ኣዋጅ ጾም ብኽልተ ማሕተም
መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኲናት ምእንቲ ከይኣትዉ፡ ጽባሕ፡ ቀዳም፡ ሰንበትን ሰኑይን (25-27 ሕዳር 2023) ብጾምን ጸሎትን ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ፡ ብኽታም ዘይተሰነየ፡ ግናኸ ብኽልተ ማሕተም ዝተወቕዐ፡ ጻውዒት ጾመ-ሳልስቲ ቀሪቡ’ሎ።
ምእንቲ ህዝብን ሃገርን፡ ምእንቲ ጐረባብቲ ሃገራትን ህዝቢ ዓለምን ክንጽሊ፡ ክርስቲያናዊ ግዴታና እዩ’ሞ፡ ንጻውዒት ጾምን ጸሎትን፡ ኪንዮ ብሓጐስ ምቕባል፡ ካልእ ቍንቍኛ ከነውጽኣሉ ዝግባእ ኣይመስለንን። ልዕሊ ጳጳስ፡ ኦርቶዶክሳውያን ክንከውን ዘይንኽእል እኳ እንተዀንና፡ ገለ ገርሀይና ሕቶ ከነቕርብ ግና፡ ዘይፍቀድ ኣይመስለንን እሞ፡ ከምኡ ንምግባር’የ ዝጽሕፍ ዘለኹ።
ገርሀይና ሕቶ
1. ቀዳምን ሰንበትን ጾም ምእዋጅ፡ ምስ ስርዓት ቤተ ክርስቲያንና ዝኸይድ ድዩ፧ ግብራውነት ከ ይህልዎ ዶ፧
2. እቲ ኣዋጅ ጾመ-ሳልስቲ፡ እግረ መገዱ’ውን ሕብረት ጉስነት ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ንምንጽብራቕ፡ ሓደው ንምጽንባል ስለ ዘገልግልሲ፡ ኣብ ክንዲ ብኽልተ ማሕተም (ነንበይኖም ከም ዘለዉ ዘስምዕ) ሓድነት ንምንጽብራቕ ሓደው ንምጽንባል ዝሕግዝ፡ ብሓንቲ ማሕተም ዶ ክኸውን ኣይምተገብአን፧ (መቸም እቲ ጠንቀምቀም ምባል ኣይንሓድግን)።
ፍልልያትና ኣቐሚጥና፡ ኣብዚ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእስቲ፡ ብሓደ ልቢ ክንጽልን ክንጸውምን ክከኣለናስ (ኣቐዲሙ ከም ዝተጠቕሰ፡ ክርስቲያናዊ ግዴታና’ውን ስለ ዝዀነ)፡ ንትግባረኡ ብዝምልከት፡ ንጹር መምርሒ ክወሃብ ብትሕትና አዘኻኽር ኣለኹ! እቶም ከምዚ ኸማይ ብቕንዕና፡ ክትሓቱ እትደልዩ፡ ንምስግጋር ዝዀና ኣእጋር ደኣ ይሃልዋኹም እምበር፡ እንሆ ሜዳ! ቀዳመ-ሰንበት፡ ከመይ ኣቢልና ኢና እንጾሞ፧!
ኣምላከ ሰላም፡ ሰላማዊ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንህዝብና፡ ንሃገርናን ንቕድስት ቤተ ክርስቲያንናን ሰላም ይሃበና!