Megedihywet

View Original

ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ፓትርያርክ

24 ከምኡ’ውን 25 ለካቲት 2024፡ ብኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳን፡ ብኣቡነ ሽኖዳ ዝምራሕ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳን ብሓባር ንምጥርናፍ ዘኽእል፡ ኣብ ሃገረ ሆላንድ፡ Lievelde ኣብ ዝብሃል ቦታ ኣብ ዝተደኰነ፡ ብግብጻውያን ኣብ ዝውነን ገዳም፡ ጉባኤን ሓባራዊ ቅዳሴን ከካይዱ’ዮም። እቶም ተጋባእቲ፡ ሓባራዊ መመሓደሪ ሕጊ ከጽድቑ፡ ሓባራዊ ምምሕዳር’ውን ክምስርቱ እዩ እቲ ሓሳብ እሞ፡ ”ደጊም ሓደ ስጋ እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን” ክብሃል ከኣ ትጽቢት ይግበር። ንጉባኤ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብዚ ጠውቑ

ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ሰብነት እያ’ሞ፡ ዓጽሚ ናብ ዓጽሚ እናተቐራረበት፡ ምስቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ኣቦታት’ውን፡ ብኸምዚ፡ ብዕርቀ-ሰላም ናብ ፍጹም ሓድነት ክትመጽእ ከላ፡ ግርማኣ ኣብዚ’ዩ ዝውላዕ!

”ኣየኸየይ. . .” በለት ብርዒ

ክሰምዓ ኣይመረጽኩን። እንተስ ዊን ኣቢሉኒ፡ እንተስ ንብርዐይ ከሽክዕ ኣንቂደ ግና፡ ብግእዝ ”ኦ እግዚኦ አንብር ለነ ዲበ መንበሩ ኖላዌ ኄረ፡ ኢንኩን ከመ መርዔት ዘአልቦ ኖላዊ፡ ከመ ኢይምሥጠነ ተኵላ መሣጢ ወኢይጽዐሉነ ሕዝብ ነኪራን እለ ውጹአን እምኔነ” ቢለ ኣህተፍተፍኩ። ”ጓሳ ከም ዘይብለን መጓሰ ከይንኸውን፡ መንጣሊ ተዅላ ከይምንጥለና፡ እቶም ካባና ውጹኣት ዝኾኑ ካልኦት ህዝቢ’ውን ከይንዕቁናስ፡ ኦ ጐይታ፡ ኣብታ መንበሩ፡ ሕያዋይ ጓሳ ኣንብረልና፡” ዝብል ትርጉም’ዩ ዘሎዎ። ኣብ ውሽጢ ዓድን ደገን ንዘለና፡ ሓደ ኣቦ ክጓስየና፡ ሓደ መጓሰ ኸኣ ክንከውን ተመነኹ።  

ሃልኪ ፖለቲካ ሓዲግና፡ ሓምሻይ ፓትርያርክ ካብ ዝዓርፉ ጥራይ ክሳዕ ሎሚ (19 ለካቲት 2024)፡ 444 መዓልትታት ሓሊፈን ኣለዋ። ልዕሊ ዓመትን ክልተ ወርሕን ማለት’ዩ። ቀዳማይ ፓትርያርክ ምስ ዓረፉ፡ ኣቡነ ያእቆብ፡ ኣብ መበል 77 መዓልቲ’ዮም፡ ካልኣይ ፓትርያርክ ንምዃን ተቐቢኦም። ኣቡነ ያእቆብ ምስ ዓረፉ’ውን፡ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ኣብ መበል 149 መዓልቲ’ዮም ሳልሳይ ፓትርያርክ ንምዃን ተቐቢኦም። ድሕር’ዚ ዘጋጠመ ግና ”ንጸዋዪ ይጭነቆ!” ቢልካ ክትሓልፎ’ዩ ዝምረጽ።

ፓትርያርክ ማለት፡ ርእሰ ኣበው፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ማለት ምዃኑ፡ ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣንቀጽ 83 ገሊጽዎ’ሎ። ኣብቲ መጽሓፍ ሕጊ’ቲ፡ ኣብ ኣንቀጽ 92 ሀ ከም ዝተገልጸ ድማ፡ ፓትርያርክ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዘለዋ ኣብያተ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ መንፈሳዊ ኣቦ ከም ዝዀነ በሪሁ’ሎ። 

“ናትካ እንዶ ግበር፡” በለት ብርዒ

ካን እቲ ግብዝናይ ቅጭ ኣምጺኡላ’ዩ። ርእሰይ ከይረኣኹ ናብ ፓትርያርክ ምምጥጣረይ፡ ኣገሪምዋ፡ ”ኢትዮጵያ፡ ፓትርያርክ ስለ ዝሰኣነት ድያ ትመቓቐል ዘላ፧” ብምባል ወጠረትኒ። ብሒም ከይብል፡ ኣዕጋቢ መልሲ ኣይነበረንን። “ዘመኑ፡ ዘመነ ምፍልላይ ምዃኑ፡ ኣብቲ መወዳእታ ዘመን፡ ፍቕሪ ብዙሓት ክትዝሕል ምዃና፡ ሽዑ፡ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪወሃሃቡ፡ ንሓድሕዶም’ውን ኪጸላልኡ ምዃኖም፡ ወዘተ፡ ንምንባብ እምበር ንምስትንታን ዝኸውን ጊዜ ሰኣን ምምዳብካ ዶ ትደናገር ኣለኻ፧” ኣጕባዕብዓትለይ። “እምበኣርከስ፡ ’ሕያዋይ ጓሳ ሃበኒ’ ቅድሚ ምባል፡ ሕያወይቲ በጊዕ ክትከውን ዘኽእለካ ጸጋ ንምቕባል ምጽላይ ከም ዝበልጽ ኣስተብህል!” ብምባል ድማ መኸረትኒ።

