Megedihywet

View Original

ጾመ ፍረታት፡ ይኣኽለኒ ምባል

ብምኽንያት እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረን ኣብዚ ሰሙን እዚ’ውን ዝቕጽልን ዘሎ ጾመ ፍልሰታ፡ ንሰሉስ 15 ነሓሰ 2023 ብፍሉይ እናስተንተንና ንገዛእ ርእስናን ንመላእ ቤተ ክርስቲያንን እንጽልዮ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ፍረ መንፈስ እዩ፦ ይኣኽለኒ ምባል

እዚ ”ይኣኽለኒ ምባል” ብዝብል ተተርጒሙ ዘሎ፡ ብግእዝ ”ኢዘምዎት” ብእንግሊዝኛ ”self control” ብኣምሓርኛ ድማ ”ንጽሕና” ብዝብል’ዩ ቀሪቡ ዘሎ። ምስቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኣብታ ካልአይቲ መልእኽቱ፡ ”ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኩም፡ ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑ” ብምባል ዘርዚርዎም ካብ ዝርከብ፡ ”ምግታእ ርእስኻ” ምስ ዝብል ከኣ፡ ሓደ ዓይነት መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ።

ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ”ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን” በለ፡ (1ዮሃ2.16)። ገዛእ ርእስናን መላእ ቤተ ክርስቲያንን በዚ መንጽር’ዚ ለኪዕና፡ ”ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት” ውጹኣት እንተዄንና እስከ ንሕሰብ። ክምዚ እንተገበርና ጥራይ ድማ’ዩ፡ ኣገዳስነት እቲ ፍረ መንፈስ ስለ’ዚ ኸኣ፡ ኣገዳስነት ብጾምን ጸሎትን ንገጽ ኣምላኽ ምርኣይ ዝከኣለና።

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ”ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይአኽለኒ ምባል ተማሂረ እየ” በለ’ሞ፡ (ፊሊ4.11) ነቶም ከምዚ ኸምኡ ኣገልገልቲ ክዀኑ ዘሎዎም ድማ፡ ሓደ ካብቲ መምዘኒ ክኸውን ብምባል ዘቐመጦ ረቛሒ፡ ”ይኣኽለኒ በሃሊ” ክኸውን ከም ዘሎዎ ነገረ፡ (ቲቶስ 1.6-8)። ንጢሞቴዎስ ወዱ’ውን ”ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ ”ናብ ዓለም ሓንቲ’ኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ ኣሎናስ፡ ንሱ ይእከለና” ብምባል፡ ከም ዝመዓዶ ንነብብ፡ (1ጢሞ1.6-8)።

ስጋ ምስ መንፈስ ዝጻረር’ዩ ዝምነ እሞ፡ ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ክንብርትዕ፡ ብጾምን ጸሎትን ገጽ ኣምላኽና ክንደሊ ይግብኣና’ዩ። እቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሓተምናሉ ቅዱስ መንፈስ ድማ፡ ንስጋና ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ንኽንሰቕሎ፡ ክእለትን ብቕዓትን ክዀነና’ዩ።

ዚንበብ፡ መዝሙር 73

ካብዚ፡ እቲ ብፍሉይ ከነስተብህለሉ ዝድለ ዘሎ ”ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፣ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን” ዝብል’ዩ።

ጸሎት፡

ዘልኣለማዊ ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፧ ንስኻ፡ ንዘለኣለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን ኢኻ’ሞ፡ ብምኽርኻ ኽትመርሓኒ፣ ድሓር’ውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ፡ ስለይን ስለ መላእ ቤተ ክርስቲያንን እጽሊ ኣለኹ። ብራህዋ ረሲኣን ከይቀንእ’ሞ፡ ንውሉድ ወለዶ ድማ ከይጠልምሲ፡ ምስትውዓለይ ንምስፋሕ፡ ናብ መቕደስካ ምእታው ኣለማምደኒ። ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንቱ፡ ናባኻ ምቕራብ ይኹነለይ። ነቶም ካባኻ ብምንዝርና ዝዓለዉ ዘበሉ፡ ተጽንቶም ኢኻ’ሞ፡ ነታ ኣብ ደገ ቤት ኣድብያ እተቋምተኒ ሓጢኣት ዝመልከሉ፡ ምግታእ ርእስይ ክትምህረኒ፡ ስለይን ስለ መላእ ቤተ ክርስቲያንን እጽሊ ኣለኹ፥ ጸሎት ደቅኻ እትሰምዕ ስለ ዝዀንካ፡ ደጋጊመ ክብርን ምስጋናን ንቕዱስ ስምካ አቕርብ፡ ሎምን ኩሉ ሳዕን ንዘልኣለመ-ኣለምን ኣሜን!

ለቡ፡
ነቶም ትሽዓተ ፍረታት መንፈስ፡ በብሓደ ርኢናዮም ኣለና። ዕላማ እዚ እስተንትኖን ጸሎትን ግና፡ ፈሊጥና ስቕ ክንብል ዘይኰነስ፡ ኣብታ ፍልጠት ድማ ምግታእ ርእሲ፡ ኣብታ ምግታእ ርእሲ ድማ ዓቕሊ. . . ክህልወናን እናወሰኽናሉ ድማ ምእንቲ ክንከይድ እሞ፡ ኣምላኽ እንተፈቐዶ፡ ጽባሕ ረቡዕ’ውን፡ ንኽልተ ካብዘን ፍረታት መንፈስ፡ ማለት ንፍቕርን ዕርቅን ኣጣሚርና ክነስተንትነን ኢና።