Megedihywet

View Original

ትማልን ሎምን፡ እምበርዶ ክሓልፈልና’ዩ፧

ትማሊ ዝነበብክዎ፡ ምስ’ዚ ሎሚ ዝሰማዕክዎ፡ ኣላታን የብላን ህህ ክሳዕ ዝብሉ ተላቲሞምኒ። ብቕጽበት፡ ገጸይ ድሕሪ ምምዕታብ፡ ”ጽባሕከ ኾን እንታይ ክንሰምዕ ንኸውን፧” በልኩ።

ቀሺ ኣፈወርቂ ተወልደን፡ ቆሞስ ቀሺ ገብረሚካኤል ዮሃንስን፡ ክልቲኦም፡ ሎሚ ምሸት 29 ሕዳር 2023 ”እዋናዊ” ዝበልዎ ዛዕባ፡ ሒዞም ኣምስዮም። ግደ ሓቂ፡ ቤተ ክህነት ኤውሮጳ፡ ”እኒ ብዓል ቀሺ ዮናስ ምሳኹም ዘየለዉ እንተዀይኖም፡ ምሳኹም ከም ዘየለዉ፡ ብሜድያ ወጺእኩም ግለጹ” ዝብል በዳሂ ሕቶ ብቐጻሊ ከቕርቡ ስለ ዝጸንሑ እዮም፡ ዝሓለፈ እዋን፡ ዲያቆን ሳሙኤል ኣርኣያ፡ ሎሚ ምሸት ከኣ፡ ቆሞስ ቀሺ ገብረሚካኤል ምስ ቀሺ ኣፈወርቅ ኰይኖም ከቕርብዎ ተቐሲቦም።

ጉዳይ ቀሺ ዮናስ

”ጉዳይካ ናብ ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ኣሕሊፍናዮ ኣለና” ዝብል ብ17 ጥቅምቲ 2023 ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ምስ ተቐበልኩ፡ ክልተ ነገራት’የ ጌረ። ቀዳመይቲ፡ እቲ ነታ መልእኽቲ ዝጸሓፋ ኣካል፡ ”ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ” ስለ ዝብል፡ ሕጋውነት ናይቲ ኣካል ብዝምልከት እዩ። ከም ዝዝከር፡ ካብ 03 መስከረም 2023 ኣትሒዙ፡ ሓድሽ ሓባራዊ ምምሕዳር ከም ዝቖመ ተኣዊጁ’ዩ። ድሕር’ዚ፡ እቲ ዝነበረ ምምሕዳር፡ ሕጋውነት ክህልዎ ኣይክእልን። እቲ ካልኣይ ዝገበርክዎ ድማ፡ ናብ ክልቲኦም ጳጳሳት ምላሽ ናይቲ ዝተላእከለይ መልእኽቲ ምጽሓፍ እዩ ኔሩ። ጽሒፈ ኸኣ ልኢኸሎም። ኣብ ቀረባ ጊዜ፡ ካብ ክልቲኦም ጳጳሳት፡ ምላሽ ክወሃበኒ ድማ ኣብ ትጽቢት ኣለኹ።

ንቤተ ክህነት ኤውሮጳ ከዕግብ ዝኽእል ምላሽ፡
1. ከምዛ ቆሞስ ገብረሚካኤልን ዲያቆን ሳሙኤልን ዝገበርዋ፡ እቶም ነዚ ኣነ ዘለኽዎ ሃገረ ስብከት ዝመርሑ ዘለዉ፡ ሊቀ-ካህን ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፡ መሪጌታ ጎሀ-ጽባሕ፡ ንቐሺ ዮናስ ካብ ኣባልነት ሃገረ-ስብከት ኣሊናዮ ኢና ምስ ዝብሉ እዩ፡ (ቀሺ ኣፈወርቅ- ሓንቲ ዕዮ ገዛ እንሀት)
2. ብቐንዱ ድማ እቶም ኣብ ትሕቲ ጉስነት ብጹእነቶም ዘለኹ፡ ኣቡነ መቃርዮስ፡ ወይ ብቓል ወይ ብጽሑፍ፡ ካብ ሃገረ-ስብከት ተኣሊኻ ኣለኻ ምስ ዝብሉ እዩ። 
እቲ ኣቡነ ቆሞስ፡ ቀሺ ገብረሚካኤል ክጠቕሶ ዘምሰየ፡ ”ንቐሺ ዮናስ ተሓቢርዎ እዩ” ዝብል ግና፡ ካብዚ ዘለኽዎ፡ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ሓደው ካብታ ቈይማ ዘላ ሓዳስ ሓባራዊት ኮሚተ ምምሕዳር ክሳዕ ዘይመጸ፡ ሕጋውነት ዘይብሉ ጽሑፍ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ይተካእ ይለቀብ ድማ፡ ”ጉዳይካ ናብ ኣቦታት ኣሕሊፍናዮ” ስለ ዝብል ከኣ፡ ካብ ኣቦታት መልሲ ዝጽበ ዘሎ ምዃኑ ክጥቀስ ይግባእ።