ቀልበይ ምሳይ ዝነበረ ኣይመስለንን

ጸብጻብ ዕለታት ተተሓሓዝክዎ። ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ናብታ መንበር ንምቕማጥ፡ 499 መዓልትታት እዩ ወሲዱሎም። ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ምስ ዓረፉ ድማ ኣቡነ ቄርሎስ ከኣ ናብታ መንበር ንምድያብ፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ ናይቲ ንኣቡነ ዲዮስቆሮስ ዝወሰደሎም ጊዜ፡ ማለት፡ 2001 መዓልታት ወሲዱሎም። ክንድዚ ዝኣክል መዓልትታት ኣብ ምጽባይ ተሓሊፉ ከብቅዕ ግና፡ ኣብታ መንበር፡ ን537 መዓልታት ጥራይ’ዮም ተቐሚጦም። ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን ማለት’ዩ።

”ኣይስቈረካን ድዩ፧” በለት ብርዒ

እንተዘይትዀልፈኒ፡ ”በእንተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት” ክብል፡ ኣውዒለ መሕደርክዋ። ”በእንተ ሲኖዶስ ኤርትራ” ቢለ፡ ካብ ኣወል ክሳዕ በረካ መስተኽዋ። ”በእንተ ኣቡነ መቃርዮስ፡ በእንተ ኣቡነ ሲኖዳ፡ በእንተ ኣቡነ ቆሞስ፡ በእንተ ኣበዊነ ቀሳውስት ወኣኃዊነ ዲያቆናት፡ በእንተ እገለን እገሊትን” በብመዓርጎምን በብስሞምን እናሰመኹ፡ ኣቝሪሰ መድረርክዋ። ንዅላ በደለኛ ጌረ ድማ ንገዛእ ርእሰይ መጽደቕኩ።

”ጠመተኻ፡ ኣብ ምዝርጋሕ ወንጌልን ኣብ ምዕዛዝ ደቀ-መዝሙርነትን ግበሮ” በለት፡ ወያ ንወንጌል ምስ ኣንቀደት ድሕር ዘይትብል ብርዒ። ሽበት ግዲ ዘር ኣቢላ ኰይናስ፡ ምኽርን ምዕዶን ኣዕዘዘትለይ። ”እዚ፡ ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ፡ ዝዓበየ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ዘክር” ድማ በለትኒ። ”ገዛእ ርእስኻ፡ ብሓቅን ብመንፈስን ዝምራሕ ሰብ ጌርካ እሞ ኣዳልዋ፡ ሽዑ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ከምኡ እንተጌሩ፡ ፓትርያርክ ንምምራጽ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሃዋርያት እንርእዮ፡ ካብቲ ጉባኤ፡ ብጽቡቕ እተመስከረሎም፡ መንፈስን ጥበብን ከኣ ዝመልኦም፡ ጓሶት ምርካብ ኣይከጸግምን’ዩ” ብምባል ከኣ ዛዘመት።  

  • ኣቡነ ፊሊጶስ፡- ዝተቐብኡሉ፡ 08 ግንቦት 1998፣ ዝዓረፉሉ፡ 18 መስከረም 2002፣ ንውሓት ጊዜ፡ 4 ዓመትን ሓደ ወርሕን

  • ኣቡነ ያእቆብ፡- ዝተቐብኡሉ፡ 04 ታሕሳስ 2002፣ ዝዓረፉሉ፡ 01 ታሕሳስ 2003፣ ንውሓት ጊዜ፡ 11 ወርሕን 28 መዓልትን

  • ኣቡነ እንጦንዮስ፡- ዝተቐብኡሉ፡ 28 ሚያዝያ 2004፣ ዝወረዱሉ፡ 13 ጥሪ 2006፣ ንውሓት ጊዜ፡ 1 ዓመትን 8 ወርሕን (ዝዓረፉሉ 09 ለካቲት 2022)

  • ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡- ዝተቐብኡሉ፡ 27 ግንቦት 2007፣ ዝዓረፉሉ፡ 21 ታሕሳስ 2015፣ ንውሓት ጊዜ፡ 8 ዓመትን 6 ወርሕን

  • ኣቡነ ቄርሎስ፡- ዝተቐብኡሉ፡ 13 ሰነ 2021፣ ዝዓረፉሉ፡ 02 ታሕሳስ 2022፣ ንውሓት ጊዜ፡ 1 ዓመትን 5 ወርሕን

ለበዋ ብርዒ
ቤተ ክርስቲያን፡ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዓለም፡ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ከተበስር፡ ካብ ጐይታ፡ ሓደ ዓብዪ ተልእኾ ተቐቢላ’ያ። እቲ ንጐይታና ኢየሱስ ብዘይ ሓልፍ ዘፍቅሮ ዘበለ ድማ፡ ብጊዜኡን ብዘይ ጊዜኡን፡ ኣብዚ ዕዮ’ዚ ንምንጣፍ፡ ድቃስ ክስእን ይግብኦ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርካ ከም ኣሳእን ኣእቲኻ ደው እትብለሉ ደኣ’ምበር፡ ልሳንካ ወንጌል ካብ ምብሳር እትቝለፈሉ ጊዜ ዘይምዃኑ ኣስተብህል፡ ድሕሪ ምባል፡ በዚኣ ከይዳ ከይበልክዋ፡ ሽርብ በለት።