ገርሀይና፡ ግናኸ ጠንቃም ሕቶ
ድሕሪ 3 መስከረም 2023፡ ብኣቡነ መቃርዮስ ዝምእከሉ፡ ብኣቡነ ሲኖዳ ዝምሓደሩ፡ ምባል ተሪፉ፡ 7 ዝኣባላቱ ማእከላይ ምምሕዳር ቈይሙ ከም ዘሎን፡ ድሮ’ኳ ስራሑ’ውን ከም ዝጀመረን ከኣ፡ ቆሞስ ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሃንስ፡ ንጋዜጠኛ ራድዮ ኤስቢኤስ፡ ኣቶ በየነ ሰመረ፡ ብሕቡን ድምጺ ገሊጾሙሉ ኣለው። ከም ወትሩ፡ ኣነ ዝርከቦም ከምኡ’ውን እተወከስክዎም ገለ ካህናትን ዲያቆናትን፡ እቲ ሓበሬታ ንዅልና፡ ቦኽሪ እዝንና ነበረ። ነቲ ቃለ መጠይቕ ንምክትታል፡ ኣብዚ ብምጥዋቕ ምስማዑ ይከኣል።
ትዕዝብቲ
ኣብ ወግዓዊ መርበብ ተዋህዶ ዶት ኦርግ ወጺኡ ዘሎ፡ ዜና ጉባኤ 1-3 መስከረም 2023፡ ብትግርኛ ተድበስቢሱ ዝተሓልፈ፡ ብእንግሊዝኛ ግና ተዀሊዑ ዝተወረቐ ሓደ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣሎ፥ ከምዚ ድማ ይብል፦
On Friday, September 1, 2023, there was an extensive discussion on the recently drafted church bylaw. The following day, Saturday, September 2, 2023, the discussion on the bylaw continued, and by day's end, the bylaw was adopted and formally ratified.
ሓርፋፍ ትርጉሙ፡ ዓርቢ 1 መስከረም 2023 ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተነድፈ መመሓደሪ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ሰፊሕ ዘተ ኔሩ። ኣብታ ዝቐጸለት መዓልቲ፡ ቀዳም 2 መስከረም 2023 እቲ ንመመሓደሪ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ዘተ ቀጺሉ፡ ኣብ ምውዳእ እታ መዓልቲ ድማ፡ እቲ መመሓደሪ ሕጊ፡ ተቐባልነት ረኺቡ ብወግዒ ድማ ጸዲቑ።
ገርሀይና፡ ግናኸ ጠንቃም ሕቶ
ሓደሽ መመሓደሪ ሕጊ ጸዲቑ ተባሂሉ’ሎ። እቶም ብወገን ኣቡነ መቃርዮስ ተማእኪልና ክንከይድ ዝጸናሕና፡ ካብ ዓመተ 2021 ኣትሒዙ፡ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ክመሓደረሉ ዝጸንሐ ሓደ መመሓደሪ ሕጊ ኣሎ። እዚ መመሓደሪ ሕጊ’ዚ፡ ኣብቂዑ ኣሎ ማለት ድዩ፧ እወ፡ እንተዀይኑ፡ (ካልእ ክኸውን እኳ ዝከኣል ኣይኰነን እንድዩ) ግናኸ፡ ስለ ምንታይ ዘይተሓበረ፧ “ኣይፋል፡” እንተዀይኑ ኸኣ፡ ብኽልተ ሕጊ ዶ ክትመሓደር ትኽእል ኢኻ፡ ዝብል፡ ገርሀይና ግናኸ ጠንቃም ሕቶ ክስዕብ ምዃኑ ኣይትስሓትዎ።
ከምዚ ዝብሃል ዘሎ፡ እቲ ሓድሽ መመሓደሪ ሕጊ፡ (ብዘይ ምልኣተ ሱታፌ- ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዘይብሉ- ምጽዳቑ ንጊዜኡ ሸለል ኢልና፡) ይተካእ ይለቀብ ግና፡ ናብ ኣብያተ ክርስቲያን ኣይለኣኽን ድዩ፧! ኣብ ምርቃቑን ምጽፋፉን ንምስታፍ’ኳ እንተዘይተዓደምናስ፡ ብዛዕባኡ ዝምልከት፡ ሓበሬታ፡ መግለጺ፡ መብርሂ፡ ወዘተ ኣይወሃበሉን ድዩ፧ ገና ሕጂ’ውን ዶ ንነገራት ብምዕብዓብ እዩ ክኽየድ ዝድለ ዘሎ፧!
