ሓጺር ትሕዝቶ መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ኣብ መላእ ዓለም
ብኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ዝምእከል መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ኣብ መላእ ዓለም፡ ብዕለት 3 ሰነ 2024 ሰለስተ ገጻት ዝሓዘ መግለጺ ኣውጺኡ’ሎ። ጽማቝ ትሕዝቶኡ ከም ዝስዕብ ይመስል፦
መግለጺ ንኸውጽእ ዝደረኸ ኩነት
ሀ. ምድላው ንሲመተ ፓትርያርክ ኣብ ኤርትራ
ለ. ምንጻግ ስልጣነ ክህነት ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ዝርከቡ ካህናት
ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ጳጳሳት ነዚ ዝስዕብ ውሳነታት ኣሕሊፎም ተባሂሎም ኣለዉ፦
1. ኣብ ትሕቲ ኣቡነ መቃርዮስን ኣቡነ ሲኖዳን ብዝርከቡ ካህናት ዝፍጸም ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ቅቡል ከይከውን
2. በዞም ዝተጠቕሱ ካህናት፡ ድሮ ዝተፈጸሙ ምስጢራት (ዝድገሙ ኰነ ዘይድገሙ ምስጢራት ኵሎም) ስዑራት ኰይኖም ዳግማይ ክወሃቡ
3. ካልኦት ከም እኒ ሕጸ፡ ምብራኽ ቤት፡ ዝኣመሰሉ ስዑራት ኮይኖም ዳግማይ ክወሃቡ
4. ሲኖዶስ ኣስመራ ኣብ ዝመርሕዎ ቤተ ክርስቲያን ዘይመሓደር ዘበለ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኰነ ኣብ ደገ ዝኾነ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከይረክብ፡ እንተሞተ’ውን ኣብ ዓዱ ከይቅበር
ሰማዒ ኣይረኸብናን
ንሕና ሰበኽቲ ሰላም፡ ሰብ ደገ-ሰላም ብምዃንና፡ ኣብ ደገ ሰላም ኮፍ ኢልና ጉዳይና ክንፈትሕ ብተደጋጋሚ ሓቲትና፡ መንጎኛታት ሸምገልቲ ኣቀራረብቲ’ውን ከይተረፉ ብምልኣኽ ፈቲንናን ጽዒርናን ኢና። ሕቶታትና ግና ክንጸጉ ጸኒሖምን ኣለዉን።
መንግስቲ ኢድካ ኣክብ
መንግስቲ ኤርትራ ብቐጥታ ይኹን ብልኡኻቱ ኣቢሉ ዝገብሮ ምትእትታው፡ ደው ከብል
ዝሽየም ፓትርያርክ ኣይንቕበልን
ሰበ ኣስመራ፡ ፓትርያርክ ንምሻም ይሸባሸቡ ኣለዉ። ብወገንና ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ከም ኣቦ ከም ዘይንፈልጦን፡ ብእኡ ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ከም ዘይንቕበልን ኣቐዲምና ንዅሉ ኣማኒ ክንሕብር ንፈቱ።
ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያን ርድኣና
ኣሓት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ፡ ልሙድ ሃይማኖታውን ሕውነታውን ምትሕብባሮም ከይፍለየና ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።
ዝተፈልየ ካልእ እምነት የብልናን
ዝበጽሓና ዘሎ ፈተነታት ብሰንኪ ምትእትትው መንግስትን መንፈሳውያን ዝመስሉ ናይ ደገ ማሕበራትን ደኣ እምበር ካልእ ዝኾነ ዝተፈልየ እምነት የብልናን
ሃዋርያዊ ግዴታና እዩ
ፍትሒ ጐደለ፡ ድኻ ተበደለ ኢልና ኣብ ጐኒ ውጹዕ ደው ክንብል ምርጫና ጥራይ ዘይኮነስ ሃዋርያዊ ግዴታን ተልእኾናን እዩ።
መንእሰያት ለብሙ፡ ኣይትቀታተሉ
ኣብ ሞንጎ ደቂ ሓንቲ ቤተክርስቲያንን ሃገርን ክሳብ ብጭካነ ምቅትታል በጺሑ ዘሎ ሓደገኛ ከይዲ፡ ደው ክብል፡ ዕርቅን ምርድዳእን ክፍጠር፡ ተጊህና እንጐየሉ ተልእኾና እዩ። መንእሰያትና ክልብሙን ክከኣኣሉን ንጽውዕ።
ተጋደሉ በእንተ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን
ፍትሕን ዕርቅን ክሳዕ ዝነግስ፡ ገዳማትናን ኣድባራትናን ኩሎም ፍትሓውያን ዜጋታትን ምእንቲ ሓድነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ገድልኹም ከተሐይሉ ንጽውዕ።
ሰላምን ርግኣትን ንቕድስት ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርና ኤርትራን።
ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ከምኡ’ውን ንኡሳን ኣህጉረ ስብከታት ማእከላይ ምብራቕን ኣውስትራልያን፡
ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ መላግቦ ከፊትኩም ክትረኽብዎ ትኽእሉ።