Megedihywet

View Original

ጾመ’ርብዓን መገዲ’ርብዓን

ስጋዊ ጾም፡ ምሕራም ምግቢ እዩ፣ መንፈሳዊ ጾም ግና ምሕራም ሓጢኣት እዩ” ይብሉ ኔሮም ይብልዎም፡ እቶም ቀዳሞት ወለዲ። ኣብ ማእከል ዓዲ፡ ሰብን እንስሳታትን ዝመሓላለፉሉ ገፊሕ፡ ሓደው ዓብዪ መገዲ፡ “መገዲ’ርብዓ” ተባሂሉ’ዩ ዝስመ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምህረና፡ መብዝሕትና እነዘውትሮን፡ ሓያሎ ሰዓብቲ’ውን ዝርከብዎን፡ ሰብ ዝፈትዎ ጾም ኣሎ፥ ሒደት ዝስዕብዎ፡ እግዚኣብሄር ግና ዝፈትዎ ጾም ድማ ኣሎ (ኢሳ 58)። ሰብ ነቲ ኣቦታትና “ስጋዊ ጾም” ዝበልዎ፡ ንዕኡ’ዩ ዝፈቱ፡ ንዕኡ ድማ’ዩ ዜዘውትር። እግዚኣብሄር ግና፡ ነቲ ኣቦታትና “መንፈሳዊ ጾም” ዝበልዎ’ዩ ዝፈቱ፡ ንዕኡ ክንስዕብ ድማ’ዩ ዝጽበ።

ጽባሕ ሰኑይ 11 መጋቢት 2024 ዝጅምር እሞ ንዝቕጽል 55 መዓልትታት ድማ ኣብ ዝጸንሕ ጾመ’ርብዓ፡ ስስዐ፡ ጽልኢ፡ ሓሶትን ሕሜትን ሳዕሪሩናን ስዒሩናን እንከሎ፡ ከም ሰብና፡ ክንጸውም ኢና። ሰበይቲ ንሰብኣያ፡ (ምናልባሽ’ውን ገለ ሰብኡት ነንስቶም) ነቲ ”ብስምምዕ ክልቴኹም” ተባሂሉ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተጻሒፉ ዘሎ ጥሒሶም፡ ድራር ዓራት ክከላልኡ እዮም። ካህናትን መላእ ቤተ ክህነትን፡ ብሕሜትን ሻራን ብትንትን ኢልና ክንስናስ፡ ግናኸ ሰንበት መጸ፡ ዘወረደ፡ ቅድስቲ፡ ምኵራብ ወዘተ እናበልና ምግዓር ኣይክንሓድግን ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ስዑራት ክንስናሲ፡ ግናኸ፡ እግዚኣብሄር ዝፈትዎ ጾም እንጸውም ዘለና መሲሉ ኸኣ ክስምዓና’ዩ።

መገዲ’ርብዓ፡ ብዙሓት ዝመላለሱሉ ገፊሕ መገዲ’ዩ። ጸባ ከይህልዎ፡ ስጋ ከይህልዎ ወዘተ ቢልካ ምሒር እናተጠንቀቕካስ፡ ግናኸ፡ ባእሲ፡ ምክርኻር ሕሱም ምውቃዕ ጒስጢት ግና ከም ዘለዎ፡ (እንተዘይገዲዱ’ኳ) እናቐጸለ፡ ይኸይድ። ጸዋማይ ምዃንካ ኵሉ ክሳዕ ዝፈልጥ፡ ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፡ ክሻን ሓመዂስትን መንጸፍካ ምግባር ድማ መለለይኡ ኰይኑ ይቕጽል።  

እቲ እግዚኣብሄር ዝፈትዎ ጾም ግና፡ ነብዪ ኢሳይያስ ጽሒፍዎ ከም ዘሎ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሸሞንተ ዝርዝራት’ዩ ዘጠቓልል፦

1.       ማእሰር እከይ ምፍታሕ፡

2.      ማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ 

3.      ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡

4.      ኣርዑት ዘበለ ዂሉ ምስባር

5.      እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡

6.      ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ 

7.      ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡

8.       ካብ ስጋኻ ከይትሕባእ

ኣብዘን ዝስዕባ ሸምንተ ሰናብቲ፡ በዘን ሸሞንተ ሓሳባት እንተጾምና፡ ከምቲ ቃል ተስፋኡ፡ ”ሽዑ ብርሃንካ ከም ወጋሕታ ኰይኑ ኪወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኪበቍል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር’ውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ” ዝብል ክፍጸመልና’ዩ፡ (ኢሳ58.8)። 

ቍርሲ ጾመ’ርብዓ

ድሮ ተሓቢሩ ከም ዝቐነየ፡ “እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ፡ .. እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል ዶ ኣይኰነን፧!” ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ ክንብገስ ኢና (ኢሳ58.7)። ምሳሕ ይጽንሓልና’ሞ፡ ቍርሲ ጥራይ ንሓዝ። ቍርስና ብገንዘብ ክትመን ከሎ ከንደይ ይኸውን፧ እግዚኣብሄር ሕጉስ ወሃቢ’ዩ ዝፈቱ እሞ፡ ከየካበድና፡ ዋጋ ሓንቲ ቢኬሪ ሻህን ዋጋ ሓንቲ ባንን ጥራይ፡ ክንደይ ምዃኑ ገሚትና፡ ብአአን ንሕሰብ። ንመንፈሳውነት ካብ ስነ-ሓሳብ ኣውጺእና፡ ብግብሪ፡ ጨው ምድርን ብርሃን ዓለምን ኴንና እንርከበሉ መድረኽ ንምብጻሕ ድማ ንዓልም።

ካብዘን 55 መዓልታት፡ ቀዳመ-ሰንበት እንተነከናለን፡ 40 ዘይንቘርሰለን መዓልታት ኢና እንረክብ። ስለዚ ናይተን 40 መዓልትታት ቍርሲ፡ ብዋጋ ክንትምኖ ከለና፦

·       ዋጋ ቍርስና ብ 1.25 እንተገሚትናዮ፡ ናይተን 40 መዓልትታት፡ 50 ዶላር ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ (1.25X40)

·       ዋጋ ቍርስና ብ 2.50 እንተገሚትናዮ፡ ናይተን 40 መዓልትታት፡ 100 ዶላር ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ (2.50X40)

·       ዋጋ ቍርስና ብ 3.75 እንተገሚትናዮ፡ ናይተን 40 መዓልትታት፡ 150 ዶላር ይኸውን ኣሎ ማለት’ዩ (3.75X40)

እቶም ክትሓብሩና እትደልዩ ኣብዚ ጠውቑ