ትዕዝብቲ፡ ቅዲ “ክውዕየካ ብማንካ”

መንን መንን’ዮም ተዓሪቖም” ኣብ ዝብል ጽሑፍ ብዝርዝር ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ትማሊ፡ ዝተገብረን ዝተባህለን ነቢብናዮ። ሎሚ ምሸት ክዝረብ ዘምሰየ’ውን ሰሚዕናዮ ኣሎና። ዕድል ተረኺቡ፡ ጽባሕ እንተዝድገም ከ ኾን፡ እንታይ ክብሃል ይኸውን፧ ክልተ መረዳእታ ጥራይ ክጠቅስ እሞ፡ ስለምንታይን ክሳዕ መዓስን’ዩ ግና፡ ቅዲ ”ክውዕየካ ብማንካ” ንቤተ-ክህነትና ክሕምሶ ክነብር፧! ዝብል ሕቶ ድማ ክሓድግ።

ትማሊ

ፓትርያርክ እንጦንዮስ ንኹሎም ጳጳሳት ብስም ሥላሴ ኣውጊዞሞም። ኣቡን ሲኖዳ ድማ ሓደ ካብዞም ዝተወገዙ ጳጳሳት እዮም። ውግዘት፣ እምነት ንዝኸሓደ፣ ሕጊ ንዘፍረሰ ሰብ እትፈልየሉ ኣድማሳዊ ቀኖና ቤተክርስቲያን እዩ። እዚ ደረት እምነትና ዝኾነ ቀኖናዊ-ውግዘት ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ቀዳሞት ቅዱሳን ኣበው ዘቖምዎ ሕጊ እዩ። (ምንጪ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ)

ሎሚ ምሸት

ኣቡነ እንጦንዮስ ዝወገዝዎም፡ ነቶም ጽሑፍ ጽሒፎም፡ ፌርማ ፈሪሞም፡ ኣውሪድናኩም ዝበሉ ጳጳሳት’ዮም። ብጹእ ኣቡነ ሲኖዳ ኣብኡ ኣይነበሩን። ስሞም የለን፡ ኣብ ጉባኤ ኣይተሳተፉን፡ ደብዳቤ ኣይሃቡን፡ ኣብቲ ጽሑፍ ኢድ የብሎምን፡ እቲ ውግዘት ክወሃብ ከሎ፡ ብጹእ ኣቡነ ሲኖዳ ኣብኡ ኣይነበሩን። (ምንጪ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ) ዝጅምረሉ ደቒቕ 18.28- 18.57

ትማሊ

ካብ ሓደ ኣቡን ዘይትጽበዮ ካብ እምነትናን ባህልናን ወጻኢ ዝኾነ ዘስደምም ሰይጣናዊ ተግባር እዩ። ኣብ ክንዲ ስብከተ-ወንጌል፣ ንፍቕርን ሓድነትን ሕዝብና ዘፍርስ፣ ኣሕዋት ኣብ ልዕሊ ኣሕዋት ክልዓሉ ዝደፋፍእ፣ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ እኩይ ተግባር። ካብ ሓደ ኣቡንዶ ከምዚ ዓይነት ዘረባ ምወጸ፧ ኣይተዓደልናን። (ምንጪ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ)

ሎሚ

ብጹእ ኣቡነ ሲኖዳ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘለዉ ጳጳሳት፡ እንኮ ናይ ስነ መለኮት ምሁር’ዮም። ናይ ቲኦሎጂ ምሁር’ዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ብቲኦሎጂ ዝተመረቑ ኣቦ እዮም። እቲ ኻልእ እሞ ደሓን ንግደፎ፡ እቲ ብቕዓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠቶምን፡ ናይ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ፍልጠቶምን ኩስቶ ኣለዎም ኣብ ናይ ኤርትራ ቤተ ክርስቲያን መወዳድርቲ ኣይብሃልን። (ምንጪ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ) ዝጅምረሉ ደቒቕ 15.02-15.37። 

ጽባሕ ከ እንታይ ኮን ክንሰምዕ ንኸውን፧!

አድኅነኒ እግዚኦ እስመ ኃልቀ ኄር