Megedihywet

View Original

ሓባራዊ መግለጺ ኣብ ሥርፀት ዘእምወልድ (ፊሊያኰ)

15 ወከልቲ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስን ከምኡውን 10 ወከልቲ ዓለም ለኸ ሉተራዊት ፈደረሽንን ዝተረኽቡሉ ስነ መለኮታዊ ዘተ፡ ብ31 ግንቦት 2024 ከም ዝተዛዘመ ክዝከር ከሎ፡ ክልቲኦም ጉጅለታት ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ድማ፡ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ዘሎ መግለጺ ሰረተ እምነት፡ ንትርጉም እቲ ብግሪኽ እተዳለወ  መበቈላዊ (ሥርፀት ዘእምወልድ ዝብል ዘይብሉ) ጽሑፍ፡ ንዕኡ ክንጥቀም ንመክር” ከም ዝበለ፡ ብኽልቲኡ ወገን ኣብ ዝተዘርግሐ ዜና ተሓቢሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ዝወጸ  መግለጺ እንሆ