ምስቲ መመሓደሪ ሕጊ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣቡነ መቃርዮስ ተማእኪልና ዝጸናሕና፡ ከመሓድር ዝተመዘዘ፡ ላዕለዋይ መንፈሳዊ መሪሕነት’ውን ጸኒሑ’ዩ። እዚ መሪሕነት እዚ፡ ሕጋውነቱ ካብ 3 መስከረም ኣብቂዑ ማለት ድዩ፧ እወ፡ እንተዀይኑ፡ (ካልእ’ኳ ክኸውን ኣይክእልን እንድዩ) ግናኸ፡ ስለምንታይ ዘይተሓበረ፧! ”ኣይፋል፡ ኣብ ቦታኡ’ዩ ዘሎ” ዝብሃል እንተዀይኑ ኸ፡ እቲ ስራሑ ጀሚሩ ዝተባህለሉ፡ ሾብዓተ ዝኣባላቱ ናይ ሓባር ማእከላይ ምምሕዳር ከ ደኣ’ሞ፡ ገና ኣይጀመረን ኣሎ ማለት ድዩ፧ ዘይጀመረ እንተዀይኑ ኸኣ፡ ስለምንታይ ኣብ ራድዮ ኤስቢኤስን ኣብቲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ ድማ ብቛንቋ እንግሊዝ፡ ከምኡ ምጽሓፍ ኣድለየ ዝብል፡ ገርሀይና፡ ግናኸ ጠንቃም ሕቶ፡ ክስዕብ ምዃኑ ኣይትስሓትዎ።
ኣብ መወዳእታ፡ ንዑደት ኣቡነ ሲኖዳ ኣብ ኤውሮጳ ብዝምልከት፡ ኣብ ራድዮ ኤስቢኤስ ብቖሞስ ቀሺ ገብረሚካኤል ተገሊጹ ዘሎ፡ ቃል ንቓሉ፡ “ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብጹእ ኣቡነ ሲኖዳ ኪኸዱ እዮም ናብ ኤውሮጳ፡ ናብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብኡ ዘለዉ’ውን ልክዕ ከምቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝተገብረ፡ ኣወሃሂዶም ጠራኒፎም ሓደ ምምሕዳር ሃገረ ስብከት ከኣ ኣብኡ ተመስሪቱ፡ ርእሱ ኽኢሉ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ዝዀነሉ መገዲ ኣብ ትሕቲ ክልቲኦም ኣቦታት ጳጳሳት ኪገብሩ ኸኣ ተጀሚሩ’ሎ እቲ ጉዕዞ” ዝብል’ዩ። እቲ ኣብዚ ዝቐርብ፡ ገርሀይና፡ ግናኸ ጠንቃም ሕቶ፡ እዋናዊ ጉዕዞ ኣቡነ ሲኖዳ፡ ከምዚ ተባሂሉ ዘሎ ንምግባር እንተዀይኑስ፡ ስለምንታይ ደኣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣቡነ መቃርዮስ እንመሓደር ካህናት ክሳዕ ሕጂ ዘይተሓበረና ዝብል’ዩ፧!
ካብ ድቃስ ቅጽበት ዘበራብር፡ ዝሑል፡ ከትከት ዝብል ማይ ጳጉሜ ዶ ኣብዛ ቤትና ተሳእነ፧!
ጥዑም የስምዓና!