Megedihywet

View Original

ሓምሸይቲ መዓልቲ፡ ቅንኣት እግዚኣብሄር

ኣስተንትኖ 43 መዓልትታት ጾመ-ታሕሳስ

ትማሊ ቀዳም 25 ሕዳር 2023 ዝጀመርናዮ ጾመ ታሕሳስ፡ ክሳዕ’ቲ ዝኽሪ ልደት ጐይታና እንዝክረሉ ዕለት’ዩ፡ ከጓዕዘና። ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኵቡ እዩ፡ ስሙ’ውን ግሩም መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘልኣለም፡ መስፍን ሰላም፡ ኪስመ እዩ። ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ክሳዕ ዘልኣለም ምእንቲ ከጽንዓን ኬቑማንሲ፡ ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ነዚ ኺገብር እዩ፡ (ኢሳ9.6-7)።

ፍርድን ጽድቅን ብሂጎም፡ ግሩም መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘልኣለም፡ መስፍን ሰላም፡ ንዘልኣለመ ኣለም ክነግስ ተመንዮም፡ ”ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ” እናበሉ ኸኣ፡ ብእምነት ይጽበዩ ነበሩ። ነብዪ ኢሳይያስ ንእሙንነት እግዚኣብሄር ክምስክር ከሎ፡ ” ነቶም ዚጽበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዚገብር ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዔን፡ ኣብ እዝኒ ኣይተዘነየን፡ ዓይኒውን ከቶ ኣይረአየቶን” በለ (ኢሳ64.4) ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘልኣለምን ንሱ እዩ! ኣሜን!

ዝንበብ ክፍሊ

ትንቢተ ኢሳይያስ 9. 1-7

ንጸሊ፦

ዎ ጐይታይ፡ ብሃውርን ግምትን ዘይኰነስ፡ ከም ቃልካ ምጽብባይ ኣለማምደኒ። ”ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ፡ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ” ዝብል ዝሃብካዮ ተስፋ፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ፡ ንምጽኣትካ ከቋምት፡ ከምቲ ንፈታዊኣ ተዳልያ እትጽበዮ ፈታዊት ኰይነ፡ ክጽበየካ ብጸጋኻ ክትድግፈኒ እጽሊ’ለኹ፣ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!