እንታይ’ዮም ተሰማሚዖም፧|
ትማሊ ቀዳመ-ሰንበት፡ ሓያሎ ካህናትን ዲያቆናትን፡ ነቶም ብሰንኪ እምነት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣቦታት መካነ ህይወት ኣስመራ፡ ብኽብሪ ክዝክርዎም ተዓዚበ። ነቲ ምዝካር ዘይኰንኩስ ነቲ፡ ቀሺ ሓለፎም ዓንደማርያምን ዲያቆን ሳሙኤል ኣርኣያን ዝኸተሙሉ፡ 29 ነጥብታት ዝሓዘ፡ ስምምዕ ዕርቀ ሰላም ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካን ኣቡነ ሲኖዳን ግና ዘኪረ። መብዝሕትና፡ ንትሕዝቶ እቲ ተጌሩ ዘሎ ዕርቀ-ሰላም፡ ስለ ዘይንፈልጦ፡ (ስለ ዘይተነግረና’ውን) ብሃውሪ፡ ስቕ ኢልና ንስዕብ ምህላውና ድማ ኣተሓሳሲቡኒ።
ኣብ ወጻኢ ዘላ መካነ ሕይወትን፡ ብስም ኦ.ተ.ቤ. ዝንቀሳቐሱን
ኣብቲ “ሓፈሻዊ መደምደምታ ስምምዕ ዕርቀ ሰላም” እተሰምየ ሰነድ፡ ካብተን 29ሲ እታ ኣብ መበል 25 ዛላ ነጥቢ፡ ኣብኣ ዘሎ ጽሑፍ፡ ቃል-ንቓሉ፡ ከምዚ’ዩ ዝብል፦
“ብቤተ ክርስቲያን ዘይምእከል ጥርናፈን ኣካይዳን፡ ኣፍልጦ ከም ዘይንህቦን ብትሪ ከም እንቃወሞን ከም እንከላኸሎን ተሰማሚዕና። እቶም ኣብኡ ዝዋስኡ ድማ፡ ብንጹር ደው ክብሉ ግዴታኦም ምዃኑ ክሕበሮም፡ በዚ መሠረት ድማ፡ ካብተን ክሳብ ሕጂ ኣስተውዒልናለን ዘለና፡ ቤት ትምህርቲ ሰንበት መካነ ሕይወት ኣብ ወጻኢ ዘላን፡ ብስም ኦ.ተ.ቤ. (ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን) ብዝብል ስም ዝንቀሳቐሳ ዘለዋ፡ ኣፍልጦ ከም ዘይንህበንን፡ እቶም ንዓኣተን ዘንቀሳቕሱን ኣብኣተን ዝሳተፉ ዘለዉን ተማዒዶም ክምለሱ፡ ፍቓደኛታት እንተዘይኰይኖም ድማ፡ ብወግዒ ክፍለዩ ተሰማሚዕና።”
ስለምንታይ’ዩ ግሉጽነት ክህሉ ዘይተደልየ
መስርሕ ዕርቀ-ሰላም፡ ግሉጽነት ይሃልዎ፡ እንታይ ኢና ተሰማሚዕና፡ እንተይ ከ ኢና ዘይተሰማማዕና፡ ብወግዒ ይተሓበር፡ ምባል ከም ምዕንቃፍ ዕርቀ-ሰላም’ዩ ክጥቀስ ጸኒሑ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ “እንታይ ኢና ተሰማሚዕና፧” ቢልካ ን20 ሰባት እንተተወከስካ፡ ማዕረ ብዝሖም ምላሽ ክትረክብ ንቡር ኰነ። ጽማቝ እተን 29 ነጥብታት ሓፈሻዊ መደምደምታ ስምምዕ ዕርቀ-ሰላም ይቕጽል፦
1. ዶግማ፡ ቀኖናን ትውፊትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንቕበል፡ ብእኡ ድማ ንምራሕ
2. በቲ ብ1995 ዝወጸ ሕጊ ቃለ-ኣዋዲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንምእዘዝ
3. ሰማዕትነት ኣቡነ እንጦንዮስ ንቕበል
4. ኣቦነት ኣቡነ ሲኖዳ ንቕበል
5. ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ዝፈርድ፡ ጸሎት ኣኻዕቢቱ ዝምልስ ምዃኑ፡ ከምኡ ኣሚንና ከምኡ ድማ ክንምህር
6. ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ውርሻ ኃጢኣት ወይ ኣዳማዊ ኃጢኣት ኣይሓለፋን ብምባል፡ ነዚ ተቐቢልናን ኣሚንናን ክንከይድ
