Megedihywet

View Original

ጾመ ፍረታት፡ ዓቕልን ህድኣትን

ብምኽንያት እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረን ኣብዚ ሰሙን እዚ’ውን ዝቕጽልን ዘሎ፡ ጾመ ፍልሰታ፡ ንሓሙስ 17 ነሓሰ 2023 ብፍሉይ ደጊምና እነስተንትኖም፡ ”ዓቕልን ህድኣትን” ዝብሉ ፍረታት መንፈስ እዮም።

ኣብዛ ብፍጥነት እትሕምበብ ዘላ ዓለም፡ ንክርስቲያንን ንቤተክርስቲያንን፡ ከም ሎሚ ጌሩ ብትዕግስቲ ምጕያይ ዘድልዮም፡ ጊዜን ኩነታትን እንተኔሩ እስከ ንሕሰብ። ኣብዛ፡ ብኸቢድ ማዕበላዊ ፈተናታት፡ መዓልታዊ እትናወጽ ዘላ ዓለም፡ ህድእ ኢልካን ረጊእካን ምምልላስ ከ፡ ከም ሎሚ ጌሩ ዝተደልየሉ ጊዜን ኩነታትን ዶ ኔሩ ይኸውን፧!  

ሓላዊኻ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከም ዝዀነ፡ ርግጽ እንተገበርካ ግና፡ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ መጸግዒ ትረክብ ኢኻ’ሞ፡ ኣብኡ ኸኣ ብህድኣት፡ ዓሪፍካ ክትነብር ትኽእል። ከምቲ ንሕና፡ ንልዑልሲ መጸግዒና ጌርናዮ ዘለና፡ ብዙሓት ካልኦት ግና ”ንሰናይ መን’ዩ ዘርእየና፧” ዝብሉ ከም ዘለዉ ኣይዘንግዕ።

ሙሴ፡ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ፡ ዓቃል ከም ዝነበረ’ዩ፡ ተጻሒፉሉ ዘሎ፡ (ዘሁ12.3)። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን፡ ኣብ ልባ እተዋህልልን እትሓስብን ምንባራ፡ ተነጊሩና’ሎ፡ (ሉቃ2.19,51)። “ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኺገሃድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ” እናሰምዐት ክንሳስ፡ በቲ ዝሰምዓቶ ከይተናወጸት፡ ነቲ መልእኽቲ ብህድኣት ክትቅበሎ ምኽኣላ፡ ብእግዚኣብሄርን ካብ እግዚኣብሄርን ዝፈስስ ምልኣት ጸጋ እንተዘይኰይኑ፡ ብዓቕሚ ሰብ ዝከኣል ኣይኰነን።

ዚንበብ፡  ያእቆብ 1፡12-ፍጻመ

ካብዚ እቲ ብፍሉይ ከነስተንትኖ ተደልዩ ዘሎ፡ ”እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ” ዝብል’ዩ።

ጸሎት

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንምድሓንካ ተስፋ ምግባርን ብህድኣት ምጽባይን ኣለማምደኒ። ብትዕቢት ከይጐዪ እሞ ከይወድቕሲ፡ ኣብታ ዝሃብካኒ ፍልጠት፡ ምግታእ ርእሲ፥ ኣብቲ ምግታእ ርእሲ ድማ ዓቕሊ፡ ክትህበኒን ክትውስኸንን፡ ስለይን ስለ መላእ ቤተ ክርስቲያንን እጽሊ ኣለኹ። ከምቲ ኣነ ብኣኻ ዝዓረፍኩን ዝሃዳእኩን፡ ከምኡ ኸኣ ብዙሓት፡ ተኻፈልቲ እዚ ጸጋ’ዚ ምእንቲ ክዀኑ፡ ኣብ ምምስካር ቃልካ ክነጥፍ ርድኣኒ። ስለ እትሰምዓኒ ኸኣ ደጋጊመ አመስግነካ፡ ይእዜኒ ወዘልፈኒ፡ ወለዓለመ ዓለም ኣሜን!

ለቡ

እግዚኣብሄር እንተፈቐዶ፡ ብህይወት ድማ እንተጸኒሕና፡ ጽባሕ ዓርቢ ኸኣ ነቲ ”ሓጐስ” ዝብል ፍረ መንፈስ፡ ደጊምና ከነስተንትኖን ክንጽልን ኢና።