልን ምስ ስጋን ደምን እምበር፡ ምስቲ ዘይርእዮ መንፈስ ደኣ ከመይ ኣቢለ ክቃለስ፧” እንተበልካ፡ ገና ታዕሊም ዘይኣተወን፡ ኣሃዱኡ ዘይፈልጥን ምዃንካ ኢኻ እተግህድ ዘለኻ። ቀጽሪ ያሪኮ፡ በጽዋር ስጋ ዶ ዝፈረሰ ይመስለካ’ሎ፧! ”ብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ፡ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና፡” ዝብል ቅዱስ ቃል እናነበብካ ኸኣ፡(2ቈረ10.3) ”ከም ሰበይ፡ ከም ዓለመይ፡ ከም ስጋ እምበር ከም ምንታይ ደኣ ክዋጋእ፧ ትብል እንተለኻ’ውን ከምኡ።

ሰራዊት ኣምላኽ ዲኻ፧

ብጸሎት ትጋደል ዶ፧ ተሰሚዑካ፡ ተምበርኪኽካ ትጽሊ ዶ፧ ስለቶም ፈቐዶኡ ብዘይ ፍትሒ ተቐይዶም ዝርከቡ፡ ስለቶም ንቡር ህይወት ተሓሪምዎም ፈቐዶ በረኻታት ንዓመታት ብውትህድርና ዕድሚኦም ዝወድኡን ዝውድኡ ዘለዉን፡ ስለ’ቶም ሎሚ ዶ ጽባሕ ንግፈፍ፡ ሎሚ ዶ ጽባሕ ይቐትሉና፡ ሎሚ ዶ ጽባሕ ይርህወና ዝብሉ ዘለው፧ ስለ’ታ ስርሓን ቦታኣን ዘንጊዓ ዘላ ቤተ ክርስቲያን፧ ሓው ንሓው ብጭካነ ክትንስኦ፡ ክጭፍልቖን ከቐትሎን ክትርእን ክትሰምዕን ከለኻ፡ ኣእጋርካ ናበይ ይጐያ፧ ኣእዳውካ እንታይ ይድህስሳ፧ ልብኻ ኸ እንታይ ኮን ተውጠንጥን፧!

ኣብቲ ሂር ዘለ ህውከት፡ ኣብቲ ቃል-ቃል ዝብል ግጭት፡ ዕንጸይትን ነዳድን ዶ ተቐብል ትህሉ፧ ወይሲ፡ ንሰላም ትደልያን ትስዕባን ኢኻ ዘለኻ፧ እግዚኣብሄር፡ ሰራዊት ኣሎዎ፥ ንድምጺ ቓሉ ዝእዘዙ፣ ንቓሉ ዝፍጽሙ ሓያላትን ስልጡናትን ሰራዊት። እወ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ፍቓዱ ዝፍጽሙ ሰራዊት ኣለውዎ (መዝ 103.21)። እቲ ሕቶ፡ ”ሰራዊት ሰብ ዶ ሰራዊት ኣምላኽ ኢኻ፧” ዝብል’ዩ።