7. ኣብ ዘፍጥረት 18 ዘሎ፡ ሥላሴ ኣብ ቤት ኣብርሃም ዝኣተዉሉ ብምባል፡ 7 ሓምለ ከነብዕልን ክንምህርን
8. ጸሎተ ፍትሓት ከም ዘሎዎ ክዕቀብ
9. ብእምነት ጥራይ ከም ዘይንድኅን ክንምህር
10. ምስ ካቶሊክ ይኹን ፕሮተስታንት፡ ከምኡ’ውን እተን ሕጂ ዝፈርያ ዘለዋ ሓደስቲ እምነታት ናይ እምነት ፍልልይ ስለዘለና ብማሕበራዊ ርክብ እንተዘይኰይኑ፡ መንፈሳዊ ርክብ ኣይህልወናን
11. ማዕርገ ዲቁና፡ ብቀኖናን ስርዓትን ምእንቲ ክፍጸም ግቡእ ምክትታል ክግበረሉ
12. ንመዓርገ ጵጵስና ዝሕጸዩ፡ መዓርገ ክህነት ዘሎዎም መነኮሳት ክዀኑ
13. መዓርገ ክህነት ክኽበር
14. ጉዳይ ንስሓ፡ ብሕጋዊ መዓርግ ንዝተሰየመ ካህን ጥራይ ዝምልከት እዩ
15. ካልኣይ ጊዜ ንዝምርዓዉ፡ ምስጢረ ተክሊል ኣይፍጸመሎምን
16. ኣማላድነት ቅዱሳንን መላእኽትን ኣሚንና፡ ዝኽሮም ንዝክር፡ኣስማቶም ንጽውዕ፡ በእንተ ሓዋርያት፡ ሰማዕታት፡ ጻድቃን ኢልና ድማ ብምህለላ ናብ ኣምላኽ ንቐርብ
17. ብስም ቅዱሳን ዝግበር ዝኽሪ ጽድቂ ዘውህብ ስለ ዝዀነ፡ ክንሰብከሉ፡ ክንነብረሉን ክንምህረሉን
18. መስቀል፡ ኣርማ ቤተ ክርስቲያን፡ ምልክት ድሕነትናን መለለይናን እዩ
19. ብዛዕባ መብልዕ ዝምልከት፡ ብልምዲ ኦሪትን ብባህልናን ጸኒዑ ክኸይድ
20. ናብ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣሳእንና ኣውጺእና ክንኣቱ
21. ምምዕታብ መለለይና እዩ። ኣቡነ ዘበሰማያት ኣብ ዝተባህለሉ ድማ፡ በሰላመ ገብርኤል ክብሃል።
22. ምጽናት ግእዝ ዝዓለመ ኣጸሓሕፋን ኣገባብን ኣጥቢቕና ንቃወም
23. መሳርሒ ሙዚቃ ብዝምልከት፡ መቖምያ፡ ከበሮ ጸናጽን፡ ጥፍሓተ ኣእዳው ተዓቂቡ ክኸይድ
24. ካህናት ኣብ ዝተረኽቡሉ ዲያቆናትን ምእመናን ጸሎት ክመርሑ ኣይፍቀድን
25. ብቤተ ክርስቲያን ዘይምእከል ጥርናፈ ማሕበራት (መካነ ሕይወትን ኦ.ተ.ቤ.ን) ኣይንቕበልን
26. ሕጽረት ካህን ኣብ ዘለዎ ዝርከብ ሕጹይ ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ኣቦታትና ዘጽንሑልና ጥራይ ኣፍልጦ ንህብ
27. ኣብ ወግዓዊ መርበብ ተዋህዶ ዶ ኦርግ ዘሎ፡ ሓላፍነት ወሲድኩም ክትእርምዎ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ናይ ውልቆም ዝጽሕፉ ግና፡ ባዕላቶም ክእርምዎ፡ ሓደው ስጉምቲ ክውሰደሎም
28. ፕርተስታንታዊ ኣካይዳ ዘለዎምን ኣብ ፕሮተስታንታዊ ጉባኤታት ዝሳተፉን ሕጋዊ መንፈሳዊ ስጉምቲ ተወሲዱ መዕረፊ ክረክብ
29. ሲኖዶስ ኣስመራ፡ ሰማዕትነት ኣቡነ እንጦንዮስ ክቕበል፡ መንግስቲ ድማ ኢዱ ካብ ቤተ ክርስቲያን ከውጽእ።
መደምደምታ
እዚ ቀሪቡ ዘሎ፡ ንሕመረት እቲ ትሕዝቶ ብዝግባእ ንምንጽብራቕ ዓሊሙ ዝቐረበ፡ ጽማቝ ሓሳብ ደኣ’ምበር፡ ምሉእ ትሕዝቶ ኣይኰነን። እቲ ዝምልከቶ ኣካል፡ ብዝርዝር ንህዝቡ ከረድእ ሓላፍነቱ’ኳ እንተዀነ፡ ዛጊት ስለ ዘይገበሮ ግና፡ ገለ ሕቶ ንምልዓል እሞ መግለጺ ንምሃብ ድማ እንተደረኸ ብዝብል ሃቐና ግና ቀሪቡ’ሎ።
ጠጥዑሙ!