Megedihywet

View Original

ናይ ዕለት ኢንተርነትና፡ ሎሚ ሃበና

ኣቦይ ቀሺ፡ ቲክ-ቶክ ኣሎኩም ዶ፧

ብርግጽ፡ ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን’ዩ። ብድድ ኢልና ”ሰላም-ለከ” እንብሎ፡ እቲ ብኢንተርነት ተሓዚሉ ዝመጽእ መስኖታት መራኸቢ እንተዘይኰይኑ፡ ካልእ እንታይ ክኸውን ይኽእል፧! ኣብ ስራሕ ኰነ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸብናሉ ዘበለ፡ ተቐዳዲምና ሃሰስ እንብሎ፡ ቅድሚ ምድቃስና ጠዋዊቕና ዘይንመንዎ፡ እቲ ብኢንተርነት ተሓዚሉ ዝመጽእ፡ መርበባትን መራኸቢታትን እንተዘይኰይኑ፡ ካልእ እንታይ ክኸውን ይኽእል፧!

መንፈሳዊ በልዎ ስጋዊ መዳይ ህይወትና፡ ብዘይ ኢንተርነት ዳርጋ ዘይንበረሉ ጊዜ፡ በጺሕና’ለና። ውልቃዊ በልዎ ማሕበራዊ፡ ቍጠባዊ በልዎ ፓለቲካዊ፡ ባህላዊ በልዎ ገስጋሳዊ፡ ጥንታዊ በልዎ ዘመናዊ፡ ብኢንተርነት ዘይተጸልወ መዳይ ህይወት ምርካብ፡ ዝከኣል ዘይመስለሉ ጊዜ ኢና በጺሕና ዘለና።  

ኣብ ዓመተ 2024፡ ብዝሒ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ብደረጃ ዓለም፡ 5.44 ቢልዮን ምብጻሑ፡ https://www.statista.com/ ሓቢሩ’ሎ።  ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ክሳዕ ዝሓለፈ ሚያዝያ 2024፡ ኣስታት 70 ሚእታዊት ካብ ደቅ ተባዕትዮ፡ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ክዀኑ ከለዉ፡ ካብ ደቀንስትዮ ድማ፡ እተን 64.4 ሚእታዊት፡ ኢንተርነት ከም ዝጥቀማ ተፈሊጡ’ሎ።

ብዘላ ዓለም ብኢንተርነት ተታሒዛ’ላ። ብእኡ ንፋቐር፡ ብእኡ ንጻላእ፡ ብእኡ ዜና ንከታተል፡ ብእኡ ፍልጠት ንእክብ፡ ብእኡ ንዕድግን ብእኡ ንሸይጥን ኣለና።

ኣስተንትኖ

ብዘይ ዝብላዕን ዝስተን ንሓያሎ ሰዓታት ክንጸውም ንኽእል ኢና። ብዘይ ኢንተርነት ከ፧!